News/Editorial

ኣኼባ ኣቦመንበር ምስ ኣባላት ሰልፊ

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ26ን 27ን መስከረም 2026  ምስ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ ኣብ 2ይ መዓልቲ ድማ ምስ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዜላንድን  ዝርከቡ ከምኡ እውን ኣብቲ ቀዳማይ ኣኼባ ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ሰዲህኤ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፊ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዘተኮረ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ኣቦመንበር ኣብዚ ብጥምሮ ብኣብያተ-ጸሕፈት ውድባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝተወደበ፡ ናይ ክልቲኡ መዓልታት ርካባቱ መብርሂኡ፡ ሰዲህኤ መደባቱ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምብጻሕ ካብ ዘለዎ መደብ ብምንቃል፡ ብቤት ጽሕፈት ዜና ዝዳለው መደብ ባህግና ብቋንቋታት ዓረበኛን ትግርኛን ብመንገዲ ሳተላይት ኤሪፒኤም (EriPM) ናይ ምዝርጋሕ መደብ ቀጻሊ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምትብባዑ ከም ወትሩ ክተግሁ ጸዊዑ።

ከምኡ ከኣ ነቲ ዓቕሚ ሰልፊ ንምስፋሕ ዝበር ዘሎ ጻዕርን ምድላው ኣብ 2027 ዝካየድ 5ይ ጉባአ ሰዲህኤ ኣብ  ዝግበር ምንቅስቓስ ካብ ኣባላት ትጽቢት ዝግበር ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣመልኪቱ ኣስፊሑ ኣብሪሁ። ከም ኣካል ምሕያል ሰልፊ፡ ሰዲህኤ ምስ ኤርትራውያን ተራኺብካ እሂንምሂን ንምብህሃል ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ክፉት ርክብ መደብ ብማንዛ (ዙም) ተሰሪዑ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንክሳተፍዎ ጎስጓስ ክግበር ኣዘኻኺሩ።

ኣቦመንበር ገረዝጊሀር ተወልደ፡ ኣገዳስነት ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናብኡ ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣዘኻኺሩ፡ ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ንቐጻልነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ምምስራት ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣበርክተኡ ከም ዘዕዝዝ’ውን  ገሊጹ።

ኣብ ከባቢና ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጢ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኣብ ዘብረሃሉ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምትሕብባር ሓይልታት ንህልውና መስሪትና ኢሉ ዝኣወጀ  ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን  ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣገደስቲ ዝበሎም ሓሳባት ኣቕሪቡ። እቲ ኩነታት ንኤርትራ ከም ጐረቤት እውን ከም ዝጸልዋ ሓቢሩ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ድሕሪ ምክያድ ዘውጸኦ ብዙሕ ዛዕባታት ዝዳህሰሰ መግለጺ ብምውካስ፡ ውግእ ዘተኣማምን ሰላም ዘውሕስ መፍትሒ ከም ዘይከውን ኣነጺሩ። ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ናይ ምቅላስ ሓላፍነት ድማ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ነቲ ሰፊሕ መብርሂ ኣቦመንበር ምስማዕ፡ ኣብቶም ዘተኮረሎም ዛዕባታትን ተዛመድቲ ጉዳያትን፡ ብምትኳር ተወሰኽቲ መብርሂታት ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ለበዋታት ብምቕራብን ሰፊሕ ተሳትፎ ኣርእዮም።

ኣኼባ ኣቦመንበር ምስ ኣባላት ሰልፊ

ኮሚሽነር ቮልከር ቱርክ፡ ውግእ ከይቅጽል ጸዊዑ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀምረ ውግእ ከይቅጽል ዝለዓለ ስግኣት ከም ዝሓደሮ ምግላጹ ኤኢፍፒ (AFP) ሓቢራ። እቲ ኮሚሽነር ብፍላይ ነቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ብምጥቃስ፡ ኩሎም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ወገናት ናብ ዝሰፍሐ ደረጃ  ከየዕርግዎ  ጸዊዑ።

ኮሚሽነር ቱርክ ብድሮን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ  ዝተኻየዱ ደብዳባት ህይወት ሰባት ከም ዘጥፍኡን ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዘፍረሱን ዘኪሩ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ 22 መስከረም 2026 ጽዕጹዕ ደብዳብ ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብድሮናት ጥራይ ዘይኮነ ብዳርባ መዳፍዕ ዝካየደ ደብዳብ’ውን ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ቮልከር ቱርክ ኣተሓሒዙ ቅድሚ ኩሉ ድሕነት ሲቪል ሕብረተሰብ ክሕለወን ረዲአት ናብቶም ዝምልከቶም ግዳያት ብዘይዕንቅፋት ዝበጽሓሉ መንግዲ ክፍጠርን ከኣ ጸዊዑ። ብጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይን ዝተወሰ ከባቢ ኣምሓራን መስመር ኢንተርኔት ምቁራጹን መንገድታት ከም ዝተዓጽዉን ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝበጸሖ እውን እቲ ኮሚሽነር በቲ መብርሂኡ ሓቢሩ።

ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከባ መዕርፎ ነፈርቲ ምቁጽጻሩ ተኸቲሉ በራረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጠጠው ምባሉ፡ ምስቲ ምቁራጽ ካልእ መስመራት ርክብ ተወሲኽዎ ነቲ ቅልውላው ከም ዘጋደዶ ዝጠቐሰ እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር፡ እዚ ኩነታት ሲቪላት ናብ ውሑስ ቦታ ከይለግሱ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።

ኮሚሽነር ቱርክ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከይተረፈ ይካየድ ንዘሎ ብጃምላ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታዊ ተቓዊሙ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ብዝረኸቦ ጸብጻብ እቲ ምስላፍ፡ ምምዝባል፡  ሞትን ማእሰርትን ከም ዘኸተለ ሓቢሩ።

እቲ ኣገዲድካ ናይ ምስላፍ ወፈራ ቅድም ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ዝነበሩ ኣባላት ከም ዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊቶም ፈጸምቲ ኣካላት ጽልዋ ዘለዎም ወገናት ጠጠው ናይ ምባል ተጽዕኖ ንክገብሩ ከም ዝጸውዐ ኤኤፍፒ ኣስፊራ። እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሰላም ኣብ ምውሓስ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኮሚሽነር ቮልከር ቱርክ፡ ውግእ ከይቅጽል ጸዊዑ

ኣብ ትግራይ ገለ ሓለፍቲ ተኣሲሮም፡ ገለ ድማ ምህዳሞም ተገሊጹ

ኣብ ትግራይ ናብ 24 መስከረም 2026 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ከም ዝተኣስሩ መዲያታት ካብ’ቲ ክልል ሓቢረን። በቲ ሓበሬታ መሰረት ካብቶም ዝተኣስሩ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣዛዚ ሰራዊትን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ዝነበረ፡ ኮለኔል ተወልደ ገ/ስላሰ (ተወልደ ዕንበብ) ናይ ነዊሕ ግዜ ሓላፊ ስለያ ሰራዊት ትግራይ ዝነበረን ኣቶ ኢሳያስ ታደሰ ፖለቲካዊ ሓላፊ ሰራዊት ትግራይ ዝነበረን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ብመንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ ናይዞም ዝተኣስሩን ከይእሰሩ ዝጥርጠሩ ዘለዉ ካልኦትን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ኣውራምባ ታይምስ ዝተባህለ መድያ ከምዝሓበሮ ግና መእሰሪኦም ምኽንያት ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርክብ ስለ ዝጸንሖምዩ ዝብል እኳ እንተኾነ፡ ገለ ወገናት ድማ ነቲ ስጉምቲ ማእሰርቲ ዘይኮነ፡ ናብ ደሕንነቶም  ዝተሓለወ ብሕትው  ቦታ እዮም ተወሲዶም ክብሉ ዝስምዑ ኣለዉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሓና (ገብረ ዲላ) ዝተባህለ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ክልል ትግራይ ዝነበረ፡ ብ22 መስከረም 2026 በታ ናይ መወዳእታ ነፋሪት ካብ መቐለ ሃዲሙ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዶባት ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራት ዝካየደ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያን ክምለሱ ጸዊዖም ኣለዉ። ብፍላይ ኣንበሳደር ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ ናይቲ ትርጉም ዘየብሉን ዘየዕውትን ዝበሎ ውግእ ምጅማር ተሓተቲ መራሕቲ ትግራይ እዮም ዝብል ተሪር መግለጺ ኣውጺኡ።

ኣብ ትግራይ ገለ ሓለፍቲ ተኣሲሮም፡ ገለ ድማ ምህዳሞም ተገሊጹ

ሰራዊት ትግራይ መዓርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺሩ፡ ውግእ ተጀሚሩ፡ መንገዲ ኣየር በረራ ኣቋሪጹ

ሰራዊት ትግራይ ነተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቖጻጸረን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ-ትግራይ በረራ ከም ዘቋረጸ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰራዊት ትግራቱ ድማ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ንክወስድ ተኣዚዙ።

ብናይ ሮይተርስ ሓበሬታ መሰረት፡ ሰራዊት ትግራይ ናብ 23 መስከረም 2026 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣኹሱምን ሽረን ተቖጻጹሩ ነቶም ኣብተን መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሓለዋን ምቁጽጻርን  ዝነበሩ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም።

 መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ23 መስከረም 2026 ንግሆ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ክጐዓዙ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንዝተረኽቡ ገያሾ ናብ ትግራይ ንግዜኡ በረራ ከም ዘቋረጸን መዓስ ከም ዝጅመር ከም ዝሕብርን ብምጥቃስን ነናብ ዝመጽዎ ከም ዝመለሶም ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ብ23 መስከረም 2026 ረፋድ ብዘውጸኦ ሓጺር መግለጺ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ትግራይ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ውግእ ከም ዝተኸፍተ ጠቒሱ፡ ሰራዊት ትግራይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ንክወስድ መምርሒ ከም ዝሃበ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እዚ ኩነታት ዝተፈጥረ ነቲ ኣንጻር ብልጽግና ክቃለስ ዝተመስረተ፡ 7 ውድባት ዝኣባላቱ ህዝባዊ ምትሕብባር ንህልውና (ምትሕብባር ንህልውና)  ብወግዒ ምእዋጁን ብሓይሊ ኣየር ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ከም ግብረ መልሲ ተደጋጋሚ ደብዳባት ድሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ምክያዱ ተኸቲሉ እዩ።

ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ክልላት ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዩኒቨርሲታትን ካለኦት ፈደራላዊ ትካላት ካብ ማእከላይ መንግስቲ ብዝምደቡ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ  እየን ዝሕለዋ።

ሰራዊት ትግራይ መዓርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺሩ፡  ውግእ ተጀሚሩ፡ መንገዲ ኣየር በረራ ኣቋሪጹ

ተለቪዥን ትግራይ፡  ብበዓል መዚ መዲያ ተኣጊዳ

በዓል መዚ መዲያ ኢትዮጵያ፡ ንተለቪን ትግራይ ብግዝያውነት ከም ዝኣገዳ ብ21 መስከረም 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ምሕባሩ ናይ ኢትዮጵያ መዲያታት ሓቢረን። እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እታ ክልላዊ ተለቭዥን ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ንሃገራውን  ጸጥታውን ኩነታት ዝጻብኡን ሃገራዊ ረብሓ ዘይሕልዉን፡ ኣብ ክንድኡ ስግኣትን ህውከትን ዝዕድሙ ፈነወታት ክትዝርግሕ ከም ዝጸንሐት ከሲሱዋ።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ እቲ ግዝያዊ እገዳ ዝተወሰነ እታ ተለቪዥን ናብ ሓላፍነታውን ሕጋውን መስመር  ንክትምለስ ምዃኑ ተጠቒሱ፡ በዚ ትኸዶ ዘላ ግና ንሕሉፋትን ተጻባእትን ዘተባብዕ እዩ ኢልዎ። ኣብ ርእሲዚ እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዝተፈላለዩ ኤለክትሮኒካውን ናይ ሕትመትን መዲያታት ንተለቪዥን ትግራይ ኣፍልጦ ሂቦም ከም ናይ ሓበሬታ ምንጪ ብምጥቃም መደባታት ከየቃልሑ ኣጠንቂቑ።

እዚ እገዳ ዝተወሰነ ኣብ ጽባሕ እታ ተለቪዥን ንምምስራት ጸረ መንግስቲ ብልጽግና ግንባር ብሄራዊ ሓይልታት ምትሕብባር ንህልውና ብዝምልከት፡ ብኣቦመንበር ኣምሓራ ፋኖ ብሄራዊ ምንቅስቓስን ሓላፊ ናቲ ዝተመስረተ ሓድሽ ግንባርን ዝኾነ  ዘመነ ካሰ ዝተነበ መግለጺ ምትሕልላፋ  እዩ።

ናይቲ ሓድሽ ግንባር ኣባል ውድባት፡ ኣምሓራ ፋኖ፡ ሰራዊ ሓርነት ኦሮርሞ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኦጋደን፡ ሰውራዊ ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናጽነት ቤኒሻንጉልን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ጉምዝን ምዃኖም ዝዝከር’ዩ።

ትግራይ ተለቪዥን ቅድሚ ሕጂ እውን ምስቲ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ንክልተዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ብዝምልከት ተኣጊዳ ዝነበረት ኮይና፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ተመስረተ እያ ካብቲ እገዳ ወጺኣ ነይራ።።

ተለቪዥን ትግራይ፡  ብበዓል መዚ መዲያ ተኣጊዳ

ውሳኔ እገዳ ኮነ ምልዓሉ፡ ኣሜሪካ ንናታ ሕሳብ’ዩ

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ካለኦት ትካላትን ወሲንዎ ዝጸንሐ እገዳ ከም ዘልዓሎ፡ ካብ ትረዠሪ ናይታ ሃገር ብ18 መስከረም 20286 ዝወጸ ምልክታ ሓቢሩ።  እዚ ምልክታ ዝወጸ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ዝወሰኸሉን ኣሜርካ ድማ ብሓፈሻ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ነቲ ኤርትራ እትርከበሉ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ቆላሕታ ክትህብ ኣብ ዝተገደደትሉ ምዃኑ’ውን እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትረዠሪ  ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እዚ ብሰንኪ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸሚዳ ምስታፋ ብዝብል ብ2021 ዝተወሰነ እገዳ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ፡  ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍን ከም  ትካል ንግዲ ሕድሪ ዝኣመሰላ  ናይ  ቁጠባዊ ማእከላትን እውን እዩ።

ኣሜርካ ካብ ቅድም ነቲ እገዳ ዝወሰነት ጉጅለ ህግደፍ፡ “ኣሜን” ኢሉ ተልእኮ ስለ ዘይተግበረ እምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰላት ኣብ ግምት ዘእተወ ብዘይምንባሩ ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ እዩ። ምምሕዳር ትራምፕ ሎሚ ነቲ እገዳ ዘልዕሎ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ኣብ ዘይተራእየሉ  እሞ ድማ ህግደፍ ብ18 መስከረም 2001 ጃማላዊ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝኣወጀሉ ዕለት  ኣብ ዝዝከረሉ ምዃኑ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ኣሚሪካ ኣብዚ እዋንዚ ነዚ እገዳ ከተልዕል እንከላ እምበኣር ብፍላይ ምስቲ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ምስቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ናብቲ ናብ ኤርትራ ዝቐረበ ወሽመጥ ባብኤልመንደብ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ህግደፍ ኣድላይ ተለኣኣኺ ክኸውን ይኽእልዩ ብዝብል ሕሳብ ምዃኑ ርዱእ’ዩ።

ውሳኔ እገዳ ኮነ ምልዓሉ፡ ኣሜሪካ ንናታ ሕሳብ’ዩ

ዋና ጺሓፊ ጉተረዝ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ዘቕርቡ ኣካላት ተሓተቲ ክኾኑ ጸዊዑ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብ16 መስከረም 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ብምኣኽ ነቲ ህልቂት ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተሓተቲ ንክኾኑ ጸዊዑ። ኣብቲ መጸዋዕታኡ፡ እዞም ኢድ ዘእትዉ ዘለዉ ኣካላት ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብ ሱዳን  ዝፍጸም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ መጥቃዕቲ ምዃኖም’ውን ጠቒሱ።

ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጽናትን ካብ ምቁጽጻር ወጻእን ይኸውን ከምዘሎ ብምሕባር፡ ህዝቢ ሱዳን ክጾሮ ኣብ ዘይክእል ደረጃ  ሕሰም ከም ዘሎ እውን ኣቃሊዑ። ጉተረዝ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ካብ መኽፈቲ መበል 81 ሰሙናዊ መብርሂ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኣኼባ ከም ዋና ጸሓፊ ዝኸፍቶ ንመወዳእታ ግዜ ስለ ዝኾነ።

እቶም ቀንዲ ሓላፍነት ዝወስዱ ኣብ እቶም ሱዳን ተኸፋፊሎም ብቐጻሊ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ወገናት ምዃኖም ዝገለጸ ጉተረዝ፡ ናይ ወጻኢ ኣጽዋር ኣቕረብቲ ሓይልታት እውን ሱዳንን ህዝባን ኣብዚ ወዲቐምዎ ዘለዉ መከራ ክበጽሑ ዓብይ ግደ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ። ኣተሓሓዙ ከኣ ንድሩትነት ንግደ ኪላታት ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዝምልከት፡ እቲ ትካል ኣብ ሱዳን ናቱ ሓበሬታ ዝእክቡን መርሚሮም ዘጻርዩን ክኢላታት ዘይብሉ ምዃኑ ንኢድ ኣእታውነት ኣብ ሱዳን ከም ዘጋድዶ ሓቢሩ።

ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ደጊሙ እቶም ናብ ሱዳን ኣጽዋር  ዝልእኩ ተሓተቲ ክኾኑ ዝድልየሉ ምኽንያት ብናታቶም ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እታ ሃገር ጃምላዊ ህልቂትን ምምዝባልን ይወርድ ስለ ዘሎ ምዃኑ’ውን ኣረዲኡ። መዝነት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ከም ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 31 ታሕሳስ 2026 ከብቅዕ  እዩ።

ዋና ጺሓፊ ጉተረዝ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ዘቕርቡ ኣካላት ተሓተቲ ክኾኑ ጸዊዑ

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢጋድ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

ኣባላት ቤት ምኽሪ ምኒስተራትን ክኢላታትን፡ በይነ-መንግስታዊ በዓል መዚ ንልምዓት (ኢጋድ)፡ ብ15 መስከረም 2026 ኣብ ጅቡቲ መበል 74 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ዞባዊ ሰላም፡ ምርግጋእን ምጥሕብባርን ከምኡ እውን ውሽጣዊ ምምሕዳራውን ገንዘባውን ጉዳያቱ ምንባሩ፡  ነቲ ኣኼባ ብዝምልከት ዝወጸ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ኣኼባ ብናይ ጅቡቲ ወጻኢ ጉዳይን  ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን  ሚኒስተር ዓብደልቃድር ሑሴን ዑመር ዝተመርሐ ኮይኑ፡  ወጻኢ ሚኒስተራትን ተወከልት ኣንበሳድራትን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ዳይረክተር ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ትካል ኢትዮጵያዊ ዶር  ወርቅነህ ገበየሁን ዝመርሕዎም ልኡኻት ተኣሳቲፎም። ብዘይካዚ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖለቲካን ጸጥታን፡ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጅቡትን ተሳቲፎም።

እቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ንምእንጋድ ንዘርኣይዎ ህዝብን መንግስትን ጅቡቲ ኣመስጊኑ። ኢጋድ ቅድሚ ሕጂ ንሰላም፡ ምርግጋእን ቁጠባዊ ዕቤት ናይቲ ዞባ ከካይዶ ጸኒሐ ዝበሎ ጻዕሪ ብምድህሳስ፡ ኣብ 32 ኣገደስቲ ዝበሎም ዛዕባታት ዘተኮረ ሰፊሕ ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ካብ ዘተኮረሎም፡ ጉዳያት ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ስራሑ፡ ኣባል ሃገራት ኣብ ውሽጠንን ምስ ጐረባብተንን ዘጋጥመን ዘሎ ጸገማትት ኣፈታትሕኡን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምርጫ ዘካየዳ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን፡ ኣተገባብራ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝብጻሕ ስምምዓት፡ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘለዉ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣፈታትሕኦምን ዝብሉ ይርከብዎም።

ብፍላይ ኣብቲ ንሱዳን ዝምልከት ዘስፈሮ፡ ኣብታ ሃገር ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ድሕንነት ሲቪል ሕብረተሰብን ትሕተ-ቅርጻን ክሕለው፡ ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ብዝብል ንክፍታሕ ቆላሕታ ክወሃቦ፡ መመሓላለፊ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብውሑስ ክኽፈት ኢሉ፡ ኢጋድ ብወገኑ ጸገም ሱዳን ኣብ ምፍታሕ ኣብ ዝግበር ሽምግልና ምስ መዛንኡ ኮይኑ ክሕግዝ ድልዊ ምዃኑ ኣብቲ መገልጺኡ ኣስፊሩ።

ብዘይካዚ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ኣብቲ መግለጺ ኢጋድ፡ 7ይ ምርጫ ምክያዱ ደጊፉ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበር ጸዊዑ። ንቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት ከኣ ሰላማዊ ጉዕዞ መራክብ ንክረወሓስ ኢጋድ ምስ ዝምልከቶም መሓዙቱ ኮይኑ ንክሰርሕ ንሰክረታሪያ  መምርሒ ሂቡ።

ኤርትራ ብ12 ታሕሳስ 2025 ንካለኣይ ግዜ ኣካይዳ ኢጋድ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብዝብል ኣባልነታ  ስለ ዝሰሓበት፡ ተሳታፊት ናይዚ መበል 74 ፍሉይ ኣኼባ ኣይነበረትን 

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢጋድ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

ቅልውላው ሆርሞዝ ናብ ባብኤልመንደብ

ኣብ የመን ከተማ ሰንዓ ብምቁጽጻር፡ ኣንጻር’ቲ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎን ብሳዑዲ ዓረብ ዝሕገዝን ሰራዊት ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ሑቲ ወይ ኣንሳር ኣላህ፡ ኣብ ዘካየድዎ ሓድሽ መጥቃዕቲ ገዚፍ ዓወት ምምዝጋቦም ኣብ ማዕከናት ዜና ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ።  በዚ መጥቃዕቲ መጻብቦ ባብኤልመንደብ ብቐረባ ከቆጻጸሩ ዘኽልዎም፡ ወደባዊት ከተማ ማኩ፡ ዱሁባን፡  ማዩን ዝበሃላ ወደባትን ካለኦት ገዛእቲ ቦታትን ከም ዝተቖጻጸሩ’ውን ተሓቢሩ።

እዚ  ነቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ናብ መጻብቦ ባብኤልመንደብ ከይለሓም ዝነበረ ስግኣት ዘግሃዶ ይመስል። እቲ ንወሽመጥ ዑማንን ባሕሪ ዓረቢያን ዘራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝን፡ ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደን ዘራኽብ መጻብቦ ባብኤልመንደብን ብኣስታት 2,057 ኪሎሜተር ከም ዝረሓሓቑ ይንገር።

እዚ  ሓይልታት ሑቲ ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺረምዎ ዘለዉ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ የመን፡ ብሓፈሻ  ናብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ናብ ወደብ ዓሰብን ቀረባ ብምዃኑ፡  ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ  ንኤርትራን ጅቡትን ዘለዎ ተጽዕኖ ዝለዓለ ከም ዝኸውን ርዱእ’ዩ። ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ የመናዊት ወደብ ማኩ ዘሎ ርሕቀት ኣስታት 65 ኪሎሜተር ክግመት እንከሎ፡   ወደብ ማኩ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘለዋ ርሕቀት ከኣ 170 ኪሎሜተር ይግመት።

ሓይልታት ሑቲ ድሕሪቲ ዓወት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ባብኤልመንደብ ምቁጽጻሮም ዓለምለኻዊ ጸገም ከምዘይፈጥር ጠቒሶም፡ መራክብ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ኣሚሪካን እስራኤልን ግና ከም ዝቆጻጸሩ ገሊጾም። ብግብሪ ግና ናይቲ መጻብቦ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ፡ ኣሉታዊ ንግዳዊ፡ ቁጠባዊ ኮነ ጸጥታዊ ሳዕቤኑ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዓለም ለኻዊ ተጽዕኖኡ ሓያል እዩ። ድሮ’ኳ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ የሻቕል ኣሎ።

ሳዑዲ ዓረቢያ ብመንገዲ ወሽመጥ ዑማን ከይትንቀሳቐስ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ፡ ብቐይሕ ባሕሪ ከይትሓልፍ ከኣ ኣብ ወሽመጥ ባብኤልመንደብ እንተተዓጊታ ኣብ ፍጹም ዕጽዋ ጉዕዞ ባሕሪ ስለ እትኣቱ፡ ት  መተካእታ ስኢና፡ ነቶም ዝተሳዕሩ መንግስታዊ ሓይሊ የመን ደጊፋ ነቲ ውግእ እንተቐጺላቶ ከኣ መጻብቦ ባብኤልመንደብ ንውሱናት ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእ ብምሉእ ክዕጾ ከም ዝኽልን እቲ ቅልውላው ክሳብ ክንደይ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝዓርግን ፍሉጥ እዩ። ብሰንክ’ዚ ውግእ ድሮ ስታት 2 ሺሕ የመናውያን ጅቡቲ ኣትዮም ከም ዘለዉ ከኣ ተሓቢሩ።

ኢራን ኣብ ሆርሙዝ ኣንጻር ኣሚሪካን እስራኤልን እንዳተዋግአት፡ ቅልውላው ባብኤልመንደብ ከፋኹሰላ ከም ዝኽእል ብምእማን እቶም ኣብ የመን ዝዋግኡ ዘለዉ ካብ ቅድም ከም እትሕግዞም’ውን ዝንገረላ ሓይልታት ሑቲ ንዘመዝገብዎ ዓወት ናእዳኣ ገሊጻትሎም። ውግእ የመን ናይ ብዙሓት ሓይልታት ግዳም መቆራቖሲ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ስለ ዝኾነ፡  ቀጻሊ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

ቅልውላው ሆርሞዝ ናብ ባብኤልመንደብ

ከተማ ኣስመራ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ‘ላ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘቕረበቶ ዜናዊ ጸብጻብ እታ ቀደም “ንእሽቶ ሮማ” ትባሃል ዝነበረት ምልክዕቲ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስላ ምድዋኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነበርታ ብክቱር ስእነት ዝስተ ማይ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ሓቢራ።

እቲ ዜና ቀደም ናይ ጽባቐኣ መርኣያ ዝነበረ ጐደናታታ፡ ሎሚ መካይን ሓሪምዎ፡ ብመስርዕ በብዓይነቱ ዝሕብሩ  ማይ ዝጽበ ፊስቶታትን ጀሪካናትን ተሰሪዕዎ ይርከብ ክብል ይገልጾ። መኸዲ መኪና ዝነበረ ጐደናታት ማይ ብዘመላልሳ ዓረቢያታትን ካሮሳታትን ተታሒዙ  እውን ይብሎ። እቲ ቀደም ኣብ ወርሒ ዝተወሰኑ መዓልታት ዘጋጥም ዝበሃል ዝነበረ ምቁራጽ መሰመራት ማይ (ቡንባ) ሎሚ መዓልታዊ ኮይኑ ከም ዘሎ ከኣ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ሎሚ እቲ ካብ ቡንባ ተስፋ ዝቖረጸ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ተስፋኡ ብመካይን ኣብ ዝዕደል ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ነይሩ። እንተኾነ እዚ’ውን ብስእነት ነዳዲ ክቕጽል ስለ ዘይካኣለ፡ ኣብ ትጽቢት ብዓረቢያ ዝዕደል ጥራይ ወዲቑ ኣሎ። ብሰንክ’ዚ ህጻናት ቆልዑ ከይተረፉ፡ ደድሕሪ ማይ ዝጸዓና ዓረቢያታት ምጉያይ ልሙድ ኮይኑ። ማዕከነ ዜና ቢቢሲ ብዛዕባዚ ኩነታት ንሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኮነ ኤምባሲ ናይታ ሃገር ኣብ ለንደን ተወኪሳ መልሲ ከምዘይረኸበት ከኣ ኣቃሊዑ።

ሓደ ንድሕነቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ኣስመራ፡ “ኣብ ዕድመና ከምዚ ዝኣመሰለ ስእነት ማይ ርኢና ኣይንፈልጥን” ከም ዝበሎ ዝጠቐሰ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ “ዋላ ኣብ ግዜ ቃልሲ ከተማ ባጽዕ ብሰውራ ምስተተሕዘት ከምዚ ዝኣመሰለ ስእነት ማይ ኣይረኣናን” ከም ዝበሎ እውን እቲ ሪፖርተር ብምግራም ኣስፊሩ። ብሰንኪዚ እቲ ጽምኢ ናብ ብሰንኪ ብኩራት ጽሬት ዝመጽእ ሕማም ከይምዕብል እውን ስግኣት ኣሎ።

እቲ ገለ ካብ መራሕቲ ህግደፍ ዝዝርጋሕ ጸብጻብ ኣብ 1991፡ 30% ዝነበረ ቀረብ ዝሰተ ማይ ናብ 92% ኣደይብናዮ ዝብልኳ እንተኾኑ፡ እቲ ሓቂ ግና ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ “ኣዝዩ ጽንኩር ስእነት ዝስተ ማይ” ኣብ ዝበሃል ደረጃ እዩ ዝርከብ። ናይዚ ጠንቂ ከኣ ተፈጥሮኣዊ ምልውዋጥ ኣየር ግደ የብሉን’ኳ እንተዘይባህለ፡ እቲ ቀንዲ “መንግስታዊ ምምሕዳር” ዝፈጥሮ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ ብህዝቡ ዝሓሊ ጥዑይ ምምሕዳር እንተዝህሉ ኣስታት 800 ናእሽቱን ማእከሎትን ሓጽብታት ኣለውዋ እናተባህለ ኣብ ዝዝረበላ ሃገር ህዝቢ ክሳብ ክንድዚ ብማይጽምኡ ኣይመተሳቐየን።

ከተማ ኣስመራ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ‘ላ  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ