News/Editorial

መራሕቲ 4ተ ሃገራት ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማሊያን ብ4 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ሃገረ ግብጺ ከተማ ኢል ኣላመይን  ጽዑቕ  ምምኽኻር ኣካይዶም፡   ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጽኡ ዓራብ ነውስ (ARAB NEWS) ሓቢራ። ኣብዚ ናይ ምምኽኻር ኣኼባኦም ኣገዳሲ ህልዊ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ከም ዝዳህሰሱን ኣብ ሕድሕድ እተን ሃገራት  ፖለቲካዊ፡ ንግዳውን ቁጠባውን ምትሕብባር ዝካየደሉ መንገዲ ከም ዝረአዩ’ውን ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም  ሰፊሮም።

ኣብቲ ምምኽኻር ካብ ዝተላዕሉ ዓበይቲ ዛዕባታት፡ ንዞባዊ ምርግጋእን ሰላምን ዓለም ለኻዊ መትከላትን መትከላዊ ኣዕኑድን ከም መሰረት ምውሳድ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገራት፡ ኣብ ምርግጋእ ከባብን ምውሓስ ኣህጉራዊ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕ ዝብሉ ይርከብዎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምዏል ድማ ሓባራዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት እውን ከውህብ ብዝኽእል ምትሕብባርን ተቐራሪብካ ምስራሕን ኣድላይ ምዃኑ ምስምመዖም ኣብቲ መግለጺኦም ተጠቒሱ።

ናይ ሱዳንን መንግስታዊ ትካላታን ሓድነት ምሕላውን ጐናዊ መንግስቲ ምምስራት ምቅዋም፡ ልኡላውነት ሶማሊያ ምዕቃብን ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ምንጻግን፡ መስርሕ ናጻ መጐዓዝያ ቀይሕ ባሕሪ ምውሓስን ናይዚ ሓላፍነት ናይተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ምርግጋጽን፡ ፈለግ ኣባይ ወሲኽካ ሃገር ኣቋሪጾም ዝውሕዙ ፈለጋት ዝምርሕሉ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ምኽባርን በይናዊ ውሳነ ምንጻግን፡  ንዝብሉ ዛዕባታት ኣብቲ ምምኽኻሮም ፍሉይ ግምት ከም ዝሃብዎም ከኣ በቲ መግለጺኦም ኣንጸባሪቖም።

ኣብ መወዳእታ እቶም መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እዚ ምምኽኻር ቀጻሊ ከም ዝኸውን  ተሰማሚዖም፡ ነዚ ዝምልከት ቀዋሚ መስርሕ ክቕይሱ  ድማ ምርድደኦም እቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣስፊሩ ።

እዚ መግለጺ ዝወጸሉ ዘሎ ግዜ፡ ግጭታት ኣብ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ውግእ ይካየድ ኣብ ዘለወሉን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ኣብ ዝዓረገሉን ብምዃኑ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ባህሪኡ ዕዙዝ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን እዩ።

መራሕቲ 4ተ ሃገራት ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም

መግለጺ ኣመሪካ ኣብ ህልዊ  ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ (state department)፡  ቶማስ ፒጎት ብ3 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ናይ ምዝራግ ዕድል ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወተሃደራዊ ወጥርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክጸውር  ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

እቲ ወጥሪ ነቲ ኣመሪካ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ብኣሉታ ከም ዝጸልዎ እውን ተጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ከኣ ክልቲአን ገረባብቲ  ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሕድሕደን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንከኽብራ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ህውከት ምጽሕታር ክርሕቃን ብመሰረት እቲ  ብ2018 ዝኸተመኦ ስምምዕ ምትሕብባር ናብ ዘተን ምቅርራብን ክምለሳን ተማሕጺኑ። ኣብ መወዳእታ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ መጻኢ መዋጸኦ ንክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ብመስርሕ ልዝብን ዘተን ኣቢልካ ዝረጋገጽ ሰላም ጥራይ እዩ ኢሉ።

ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ነዚ ስኽፍታኡ ዝገልጽ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘውጸአ፡ በቲ ሓደ ወገን ድሕሪቲ ብ1 ጥቅምቲ 2026 ክልቲአን ሃገራት ዝወሰደኦ ብምዕጻው ኤምባሲን ምስጓግ ዲፕሎማትን ዝተሰነየ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ምፍጣሩ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየደ ዘሎ ውግእ ምግዳዱ ተኸቲሉ እዩ።

መግለጺ ኣመሪካ ኣብ ህልዊ  ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን

መቐለ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቓት ሰላም ትግራይን ኣትያ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ዋና ከተማ ክልል ትግራይ  መቐለ ብ3 ጥቅምቲ 2026 ብሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን (TPF)ን መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ወሲኹ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተታሕዘት ኣልጀዚራ ሓቢራ። እዚ ዝተፈጥረ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ሕያል ውግኣት ክካየዱ ድሕሪ ምቕናዮም እዩ።

“ሓይሊ ሰላም ትግራይን (TPF)” ኣካል “ሓይልታት ምክልኻ ትግራይ (TDF)”  ዝነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ግና ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ “ሓራ መሬት” ብዝብል፡ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ምዃኑ ይዝከር።

እቲ ናብ መቐለ ዝኣተውሉ ግንባራት ብኣላማጣ፡ ብሰቖጣን ብወገን ዓፋር ኣብዓላን ኣቢሎም ምዃኖም፡ ሓበሬታ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ የረድእ። እቲ ኣብታ ከተማ ዝጸንሐ ሰርዊት ክወጽእን እቲ ተቖጻጺርዋ ዘሎ ሓይሊ ከኣ ክኣቱን ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ውግእ ኣይነበረን። እንተኾነ ኣብቲ ናይ ምስግጋር ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ብሕታውን መንግስታውን ትካላት ናይ ንብረት ስርቂ ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ።

መጻኢ ክልል ትግራይ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኩነታት ከተማ መቐለ ከመይ ከም ዝኸውን ብወገን መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ኮነ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ግና ስግኣትት ሻቕሎትን ፈጡሩ’ሎ።

ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ብወገኑ ኣቐዲሙ ብ2 ጥቅምቲ2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ስዕረት ከም ዘጋጠሞም ተኣሚኑ፡ ሜላ ቀይሮም ቃልሶም ከም ዝቕጽሉ ሓቢሩ።  መሪሕነት ናይታ ክልል ካብ መቐለ ወጺኡ ናበይ ከም ዘበለ ካብ ግምታት ሓሊፉ ርግጸኛ ሓበሬታ የለን።

መቐለ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቓት ሰላም ትግራይን ኣትያ  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና በቲኻ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ስግኣቱ ገሊጹ

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከም ዘቋረጸት ብ1 መስከረም ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ። ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ በቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ዝሓደሮ ስግኣት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ።

 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መገለጺኡ ነቲ ኢትዮጵያ ከም ምኽንያት መዕጸዊ ኤምባሲኣ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኢዳ  ኣእትያ ዝበለቶ ክሲ ነጺግዎ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ 10 ኤርትራውያን ዲፕሎማት ዋላ’ውን ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስጓጓ ከሲሱ።

እቲ መግለጺ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ህውከት ንምጽሕታርን ልኡላውነታ ንምግሃስን ብቕሉዕ ክእውጅ ከም ዝጸንሐ ኣቃሊዑ። ብዘይካዚ ኢትዮጵያ ጸረ መንግስቲ ኤርትራ ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ጉጅለታት ተዕጥቕን ተስንቕን ከም  ዘላ ከሲሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ካብ ምቁራጽ ካልእ ምርጫ የብላን ኢሉ።

እዚ መገለጺ ብኤርትራ ዝወጸ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኣ ዓጽያ 10 ኤርትራውያን  ዲፕሎማት ከም እትሰጉም ምስ ኣፍለጠት ድሕሪ ናይ ሰዓታት ፍልልይ እዩ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ በቲ ሓደ ወገን ኢትዮጵያ በቲ ካልእ ወገን ከኣ  ኤርትራን ግብጽን መመሊሱ ይዓርግ ዘሎ ወጥሪ ዘሕደረሉ ስግኣ ንምግላጽ፡ ብ1 መስከረም 2026 መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን ናብ ሰለስቲአን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡  ህውከት ካብ ምግዳድ ንክቑጠባ  ኣተሓሳሲቡ።

ኣተሓሒዙ እቲ ሕብረት ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ዘሎ ናይ መራኸቢ መስመራት ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰለቲአን ሃገራት ዘለወን ፍልልያት ብመሰረት ኣማኻሪ ተግባር ሕብረት ኣፍሪቃ ብዲፕሎማሲያዊ መስርሕንን ቀጻሊ ዘተን ንክፈትሓኦ ጸዊዑ። ከምኡ እውን እቲ ሕብረት ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት መኺርካ መፍትሒ ንምርካብ ድልዊ ምዃኑ ዘለዎ ቅሩብነት ኣርእዩ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና በቲኻ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ስግኣቱ ገሊጹ

ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኣ ክዕጾ ወሲና

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ፡ ብ1 ጥቅምቲ 2026 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኡ ንኽዕጾ ምውሳኑ ኣፍሊጡ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሒዙ 10 ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማት ኤርትራ “ዘይተደለይቲ ሰባት” ተባሂሎም፡ ኣብ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ ከም ዝኣዘዘ በቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ዝወሰነ ነቲ “ኤርትራን ብቀጥታውን ዘይቀጥታውን መንገዲ ክትፍጽሞ ዝጸንሐት ጸረ ኢትዮጵያ ናይ ህውከት ተግባራት”  ዝበሎ ናይ ሕርቃን መልሲ እዩ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ እቶም ኣብ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ዝተኣዘዙ 10 ኤርትራውያን ዲፕሎማት “ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ዝዘርግ ተግባራት ብምስታፍን ናይ ቪየና ዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ ብምጥሓስን” እዩ ከሲስዎም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ብመሰረት ስምምዕ ቪየና ኣብ መንጎ ልኡላዊ ሃገራት ክህሉ ዝግበኦ ዝምድና ንከይትጥሕ ኣተሓሳሲቡ። ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ህዝቢ ምስ ህዝብን ዝምድናታት ከም እተኽብር’ውን እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።

ምርጫ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ዝህልዋ ዝምድና ኣብ ብሰላም ሓቢርካ ምንባር፡ ምርግጋእ ከባብን፡ ምውህሃድን ዝተሰረተ ክኽውን ከም እትመርጽ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ እውን ጸገማት ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ምፍታሕን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢርካ ምንባርን ምርጨኣ ምዃኑ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።

እዚ ናይ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ብተደጋጋሚ ኤርትራ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝዋግኡ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ኣብ ምውዳብን ምዕጣቕን ኢድ ኣለዋ ብዝብል ክትከስስ ምስ ጸንሐት እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ዓፋር ኣትዩ ምስቲ ኣንጻር መንግስቲ ብልጽግና ምዃኑ ዝኣወጀ፡ ምሕዝነት ሓይልታት ህልውና ተሰልፉ ይዋጋእ ኣሎ ዝብል፡ ብፕረሲደንት ክልል ዓፋር  ወግዓዊ መግለጺ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።  

ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኣ ክዕጾ ወሲና

ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብርጣንያ ኣኼባ ኣካይዳ

ጨንፈር ዓባይ ብሪታንያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ30 መስከረም 2026 ወርሓዊ ኣኼባ ከም ዘካየደት ሓቢራ። ኣብዚ ኣኼባኣ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ጨንፈርን ተሳትፎ ኣባላትን ዝምልከቱ ተመያጣ ኣባላት ከም ወትሩ ተሳፈኦም ከሕይሉ ተደረዳኢኣ እውን ኣብቲ ሓበሬታኣ ጠቒሳ።

ብዘይካዚ ኣኼባ እታ ጨንፈር ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ዛዕባታት ዝተመያየጠ ኮይኑ፡  ተሳተፍቲ ኣኼባ ናብ 5ይ ጉባአ ዝቐርቡ ሕጹያት ኣባላት መሪሕነት ንምምልማል ቅድሚ ሕደ ዓመት ብማእከላይ ባይቶ ዝቖመት ሓጻይት ሽማግለ ናብ ኣባላት ሰልፊ ዘርጊሓቶ ብዛዕባ ዘላ ኣገዳሲ ሰነድ ከም ዝዘተየን ኣድላይ ምትሕብባር ክገብር ድልዊ ምዃኑ ምርግጋጹ እውን ሓቢሩ።

ብዘይካዚ  ኣኼባ ጨንፈር ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡  ኣብ ሃገርናን ዞባናን ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ምዕባለታት ብሓፈሻ  ዝዳህሰሰ ኮይኑ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግኣትን ናብ ሃገርናን ህዝብናን ዝህልዎ ጽልዋን ገምጊሙ መፍትሒ ዝበሎ ሓሳብ  ምእማቱ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብምዝማድ ድማ መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ድሕሪ ምክያዱ ብዛዕባ ዘውጸኦ   ሰፊሕ ሚዛን ዝሓዘ  መግለጺ ተመያይጡ  ግደ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ምስራጹ  ኣብ ዝምልከቱ ኣገባባት ከም ዝተመያየጠ ካብታ ጨንፈር ዝተላእከ ሓበሬታ የረድእ።

ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብርጣንያ ኣኼባ ኣካይዳ

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢዱ ከእቱ: ሰኔተራት ኣሚሪካ ጸዊዖም

ሽዱሽተ ሰኔተራት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ማክሮ ሩቢ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ምህዳእ ኢድ ከእቱ ምጽውዖም ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ሰኔተራት ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት ካብቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰፍሕ ዘሎ ውግእ ወጺኦም ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ’ውን ጸዊዖም።

ካብ ኮሚተ ወጻኢ ጉዳይ ዝምድናታት ሰኔት ኣሜሪካ፡ ናብ ኣዲስ ስታንዳር ብ28 መስከረም 2026 ዝተላእከ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ሰኔተራት ጆን ሻሂን፡ ኮሪ ቡከር፡ ቺርስ ኩንስ፡ ጀፊ መርክለይ፡ ችሪስ ቫን ሆለንን ቲም ካይነ ዝበሃሉ እዮም።  እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ነቲ ኣብ 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን ተሓጋግዝቱን  ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ፕሮቶርያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ብምጥቃስ ዝሓደሮም ስኽፍታ ገሊጾም። ኣብቲ ምሕጽንተኦም “ኣብ ኢትዮጳ ጉዳይ ሰላም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ የሰክፈና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስፈሩ እውን ተጠቒሱ።

እዞም ኣሜሪካውያን ሰኔተራት ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ውግእ ሃዲኡ ናብ መኣዲ ዘተ ንክመጹ ተጽዕኖኡ ንከሕይል ከም ጸዊዑን ውግእ እንተቐጺሉ ግና ናብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተባሪዑ ዝገደደ ጸገም ከም ዝፈጥ ምጥንቃቖም እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ናይዞም ሰኔተራት መጸዋዕታ፡ ኣሚሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወሲናቶ ዝነበረት እገዳ ኣጽዋር ድሕሪ ካብ 18 መስከረም 2026 ጀሚሩ ምልዓሉ ክኸውን እንከሎ፡ ንሳቶም እቲ እገዳ ናይ ምልዓል ውሳነ ሲቪላት በዲሎም ንዘይሕተቱ ኣካላት ስለ ዘተባብዕን ሰብኣዊ ቅልውላው ስለ ዘጋድድን ክለዓል ኣይነበሮን ዝብል ርእቶ ከምዘለዎም ኣብቲ መጸዋዕታኦም ኣንጸባሪቖም።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢዱ ከእቱ: ሰኔተራት ኣሚሪካ ጸዊዖም

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብ ትግራይ ሰባት ኣውጺኡ

ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብ28 መስከረም 2026 ካብ ከተማ መቐለ፡ 161 ሰባት ናብ ኣዲስ ኣበባ  ከም ዘውጸአ ማዕከን ዜና ሮይተር ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ውግእ  ኣብ መንጎ እታ ናይ ውግእ ዞና ተባሂላ ዘላ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ቀጥታዊ መጐዓዝያ ስለ ዘየለ፡  እቶም ግዳይ ኮይኖም ዝጸንሑ ሰባት ብፍልጦ ሰብ መዚ ክልቲኡ ወገናት ብመካይን እዮም ናብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰማራ ተወሲዶም።

እቶም ብመንገዲ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ካብ መቐለ ናይ ምውጻእ ዕድል ዝረኸቡ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ትግራይ እናሓለወ ውግእ ምስተኸፈተ ብዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ፡ ኣብተን ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ተመዲቦም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣባላት ቤተሰቦምን፡ ኣባላት ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ተቖጻጸርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ኣብ ትግራይ ዝነጥፉ ዝነበሩ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ከም ዝርከብዎ እውን ተሓቢሩ።

ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ማሕበር ቀይሕ ምሰቀል፡ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ፡ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ረጽሚ ጸገም  ንዘጋጠሞ ሰባት ዘይሻዊ ኮይንካ ምሕጋዝ ሓደ ካብ ተግብራኡ እዩ። እዚ ብስምምዕ ጀነቫ ነቲ ኮሚተ ዝተዋህቦ ናይ ምድሓን ሓላፍነት እዩ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብ ትግራይ ሰባት ኣውጺኡ

ኣኼባ ኣቦመንበር ምስ ኣባላት ሰልፊ

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ26ን 27ን መስከረም 2026  ምስ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ ኣብ 2ይ መዓልቲ ድማ ምስ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዜላንድን  ዝርከቡ ከምኡ እውን ኣብቲ ቀዳማይ ኣኼባ ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ሰዲህኤ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፊ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዘተኮረ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ኣቦመንበር ኣብዚ ብጥምሮ ብኣብያተ-ጸሕፈት ውድባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝተወደበ፡ ናይ ክልቲኡ መዓልታት ርካባቱ መብርሂኡ፡ ሰዲህኤ መደባቱ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምብጻሕ ካብ ዘለዎ መደብ ብምንቃል፡ ብቤት ጽሕፈት ዜና ዝዳለው መደብ ባህግና ብቋንቋታት ዓረበኛን ትግርኛን ብመንገዲ ሳተላይት ኤሪፒኤም (EriPM) ናይ ምዝርጋሕ መደብ ቀጻሊ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምትብባዑ ከም ወትሩ ክተግሁ ጸዊዑ።

ከምኡ ከኣ ነቲ ዓቕሚ ሰልፊ ንምስፋሕ ዝበር ዘሎ ጻዕርን ምድላው ኣብ 2027 ዝካየድ 5ይ ጉባአ ሰዲህኤ ኣብ  ዝግበር ምንቅስቓስ ካብ ኣባላት ትጽቢት ዝግበር ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣመልኪቱ ኣስፊሑ ኣብሪሁ። ከም ኣካል ምሕያል ሰልፊ፡ ሰዲህኤ ምስ ኤርትራውያን ተራኺብካ እሂንምሂን ንምብህሃል ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ክፉት ርክብ መደብ ብማንዛ (ዙም) ተሰሪዑ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንክሳተፍዎ ጎስጓስ ክግበር ኣዘኻኺሩ።

ኣቦመንበር ገረዝጊሀር ተወልደ፡ ኣገዳስነት ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናብኡ ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣዘኻኺሩ፡ ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ንቐጻልነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ምምስራት ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣበርክተኡ ከም ዘዕዝዝ’ውን  ገሊጹ።

ኣብ ከባቢና ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጢ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኣብ ዘብረሃሉ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምትሕብባር ሓይልታት ንህልውና መስሪትና ኢሉ ዝኣወጀ  ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን  ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣገደስቲ ዝበሎም ሓሳባት ኣቕሪቡ። እቲ ኩነታት ንኤርትራ ከም ጐረቤት እውን ከም ዝጸልዋ ሓቢሩ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ድሕሪ ምክያድ ዘውጸኦ ብዙሕ ዛዕባታት ዝዳህሰሰ መግለጺ ብምውካስ፡ ውግእ ዘተኣማምን ሰላም ዘውሕስ መፍትሒ ከም ዘይከውን ኣነጺሩ። ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ናይ ምቅላስ ሓላፍነት ድማ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ነቲ ሰፊሕ መብርሂ ኣቦመንበር ምስማዕ፡ ኣብቶም ዘተኮረሎም ዛዕባታትን ተዛመድቲ ጉዳያትን፡ ብምትኳር ተወሰኽቲ መብርሂታት ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ለበዋታት ብምቕራብን ሰፊሕ ተሳትፎ ኣርእዮም።

ኣኼባ ኣቦመንበር ምስ ኣባላት ሰልፊ

ኮሚሽነር ቮልከር ቱርክ፡ ውግእ ከይቅጽል ጸዊዑ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀምረ ውግእ ከይቅጽል ዝለዓለ ስግኣት ከም ዝሓደሮ ምግላጹ ኤኢፍፒ (AFP) ሓቢራ። እቲ ኮሚሽነር ብፍላይ ነቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ብምጥቃስ፡ ኩሎም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ወገናት ናብ ዝሰፍሐ ደረጃ  ከየዕርግዎ  ጸዊዑ።

ኮሚሽነር ቱርክ ብድሮን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ  ዝተኻየዱ ደብዳባት ህይወት ሰባት ከም ዘጥፍኡን ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዘፍረሱን ዘኪሩ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ 22 መስከረም 2026 ጽዕጹዕ ደብዳብ ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብድሮናት ጥራይ ዘይኮነ ብዳርባ መዳፍዕ ዝካየደ ደብዳብ’ውን ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ቮልከር ቱርክ ኣተሓሒዙ ቅድሚ ኩሉ ድሕነት ሲቪል ሕብረተሰብ ክሕለወን ረዲአት ናብቶም ዝምልከቶም ግዳያት ብዘይዕንቅፋት ዝበጽሓሉ መንግዲ ክፍጠርን ከኣ ጸዊዑ። ብጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይን ዝተወሰ ከባቢ ኣምሓራን መስመር ኢንተርኔት ምቁራጹን መንገድታት ከም ዝተዓጽዉን ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝበጸሖ እውን እቲ ኮሚሽነር በቲ መብርሂኡ ሓቢሩ።

ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከባ መዕርፎ ነፈርቲ ምቁጽጻሩ ተኸቲሉ በራረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጠጠው ምባሉ፡ ምስቲ ምቁራጽ ካልእ መስመራት ርክብ ተወሲኽዎ ነቲ ቅልውላው ከም ዘጋደዶ ዝጠቐሰ እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር፡ እዚ ኩነታት ሲቪላት ናብ ውሑስ ቦታ ከይለግሱ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።

ኮሚሽነር ቱርክ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከይተረፈ ይካየድ ንዘሎ ብጃምላ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታዊ ተቓዊሙ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ብዝረኸቦ ጸብጻብ እቲ ምስላፍ፡ ምምዝባል፡  ሞትን ማእሰርትን ከም ዘኸተለ ሓቢሩ።

እቲ ኣገዲድካ ናይ ምስላፍ ወፈራ ቅድም ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ዝነበሩ ኣባላት ከም ዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊቶም ፈጸምቲ ኣካላት ጽልዋ ዘለዎም ወገናት ጠጠው ናይ ምባል ተጽዕኖ ንክገብሩ ከም ዝጸውዐ ኤኤፍፒ ኣስፊራ። እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሰላም ኣብ ምውሓስ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኮሚሽነር ቮልከር ቱርክ፡ ውግእ ከይቅጽል ጸዊዑ