ኤርትራን ህዝባን ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል እዮም። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ሃገር፡ ሃገር ከኣ ካብ ህዝቢ ፈላሊኻ ዝረኣዩ ስለዘይኮኑ። ኣብዚ ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር ቃልሲ፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን “ ንህዝቢዶ ንሃገር ኣቐዲምና ነድሕን?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ምስሕሓብ ነይሩ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ምጥራር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕዉዕ ኣጀንዳ ኣብ ዝነበርሉ ኣዝዩ ርሱን መካትዒ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘቤታዊ በደል ንምሕባእን ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝን፡ ነቲ ደሓር ባዕሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪድዎ ዘሎ “ልኡላውነት” ካብ ጉዳይ ህዝቢ ፈልዩን መጢጡን ከቕርቦ ፈቲኑ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ግና ብዘይካቲ ህዝቢ ናይ ምግልጋል ኣጀንዳ ዘየብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ፈላሊኻ ብምሓዝ “ሓደ ምስ ወዳእኩ ናብቲ ካልእ ክሓልፍ እየ” ዝበሃሎ ዘይኮነ፡ ብሓንሳብ ዝዕመምን ተመጋጋብን ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ በጺሕና ኢና። እዚ ከኣ ምትላል እቲ ጉጅለ ካብ ዝተዓጽፈሉ ተረኽቦታት ሓደ እዩ።
ኣብ ንቡር ኩነታት ጉዳይ ሃገር ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ዝምልከቶ ኣካል የለን። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ኣብ ዝመንዘዓሉ መዋእል ኣመስኪርዎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኤርትራ ብዘይንቡር ኩነታት ትሓልፈሉ ዘላ መስርሕ ግና፡ እቲ ኣሰራርዓ ግምጥልሽ ኮይኑ፡ ንጉዳይ ሃገርን ህዝብን ሓደ ዕሉል ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዘኹድደሉ ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ ከም ቁርዲድ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተላሒጉ ዘሎ ጉጅለ፡ ዝጭቁን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዛ ሃገር ምስ ህዝባ ክምጥዋ ትንዕምንዕ ዝብል ዘሎ እዩ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ዝቃለስሉ ዘለዉ ከኣ ነዚ ዝንቡዕን ዘይንቡርን ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘድንን ውሑዳት ርእሶም ዘቕንዕሉን ኣሰላልፋ ኣወጊድካ ልዕልና ህዝቢ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንልዕልናን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ ዓንዲ ናይ ቃልሱ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ሰነዱ “ሰዲህኤ ምልካዊ ስርዓትን ንሱ ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። ኣብ ሰነድ ምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ኣካላት ለውጢ ብሓባር ንምዕዋቱ፡ ብመንገዲ መስርሕ እንካን ሃባን ዘሎ እዩ።
ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ ክፈትሕ ዘብቅዕ ዓቕሚ ኮነ ባህሪ የብሉን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጽዒንዎ ዘሎ ብበብዓይነቱ ዝግለጽ ጭቆና ዘይፈተሐ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገሊኡስ ነቲ ነባር ጸገም ከጋድድ፡ ኣብ ገሊኡ ከኣ ሓደስቲ ጸገማት ክምህዝ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እዚ ጉጅለ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ናይ ምምጻእን ልኡላውነት ሃገሩ ናይ ምሕላውን ግደታ እምብር፡ በቲ ብዋጋኡ ዝመጸ ጸጋታት ናጽነት ናይ ምጥቃም መሰል ከም ዘለዎ ኣይኣምንን እዩ። እዚ ከኣ “ኣነ እየ ዝሓስበልካ’ሞ ዝበኩኻ ግበር” ብዝብል ክቱር ትዕቢቱ እዩ ዝግለጽ። ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ናይ ምግባሩ ምስጢር ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንከምዚ ዓይነት ብደዐ ምጽማሙ ግና ሕቶታት ዘልዕል እዩ።
ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና እዩ ተረጋጊጹ። በዚ ከኣ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ናእዳ ሓፊስሉ እዩ። እንተኾነ ምእንቲ ናጻነት ብዝኽፈሎ ዋጋን ዘርእዮ ጀግንነትን ክንየት ጉጅለ ህግደፍ ኣገሪህዎ እዩ። እዚ ኩሉ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኣዝዩ መሪር ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ከኣ ናይቲ ዝተዳህለሎ ዋጋ እዩ። ደጊም እቲ መፍትሒ በቲ ዝሓለፈ ክምለስ ዘይከኣል “ኣህህ” ምባል ዘይኮነ፡ “ይኣክል በቓ” ክትብል ምኽኣል እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ናይ ኢዱ ከምዘይረኸበ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት መስካሪ ስለ ዝኾነ ካልእ ኣካል፡ ኣብ ሃገሩ “መሊኡ ዘይረገጸ፡ ሓሳብ ልቡ ዘይገለጸ፡ ወሊዱ ዘየዕበየን ኣብ ቁምነር ዘየብጽሐን፡ ፍትሕን ስርዓትን ዝጸምኦ” እናተባህለ ክዝርዝረሉ ዝጽበ ኣይመስለንን። ብዓይኡ ከኣ ናይ ሰላም፡ ልምዓት፡ ድሕነትን ዲሞክራስን መሰሉ ፈጺሙ ዝተነፈገ ህዝቢ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወዮ ክንዲ ናጽነት ንዝኣመሰለ መሰረታዊ ጉዳይ ብክቡር ዋጋ ኣውሒሱስ፡ ፍረ ናይቲ ኮስኲሱ ዘዕበዮ ተኽሊ ኣብ ምሕፋስ ግን ዘይበቐዐ ተባሂሉ ይንቀፍል ከም ዘሎ ነጋሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ መጀመርያ እምነት እንተነንብረሉ ጌጋ ኣይምተባህለን። ኣብቲ መስርሕ ኣሰጓጉማኡ ርእዩ “ክሳብ እትኣምን ኪድ፡ ካብ ዘይትኣምን ግን ተመለስ” ዘይምባሉ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ በቲ ዝጀመሮ ክዕዘር እንተዘይኮይኑ፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ጽላለ በጺሑ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸሞ ገበናት ውሒድዎስ፡ እነሆ ሎሚ ከኣ ዝያዳ ቀይዲ በቲኹ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባና ንክዘርግ ከዕገርግሮ ዝጸንሐ፡ ብንቡርኳ ከይተዓደመ ኣብ ሃገረ ኢትዮዮጵያ፡ ትግራይ፡ ጎንደርን ወሎን ከይዱ ብህይወት ኤርትራውያን ዕሸላት ይጻወት ኣሎ። ናይዚ ኢድ ኣእታውነቱ ሳዕቤን ብዙሕ ኮይኑ ብቐረባ “ኣይማዮም ኣይሰማዮም” ኣብ ዝኾነ፡ ካብ ንቀጻልነት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ሓሊፉ ኤርትራዊ ረብሓ ኣብ ዘየብሉ መንእሰያትና ይህልቕ ኣሎ። ድሮኳ ኣብዚ ሓድሽ መገሸኦም እውን ብናይ ውግእ ገበናት ክኽሰሱ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ኤርትራ ኮንካ ኣማዕዲኻ ኣብ እትርእዮ ተደሪቱ ዘይክተርፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ኤርትራዊ ምስትውዓል የድልዮ። እዚ ሻራዊ ጉዕዞ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ጓና ዝሃልቅሉ ዘለዉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኤርትራ ናብ እትፈርሰሉ ደረጃ እውን ክምዕብል ከም ዝኽእል ህዝብና ከስተብህለሉ አዘኻኽሮ። ስለዚ ሕጂ እ’ውን እቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዕድል ምሉእ ብምሉእ ኣይተጸንቀቐሞን’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ሕሳብካ ክትገብር አዘኻኽር።
ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ዝመረጸ፡ እቲ ቃልሲ ዝሓቶ ዋጋን ዝወስዶ ግዜን ናይ ምኽፋል ህርፋን ስለ ዝነበሮን ዘለዎን ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለስ ብዘይካ ተቓሊስካ ብምምንዛዕ ጸለእቲ ፈትዮም ዘይተኹብሉ መሰል ስለ ዝነበሮን ዘለዎን እዩ። ናይቲ ን30 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ዘካየዶን ሎሚ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዶ ዘሎንቃልሲ ከኣ፣ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉምን ምኽያትን የብሉን። ብፍላይ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራሲን ኣብ ሓደ እዋን “ሎሚኸ ድሕሪ’ታ ዝበሃግናያ ነጻነት ምርካብና እንታይ ቃልሲ ኣድለየ” ዝብሉ ወገናት ይስምዑ ነይሮም እዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወገናት ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ኣበሩ ሓቢኦም ከጸባብቕሉ ዝደልዩ፡ ወይ ድማ ትርጉም ምሉእነት ናጽነት ዘይተረድኡ እዮም።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ “ሕገመንግስቲ፡ ዲሞክራስያዊ ምርጫ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ልዕልና ፍትሒ፡ መሰል ሕሳብካ ምግላጽ….. ወዘተ” እናበልካ ዝበኾሩ መሰላት ምጽብጻብ፡ “ዋላ ሓንቲ ዝተኸብረ መሰል የለን” ምባል ዝቐለለ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብዓብይኡ ነቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ዓንዲ ማእከል ሕገ-መንግስቲ ኣጊዱ ከብቅዕ፡ ኣብ 1996 ኣዋጅ ፕረስ ቁጽሪ 90 /1996፡ ብዝብል፡ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል ዝህብ፡ ሕጊ ፕረስ ኣውጺኡ ምንባሩ ይፍለጥ።
ነዚ ተኸቲለን ከኣ ሸውዓተ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክዕንብባ ጀሚረን ነይረን። ህዝቢ ኤርትራ በዘን ናይ ብሕቲ ሕትመታት ኣቢሉ ካብቲ መንግስቲ ዝዝርገሖ ዝንቡዕን ስሱዕን ዜናታት ዝተፈልየ መማረጺ ሓበሬታ ብምርካቡ ኣብ ለውጢ ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ተስፋ ህዝቢ፣ ዘይተስፍኡ ዝኾነ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ክዕገስ ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጉጅለ-15 ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣጐዛጒዙ፡ በቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈጸምቲ ራዕዲ ዘሕደርዎ ሻቕሎት ተኸዊሉ፡ ነተን ጋዜጣታት ኣብ ወርሒ መስከረም ብ2001 ክዓጽወን እንከሎ፡ ካብቶም ኣብኣተን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝነጥፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት 16 ኣሲሩ። በዚ ከኣ ነቲ ጩራ ዘይመንግስታዊ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድል ምሉእ ብምሉእ ኣጸልሚትዎ። እዚ ስጉምቲ ሽዑ “ሀ” ኢሉ ዝተጀመረ ጸረ ዲሞክራሲ ስጉምቲ ዘይኮነ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ”ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን” ብዝብል ዝፈለመ ናይቲ ጉጅለ መንደልሓቒ ተግባር እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርእዮ ዘሎ ቅልጡፍ ገስጋስ፡ ሚድያ ከም ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ እንታይነት ሓደ መንግስቲ ካብ ዝግለጸሉ መምዘንታት ሓደ ናብ ምዃን ደረጃ በጺሑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ሓበሬታ ሓይሊ ዝኾነሉ መዋእል፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ናጻ ሚድያ ምንፋጉ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ጫፋ ጸረ ዲሞክራሲ ምህላዉ ካብ ዘርእዩ ምልክታት እዩ። በዚ መሰረት እያ ከኣ፣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እዚ ጉጅለ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፤ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል ዜና ዘየብላ ሃገር ኣፍሪቃ ኮይና ተመዝጊባ ዘላ። በብግዜኡ ብደረጃ ዓለም ብዛዕባ ምእሳር ጋዜጠኛታት ዝርዝር ክዳለው እንከሎ ከኣ ደረጃ ኤርትራ ካብ መጠረስታ ንላዕሊ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘይሓልፍ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ግደ ናጻ ፕረስ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ናይ ህዝቢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣብ መጻኢት ኤርትራን ፍሉይ ግምት ካብ ዝህቦም ሓደ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ብደረጃ ጉባአ ዝጸደቐ ንመጻኢ’ውን ዘማዕዱ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ሓበሬታ ዘይብሉ ህዝቢ ብዛዕባ መሰላቱን ነጻነቱን ብቑዕ ኣፍልጦ ከምዘይውንን ይኣምን። ኣብ ኤርትራ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ምቍጽጻር መንግስትን ካብ ምግባት ዓበይቲ ኮርፖረሽናትን ነጻ ኰይነን ሰፊሕን ዓሚቝን ዝተኣሳሰረን ዜናታት ንከቕርባ ዘኽእለን ባይታታት ንምፍጣር ክጽዕት ኢዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።
ነጻ ሚድያ፡ ምስቲ መንግስቲ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ማዕረማዕረ ዝስጉም ንህዝቢ መማረጺ ሓበሬታ ዘቕርብ እዩ። መንግስቲ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ፡ ህዝቢ ዝጐድእን ምጥፍፋእ ዘሳዕርርን መንገዲ ከይሕዝ ዝቆጻጸርን እንተተፈጺሙ ዘቃልዕን እዩ። ህዝባዊ ሓልዮት ዘለዎም ዲሞክራስያውያን መንግስታት፡ እዚ ብሕታዊ ሚድያ ንሳቶም ዘይረኣይዎ ዘርእዮም፡ ዘይበጽሕዎ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ዘንጸባርቐሎምን ከዕርይዎ ዝገበኦም ጌጋታት ከእርሙ ዝሕግዞምን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ሕጋዊ መልክዕ ብምትሓዝ የተባብዕዎን ይሕግዝዎን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየቡ፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክጐዓዙ ንዝደልዩን ወትሩ ካብ ህዝባዊ ማዕበል ዝሰግኡን ኣካላት ግና ንናጻ ፕረስ ከም ቁርን ኣስሓይታን ይፈርሕዎን ኣብኡ ንዝነጥፉ ጋዜጠኛታት “ብማይ ቀጠነ” ይሃድንዎምን። ህግደፍ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝኣገደን ኣዳለውተን ኣሲሩ ዘሳቒ ዘሎን ከኣ ካብዚ ባህሪ ጨቆንቲዚ ነቒሉ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ነተን ናተይ ዝብለን “ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን” እውን፡ ብኣዝዩ ጸቢብ ምቁጽጻር እዩ ዝሕዘን። ኣብዘን ሚድያታት እዚኣተን ኮይኖም ዋላ ብውሱን ርሕቀት ካብ ድሌት እቲ ጉጅለ ወጻኢ ክስጉሙ ዝፍትኑ ናይ መንግስቲ ሚድያዊ ክኢላታት እውን ዕድሎም ማእሰርቲ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፈቐዶ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ከኣ ናይ ብሕቲ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ዝሰርሑ ዝነበሩ እውን ኣለዉ።
ነቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ እሞ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ፍትሕን ፍርድን ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ምዝካሮም ኣገዳስን እዋናውን እዩ። እቲ ዝኽሪ ግና እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸሞ ግፍዒ ንምጽብጻብ ጥራይ ክኸውን ኣይግባኦን። ኣብ ርእሲኡ “እቲ ንሳቶም ዝጀመርዎ ንህዝቦም መማረጺ ሓበሬታ ናይ ምስናቕ ዕላማ ብኸመይ ይቐጽል?” ዝብል ሕቶ ብዝምልስ ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ሚዲያ ዘይምላዉ፡ ካብቲ ዝዓበየ ዲሞክራስያዊ ብኩራት ሓደ እዩ። ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ወጻኢ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዝተባባዕን ዝነኣድን እዩ። እንተኾነ ኣብርክተኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ሕድሕዱ ዝነጻጸግ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝመጋገብ ኮይኑ እንተዘይተወዲቡ፡ መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ከምቲ ንብህጎ ልሳን ናይቲ ልሳን እንከለዎ ዝተለጉመ ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብዚ ዓውዲዚ ዝነጥፉ ዘለዉ ክኢላታት ኣብዚ ኣጋጣሚ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግበኦም ንብል።
መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
Monday, 06 September 2021 09:12 Written by ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢቃል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ብምኽንያት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ባሕቲ መስከረም
Saturday, 04 September 2021 23:23 Written by ውድብ ሓድነት ኤርትራውያንኣቐዲመ ብስመይን ብስም መላእ ኣባላት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡ ንኹለ ህዝብና እንቋዕ ናብ’ዛ ታሪኻዊት መዓልቲ - ባሕቲ መስከረም 2021፡ ኣብጻሓካ ክብል ዓቢ ፍናን ይስምዓኒ። ብምቕጻል ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መደብ ዘዳሎኹምን/ዘዳለኽንን፡ ኣባላት ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ፖሓኤ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ከለኹ ደስ እንዳበለኒ እዩ። ኣስዒበ ንኣቦ-መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትር ነዚ ሃገራዊ ሓባራዊ ዕማም ንምዕዋት እትገብርዎ ዘሎኹም ዘይሕለል ጻዕሪ ክብርን ሞጎስን ይብጻሕኩም ክብል እፈቱ። ኩላትና ብሓባርን ብቕንዕናን፡ ነዚ ሓያልን፡ኣድላይን ስራሕ ከነዐውቶ ሃገራዊ ግዴታ ኣሎና።
ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወጻን እትርከብ ህዝቢ ኤርትራ!
ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ጥልያን፣ ቀጺሉ ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፣ ድሒሩ ነውሕን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዱ ኣብ ዘይተመጣጠነ ፈደራላዊ ውዑል ምስ ንጉሳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም ዝቋረን ኰይኑ። ንሱ ከይኣክል ንጉሳዊ ስርዓት ነቲ ብውሕስነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ውዑል ጥሒሱ በይናዊ ውሳኔ ብምውሳን ንኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ፍጹም መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከም ትኣቱ ገበረ። ህዝብና ነዚ ናይ መግበጥቲ መስርሕ ተዓዚቡ ናይ ሰላማዊ መስርሕ ቃልሲ ኣካየደ። ይኹን እምበር ንጉሳዊ ስርዓት ኣዝዩ ጨካን ዝዀነ ዓመጻት ስለ ዝቐጸለ ነዚ ንምግጣም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዘድሊ ንኹሉ ብሩህ ኰነ።
ሓደ መስከረም 1961 እምበኣር፣ ጅግና መራሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኾነ፣ ክቡር ተጋዳላይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ካልኦት ጀጋኑን ተቓለስታን፣ ቀዳመይቲ ጥይት ኣብ ጎቦ-ኣዳል ዝተኰሱላ ታሪኻዊት ዕለት ኰነት። ቀጺሉ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእነት ዘሰነዮ ናይ 30 ዓመታት ዝተናውሓ ቃልሲ ሰውራ ኤርታራ፡ ኣርዑት ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሲዒሩ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ከም ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም መጠን ባንዴራኣ ከተንበልብል በቒዓ ኣላ። ይኹን’ምበር ቅዋም ተተኺሉ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቌጠባዊ፡ ማሕበራዊ ወዘተ ክኸይድ ትጽቢ ዝግበረሉ ዝነበረ ናይ ምዕባለ መስርሕ ብሰንኪ ህግደፋዊ ፍጹም ምልኪ ተኾልፈን ሃገር ዳግም ኣብ ኣዝዩ ዝጸልመተ ደረጃ ክትበጽሕ ከላ፣ ብዓቢኡ ከኣ ህላዌ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዝርከበሉ ዘሎ መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና።
ዝኸበርካ ህዝብና!
ዝተባህለ ናይ ሃገር ምሕራር ጕዕዞ ብሂወትን ጕልበትን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስድራን፣ መላእ ኤርትራዊ ሕበረተ-ሰብናን ከም ዝተረጋገጸ፣ ንስኻ ሓባሪ ዘይትደልየሉን ከም ኣጻብዕ ኢድካ እትፈልጦን ሓቂ’ዩ። የግዳስ እቶም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ተጋደልቲ ደቅኻ፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም - ኮታ ብመደብ - ብህግደፋዊ ምልኪ ሓደ ድሕሪ ካልእ ኣደዳ ሕሱም ማእሰርትን ስደትን ኮይኖም ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ሎሚ፣ ኢሰያስን ምልካዊ ስርዓቱን ሃገር ከም ውልቀ ንብረት ተቆጺራ፣ ናብ ውግእ ክሸማ ይኹን ንኽራይ ከውርዳ ዓለም ብዓለማ ትዕዘቦ ዘላ ጕዳይ ኮይኑ ኣሎ። 04 ነሓሰ 2020 ስርዓት ኢሳያይስ ኣብ ዘይምልከቶ ውእግ ንሃገር ኣትትዩ፡ ብዙሕ ግፍዒ ኣብ ንዕሊ ንጹሃት ህዝቢ ትግራይ ገበን ፈጺሙ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ኣሰካፊ ጽልኢ ምስ ጐረበትና ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ኣእትዩዎ ይርከብ። ህግደፍ እዚ ንድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘየርውን ዘይድልየቱን ወራርን በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምውራዱ ብዝኸበደ ቃላት ንኹንኖ።
ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ታሪኽ ጀጋኑ ደቁን ናይ ባዕሉ ታሪኽን ኣይክጠልምን’ዩ። ሃገሩ ካብ ሓደጋ ከድሕን፣ ሓንቲ ብሕግን ብቕዋምን እትመሓደር ዲሞክራያስያዊትን ፍትሓዊትን ዝኾነት ኤርትራ ክሃንጽ’ዩ። ምእንት’ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲያስፖራን ዘሎ ደላይ ፍትሒ ተቃላሳይ እጃሙ ከበርክት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሉ መድርኽ ይሓትት ኣሎ። ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ዕማም ንምዕዋት፡ ማለት ህዝብና ሃገርን ንምድሓን፥ ኩሉ ተቓላሳይ ኤርትራዊ፣ ዝሃለወ ይሃልዎ ኣፈላላይ ወጊዱ፡ ብሓባር ክቓለስ መድረኻዊ ሕቶ ኰይኑ’ሎ። ነዚ መድረኽ ዘሰከመና ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ንዕኡ ብዝምጥን ውጽኢት መታን ክንምህዝ ከኣ፣ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ብሓደን ሓድነትን ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ የዘኻኽር። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒመ እምኣር እወ፣ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ክፈታሕ ምኻኑ ዘየጣራጥር’ኳ እንተኾነ፣ ንዘሎና ሃገራዊ ሽግር ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ብውሑድ ክሳራን ንምብዳህ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእትን እትርከቡ መንእሰያት ኤርትራ፣ ዝያዳ ልዑል ተራ ብምውሳድ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትኮኑ ይግባእ፣
ኣብ መወዳእታ፣ ከነማሕጽኖን ክንብሎን ዝደሊ ጕዳይ፡ ሽግር ህዝባናን ሃገርናን፣ ዋላውን ከም ኣድላይነቱ ካብ ፈተውትና ሓገዝ ምሕታት ናትና መሰል ምኻኑ እናኣመና፥ ግና ባዕልና ክንፈትሖ እኹል ዓቕምን ተመኩሮን ኣሎና። እሞ፣ ሃየ ሓድነትና ጥራሕ ነደልድል!!
ሓደ መስከረም ንዘላኣለም ትንበር!
ክብርና ክምለስ፡ብሓባር ንቓልሰ!
የቀንየለይ!
4 መስከረም 2021
ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢኣታትን፡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝግደስ ትካል፡ ፖሊስን ምምርማርን መሰረት ንምንጻፍ ብ14 ነሃሰ 2021 ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣካይዶም። እዞም 150 ዝኾኑ ኣብ ዋሽንግተን መእከቢ ኣዳራሽ ካቶሊካዊት ዩኒቨርስቲ ዝተራኸቡ፡ ድሕሪቲ ዓውደ መጽናዕቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ናይዚ ዓወድ መጽናዕቲ ዓላማ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ጽልዋኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምምይያጥ ምንባሩ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ። ብዛዕባ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝምልከት ኣቐዲምካ መደባት ምትላም ዝምልከት’ውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተዘርበሉ ዛዕባታት ነይሩ። ኣብዚ ብኤርትራዊ ትካል ምምርማር ንፖሊስን እስትራተጀን ድሕሪ ውድቀት ግዝኣት ኢሳያስ ዝተዳለወ ዓውደ-መጽናዕቲ እቶም 150 ምሁራትን ክኢላታትን ብኣካል ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5 ደርዘን ዝኾኑ ከኣ ብመንገዲ ዙም ተሳቲፎም። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካለኦት ድማ ብዝተፈላለዩ መሕበራዊ መራኸብታት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ወጻኢ ከይተረፈ ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብቶም ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምቕራብ ኮነ ምይይጥ ብምክያድ ዝተሳተፉ፡ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ ካብ ዩኒቨስርሲቲ ሰሜን ካሎሮና፡ ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስተኣብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫኒያ፡ ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ካብ 1970 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ንጡፍ ተሳቲፊ፡ ዶ/ር ሳባ ኪዳነ ናይ ማሶን ዩኒቨርሲቲ ምርቕትን ኣቶ ኑረዲን ዓብደልቃድር ካብ 1970ታት ጀሚሮም ኣብ ማሕበረ ኮማዊ ንጥፈታት ህዝቦም ኣብ ምልዕዓል ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለዎምን ከም ዝርከብዎም ካብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምርዳእ ይከኣል።
እቶም ኣቕረብቲ ጽሑፋት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ግርጭታትን ቁጠባዊ ውድቀትን፡ ገንዘባዊ ዘይህድኣት፡ ድሕንነት፡ ትሑት ትሕተ-ቅርጻ፡ ዝለዓለ ሸቕለተ-ኣልቦነት፡ ዋሕዚ ናብ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ጨካን ኣገባብ ማእሰርትን ስነ-ኣእሙራዊ ጸገማትን ዝምልከቱ ዝርዝራት ንምይይጥ ኣቕሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብደሆታትን ወተሃደራት ዝነበሩን ኣብ ስደት ዝጸንሑን ኤርትራዊ ዜጋታት ምስቲ ሕበረተሰብ ከም ዝውሃሃዱ ምኽኣልን ዝያዳ በዳህቲ ዛዕባታት ከም ዝኾኑ ጠቒሰምዎም።
እቶም ተሳተፍቲ ምሁራት ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለጽዎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ቅቡል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከይትከል ዓንቂጹ ከም ዘሎ ጠቒሶም። ካብዚ ነቒሎም ከኣ ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እቲ ዝምስረት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዳግማይ ከይጭወን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሮም። ተሳተፍቲ ኣብ መጻኢ ንብልጽግና ኤርትራዊ ዜጋ ቀዳምነት ዝህቡ ኣካላት ብመንገዲ ምርጫ ፈሊኻ ምፍላጥ ዘኽእል ኣገባብ ካብ ብሕጂ ክሕንጸጽ ከም ዝግባእ ኣስፊሮም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ንተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ኣጉሊሖም ጠቒሰምዎ።
ካልእ ተሳተፍቲ ምሉእ ብምሉእ ዝተረዳድእሉ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባና ጠንቂ ዘይምርድዳእ ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንምብዳህ፡ ሓድነትን ውህደትን ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራቱን ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ነዚ ኣተግቢርካ ናብ ሸቶ ንምብጻሕን ከኣ ሰፊሕ ስሙር ግንባር ወይ ጉባአ ምክያድ ከም ዘድሊ ተሳተፍቲ ኣስፊሮም።
ናይ ኤርትራ ኣገዳሲ ክሳዳዊ ኣቀማምጣን ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ወጻኢ ምህላዎምን ንመጻኢ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባና ሓጋዚ ስለ ዝኸውን፡ ድሕሪ ውድቀት እቲ ጉጅለ ቁጠባዊ ዋዕላ ምክያድ ከም ዘድሊ ኣዘኽኺሮም። እቲ ጉጅለ ምስ ጐረባብቲ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ህውከት፡ ሓደ ብደሆ ኮይኑ፡ ነዚ ብዝምልከት ምስሊ ኤርትራ ንምዕራይ፡ ቀጻሊ ህንጸትን ምትእምማን ናይ ምፍጣር ስረሓት ንምትግባር ኤርትራውያን ምሁራት ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኣዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ኣስተዋጸኦ ከበርክቱ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ጠቒሶም።
ናጻ ኤርትራ ነይሩ ድሌትና ባህግና
ብውዱብ ምንቅስቓስ ስለዝተቓወምና
ክሃድኑና ብሓይሊ ክቕንጽሉና
ብውዲት ብዓመጽ ጸኒሖም ክገዝኡና
ብሓደ መስከረም ጠበንጃ ኣልዒልና
ናይ ዕጠቕ ነጋሪት ተዅሲ ከፊትና።
ተዘከር ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
ጋንትኡ ወዲቡ ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝኸተተ
ብሓደ መስከረም ተዅሲ ዝኸፈተ
ንቕሎ ሰውራ ብኤርትራዊ መኸተ
ናብ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ዝኣንፈተ።
ጓሶት ሃገርና ኣሕኦም ጠንጢኖም
ሓረስቶት ማሕረሶም ገዲፎም
ሰራሕተኛታት ናውቶም ደርብዮም
ተመሃሮ ማህደሮም ኣቐሚጦም
ወዶም ጓሎም ንናጽነት ሃገር ተሰሊፎም
ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሎም።
ብዝተናውሐ ውግእ ብተወፋይነት
ተጋዲልና ንሰላሳ ዓመታት
ተኸፊሉ መስዋእቲ ብኣሽሓት
ብህዝባዊ መኸተ መንዚዕና ናጽነት
ጨቢጥና’ወ ሃገራዊ ልዑላውነት።
ንጹር መደብ ዕዮ ሓንጺጽና
ከነረጋግጽ ኵሉ ዓይነት መሰላትና
ክንነብር ብሰላም ፍትሒ ብልጽግና
መግዛእቲ ተደምሲሱ ጨቢጥና ናጽነትና
ዓገብ’ዩ ብኢሳያስ ተጠሊምና
ስርዓት ምልኪ ሳዕሪሩ መሪሩ ጭቆና።
ሕቶና ኣይረኸበን ግቡእ መልሲ
ንሕሙም ስርዓት ኣለዎ ፈውሲ
ብህዝባዊ ማዕበል ካብ ሱሩ በንቋሲ
ክትካእ’ዩ ብፍትሓዊ ደሞክራሲ
ክንበጽሖ ናይ ግድን ብቐጻሊ ቃልሲ።
ጻውዒት ሓደ መስከረም ዝተቐበሉ
ንናጽነት ሃገር ሂወቶም ዝኸፈሉ
ተወጊኦም ኣካሎም ዝሰንከሉ
ንሓርነት ህዝቢ ዝቃለሱ ከይተሓለሉ
ሞያኦም ይዘከር ተሰኒዱ ተጸንቢሉ።
ባሕርና ብሂጎም ንዝምህዝዎ ናይ ፈጠራ ክትዓት
ኤርትራ ከም ኵለን ግዙኣት ሃገራት
ንጹር ዶባታ ስኑድ ኣብ ኣህጉራዊ ትካላት
ናጽነታ ብመስዋእቲ ደቃ ዘረጋገጸት
ህያው’ዩ ቲ’ቀያድን መወዳእታን ኣህጉራዊ ምስክርነት
ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣቱ ስጡም ልዑላውነት።
ሓድነትን ማዕርነትን ህዝብና ብብዙሕነት
ወከልቲ ህዝቢ ብደሞክራስዊ ምርጫታት
ይቑም ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ ኩለን ዓድታት
ኣብ ኵሉ ከተማታት ወረዳታት ኣውራጃታት
ሃገራዊ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ብቕዋማዊ ስርዓት
ዝምረጽ ካቢነ ሚኒስትራት ብሞያዊ ብቕዓት
እዚ’ዩ ነይሩ ናይ ሓደ መስከረም ዕላማታት።
ምስጢር ዓወትና፣ ሓሳብና ይስመር
ሓድነትና ከም ሓጺን ይትረር
ብህጹጽ ብዘይ ውዓል ሕደር
ስርዓት ምልክን መሓውራቱን ንስበር
ብሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ኣብ ሃገርና ክንነብር !!
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትኽበር።
ብዕለት 21 ነሓሰ 2021 ስሩዕ ኣኼባ ናይ ኣባላት ጨንፈር ቁ.2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ዕዉት ኣኼባኦም ኣሳላሲሎም። ኣቦ መንበር ጨንፈር ድሕሪ ንገለ ኣዋርሕ ምስ ብጾትና ጨንፈር ቁ.1 3ተ ሓባራዊ ርክባት እኳ ንግበር እምበር ናይ በይንና ዘንጊዕና ብጽናሕ ሎሚ ብምሉእ ጥዕና ምርኻብና ደስ ዘብል እዩ ብምባል ኣኼባ ከፈቶ። ተሳታፍነት ኣባላት በዘይካ ገለ ኣባላት ብብቁዕ ምኽንያት ኣይተሳተፉን እምበር ምልኣት ነይሩዎ። ኣኼባ ብኣቀዲሙ ዝተላእኸ ኣጀንዳ
- ድሕሪ ሰላም ሌላ ሓደስቲ ኣባላት
- ሃለዋት ጨንፈር ቁ.2 ምጽራይ ንጡፋት ኣባላት ፡
- ምጣኔ ሃብታዊ ተሳታፍነት ብተሓዝ ገንዘብ፡
- ጸብጻብ ንዞባ ኤውሮፓ ምድላው፡ በየከተማ ዘሎ ንጥፈታት ምሕባር፡
- መጻኢ ኣኼባና ብስሩዕ ንምቅጻል ኣብ 2 ዶ 3 ወርሒ ፡ ንጉባኤ ጊዜ ምዉሳን፡ ዝብሉ ብቀደም ተኸተል ብምክታዕ፡ ፡ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ዝርዝር ወርሓዊ ዊጺኢትን ኣታዊ ወፈያን ምስጉን ተሳታፍነት ኣባላት ብምቅራብ ኣዝዩ ሰፊሕ ሃናጺ ርእይቶን ለውባን ብምቅራብ ፡ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ከባኢናን ቅልጡፍ ለውጥታት ይርእዩ ስለ ዘሎዉ ከኣ ቅልጡፍን ቀጻሊ ርክብ ከም ዘድሊ ኣስሚረምሉ። ሽማገለ ጨንፈር ከኣ ከምቲ ልሙድ መደብ ኣኼባታት ሰሪዓ ክትልእክ ተላብዮም። ኣኼባ ንዕዉት 3ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ጭርሖኡ …ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ !!! ኣድኒቁ ንዉሳኔታቱን ጸዊዒቱን ሓዳሽ መሪሕነቱን መርሓባ ብምባል ኣስሚሩሉ። ብተወሳኺ ብኣባል ባይቶን ጠቅላል ተቋጻጸርን ርጡብ ኣታባባዒ መብርህታት ብምሃብ ንኣኼባ ብምህታም ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ኣኼባ ዓወት ተዛዚሙ።
ካብ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ንምድሓን ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐ
Tuesday, 24 August 2021 10:24 Written by ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰ.ደ.ህ.ኤብዛዕባ ኮቪድ-19 ንኻልኣይ ጊዜ መግለጺ ከነውጽእ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነ፡ ሓደ ሓው ኣብ መርዓ ኤርትራውያን ኣምስዩ ንገዝኡ ምስተመልሰ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈ ፈሊጡ ን20 መዓልታት ተውሺቡ ጸኒሑ ምስሓሾ: “ካባይ ተመሃሩ” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ጌሩ ዘጋጠሞ ሓቢሩ። ካብቶም ኣብቲ መርዓ ዝተሳተፉ 15 ሰባት ዝተለኽፉ፣ እቶም 3 ካብ ሓደ ስድራቤት እዮም። ክሳብ ሕጂ ሞት ኣየጋጠመን ስለዘሎ፣ ኵሎም ሓውዮም ናብ ንቡር ጥዑይ ሂወቶም ክምለሱ ንምነየሎም።
ኣብ 14 መጋቢት 2020 ኣብ ሕታምና ቁጽሪ 1፡ ካብ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ (ኮቪድ-19)፣ ማለት ነዚ ብዘይርአን ዘይስማዕን ደረት-ዶብ ዘይክልክሎ ዝለክፍ ድቀ-ፍጥረት (ቫይሩስ) እንተዘይ ተኸላኺልካዮ ንህዝቢ ዓለም ከጥፍእ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዝፍራሕ ስለዝዀነ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ተላባዒ ሕማም “ኣህጉራዊ ፓንደሚክ” ሰምዩ፣ ንምክልኻሉ ዘድሊ ሓበሬታን መምርሒታትን ሂቡ ከምዝነበረ ሓቢርና ኔርና። ካብ ዝሃቦ ህጹጽ መምርሒታት፡ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ መዘናግዒ ንግዳዊ ከባብታትን ተዓጽዩ መገሻ ብህዝባዊ መጐዓዝያታት (ብነፋሪት፣ መርከብ፣ ኣውቶቡሳትን ወዘተ) ብኣዋጅ ዝኽልከል ነይሩ። እዚ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወት ህዝብን ሃገርን ብኸቢድ ዝጐድእ ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ። ቁጠባዊ ዕብየት ድሕሪ ጥዕና ማሕበረ-ሰብ ስለዝስራዕ፣ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቢ ምስተረጋገጸ፣ ቁጠባ ናብ ቦትኡ ዝምለስ ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ ነይሩ።
መራሕቲ፣ ሓለፍትን ኣካየድትን ትካላት ናይ ብዙሓት ሃገራት፣ ንምምሕዳራዊ ዕማማቶም ኣወንዚፎም፣ ብቐዳምነት ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሓበሬታ፣ ምንቕቓሕን መምርሕታትን ምሃብ ኣትኵሮም ብምንጣፍ፣ ኮቪድ-19 ንምጥፋእ፣ መድሃኒት ክታበት (ቫክሲን) ምምሃዝ ወሳኒ ምዃኑ ብምንጻር፣ ዓቕምን ተኽእሎን ዘለወን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዘካየድዎ ንጡፍ ድህሰሳን ምርምርን መድሃኒት ክታበት ቫክሲን ብ11 ታሕሳስ 2021 ተዳልዩ። ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ መብዝሕትአን ሃገራት ተኸቲቦም ነቲ ብናህሪ ዝለክፍን ዝቐዝፍን ዝነበረ ቫይሩስ ብምቁጽጻር፡ ኣብያተ ዕዮ፣ መገሻታትን ኣብያተ ትምህርትን ስሩዕ ስርሑ ከካይድ ይርከብ። እንተዀነ ግን ዴልታ ቫርያንት ዝተባህለ ካብቲ ናይ ቅድም ዝተፈልየን ዝሓየለን ቫይሩስ ክለክፍን ክቐዝፍን ምስተራእየ፤ ዝያዳ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድልን ንዕኡ ንምክልኻል ድማ ተወሳኺ ክታበት ብቡስተር ዝፍለጥ ከምዘድሊ ተፈሊጡ፡ ብ23 ነሓሰ 2021 ተዳልዩ ብሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ኣብ ግብሪ ክውዕል ተፈቒዱ፡ ንካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ክወሃብ ክጅመር ምዃኑ፡ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ድሕሪኦም ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ነቶም ቅድሚ ሎሚ ዝተኸትቡ ሰባት ተወሳኺ ቡስተር ክታበት ዘድልየሉ ምኽንያት፣ ሓይሊ ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መድሃኒት እንዳጐደለ ስለዝኽይድ እዩ።
ምንጪ ሓበሬታ መግለጺና ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተረኽበ እዩ። ሓደ ካብ ዘገርም ኣብ ኣመሪካ ክታበት ዝቃወሙ ኣለዉ። ትካል ጥዕና ዘቕረቦ መጽናዕቲ እቶም ብዴልታ ቫርያንት ዝልከፉ ዘለዉ 90% ዘይተኸትቡ እዮም፡ ገለ ካብ ዝተኸትቡ እሞ ዝተለኽፉ 7 ካብ 100,000 እዮም፡ ተጽዕኖ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተኸትቡ ከቢድ ከምዘይኰነ’ውን ኣፍሊጦም።
ብማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕነት ኣባላቱን ህዝብን በቲ ዝርድኦ ቋንቋ በብእዋኑ ንዝምዕብል ሓበሬታን መምርሕን ክህብ ተበግሶ ምውሳዱን ምቕጻሉን እንዳሓበርና፣ ኣብዚ ዕማም’ዚ ብፍላይ እቶም ናይ ሕክምና ኣፍልጦን ሞያን ዘለኩም ሰባት ክትሳተፉ ንዕድም።
እዚ ዝስዕብ እዋናዊ ሓበሬታ ነስፍር፡
- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ዘርእዮ ምልክታት፡ ምስዓል፣ ረስኒ፣ ሕጽረት ትንፋስ፣ ሕማም ርእስን ኣካላዊ ድኻምን ወዘተ ይኸውን። እቲ ሕማም ኮቪድ-19 እንተዀይኑ ብመርመራ ክፍለጥ ዘለዎን ናይ ምድሓንን ንኻልኦት ንኸይልክም ምክልኻልን ዘድሊ ስጉምታት ብዝምልከቶም ናይ ሕክምና ሰበ ስልጣን ዝውሰድ እዩ፡
- ዝተጠቕሰ ምልክታት ናይ ካልእ ዓይነት ሕማም ክኸውን ስለዝኽእል ብመርመራ ምስተፈልጠ ንዕኡ ዝግባእ ክንክን ይግበረሉ።
- ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ሰብ ብዝግበረሉ ግቡእ ሕክምናዊ ምእላይ ክድሕን ዕድል ስለዘለዎ፣ ክስንብድ የብሉን
ኮቪድ-19 ብኸመይ ይለክፍ፡
- ኮሮናቫይሩስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እዩ ዝመሓላለፍ። ዝተለኽፈ ሰብ ጥቓ ዘይተለኽፈ እንተቐሪቡ/ቀሪባ
- ኣብ ባህልና ድሕሪ ገለ እዋን ዝተራኸቡ ሰባት ሓቝፍካ ኣብ ምዕጕርቲ ምስዓም ዝውቱር’ዩ፡ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምኡ ምቕጻል ክትልከፍ ምዃንካ/ኪ ምርዳእ ስለ ዘድሊ ብናይ ማዕዶ ሰላም ክትካእ ኣለዎ
- ምስዝተለኽፈ ሰብ ናይ ኢድ ምጭብባጥ ሰላምታ ድሕሪ ምግባር፣ እታ ዝተለኽፈት ኢድ ንኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ ዓይኒ እንተ ተንኪፋ፣ ኮሮናቫይሩስ ናብ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣትዩ ናብ ደም ብምሕዋስ መጥቃዕቱ ይቕጽል
- ብኮሮናቫይሩስ ዝሓመመ ሰብ፣ ብኢዱ ዝተንከፎ ንቑጽ ገጽ ጣውላ፣ ማዕጾ፣ ኩርሲ ከምኡ’ውን ካብ ኣፉ ይኹን ኣፍንጭኡ ዝወጽእ ፈሳሲ ዝሓደጎ፣ ብገርሂ ዝተንከፈ ሰብ እሞ ከይተሓጽበ ገጹ እንተደሪዙ ይልከፍ።
ከይንልከፍ ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐን ምክልኻልን፡
- እቲ ቫይሩስ ብቖርበት ኣይኣቱን እዩ። ብኣፍ፣ ዓይኒ ወይ ኣፍንጫ እዩ ናብ ሳንቡእ ዝኣቱ።
- ቅድሚ ገጽና፣ ኣፍንጫና፣ ኣፍናን ዓይንናን ምትንካፍ ኣእዳውና ብሳምና ምሕጻብ፤
- ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ንባክተርያ ስለ ዝቐትልን ብኣኦም ንዝተሓላለፍ ሕማም ስለዝከላኸልን ምጥቃም
- ነብስናን ከባቢናን ካብዚ ሕማም’ዚ ናጻ ክኸውን፡ መከላኸሊ ማስክ ዘይምፍላይ፣ 6 ጫማ ካብ ካልእ ሰብ ምርሓቕ
- ብናይ ወጻኢ ቋንቋታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውሃብ ሓበሬታ ክርድኡ ዘይክእሉ ቖልዑን ነቶም ብዘይካ ናይ ኣደ-ቋንቋኦም ካልእ ዘይርድኡ ኤርትራውያንን፣ ክርድኡን ምእንቲ ነብሶምን ስድራቤቶምን ክከላኸሉን ናይ ምሕባሮም ሕልናዊ ሓላፍነት ክንወስድ የድሊ
- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ኣባል ስድራ ወይ መሳርሕቲ ንኻልኦት ንኸይልክም ኣብ በይኑ ገዛ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከም ኣድላይነቱ ክውሸብ ኣለዎ/ዋ።
- ቡስተር ቫክሲን ክወስዱ ተርትኦም ዝበጽሐ ብዘይምውልዋል ክወስዱዎ ይምረጽ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ እገዳ ከም ዝወሰነት “ተስፋ ኒውስ” ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ኣብዚ ሳልስቲ ዝተወሰነ እገዳ ጀነራል ፍሊጶስ ዝእዝዞ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኮይኑ ኣብ ዘካየዶ ኣንጻር ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ውግእ ብዝፈጸሞ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከተቕርቦ ንዝጸንሐት ክስታትን ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ንዝወሰነቶ እገዳን ኣነኣኢስዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝቐርብ ክስታት ሓድሽ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ነጺግዎ። ብመሰረት እዚ ናይ እገዳ ውሳነ እቲ ጀነራል ኣብ ኣሜሪካ ዘቐመጦ ገንዘብን ንብረትን ካልእ ጠቕምታቱን ክስእን እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ከኣ እዚ እገዳ ናብ ዝምልከቶ ተቖጻጻሪ ኣካል ከምዝመሓላለፍ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ “ማግነቲስት” ብዝበሃል ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓታትነት” ብይን ኮይኑ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝፍጸሙ ዓበይቲ ጥሕሰት መሰላትን ምጥፍፋእን ዝትግበር እዩ። ናይ ኣሜሪካ ዓቃብ ገንዘብን ንብረትን ኣካል ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይን ኣብ ካልእ ከባብታት ዓለምን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ኣካላት ዝውሰድ ስጉምቲ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ውግእ ኣብ ዝምልከት “ሰልፍና ንዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝኾነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።” ኢሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።