ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ጉጅለ ዕስራ ድሕሪ’ቲ ብ9-10 ሕዳር 2026 ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሞብል ዘሎ ወጥሪ ከም ዘሻቕሎም ክገልጹ እንከለዉ፡ 5 ሰነተራት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወገኖም ብተመሳሳሊ ሻቕሎት ናብ ማርኮ ሩቢዮ ን2ይ ግዜ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ጽሒፎም።
እቶም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብቲ ዘውጽእዎ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ፡ በቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ኣዝዮም ከም ዝተሻቐሉ ብምጥቃስ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ዞባዊ ቅልውላው ከይዓርግ ዝሓደሮም ስግኣት ኣረጋጊጾም። እቲ ቅልውላው ናይ ክልቴን ሃገራት ናይ ጸጥታ ስግኣት ካብ ምዃን ሓሊፉ ብፍላይ ምስቲ ዘለዎ እስትራትጂያዊ ኣገዳስነት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዓለም ለኻዊ ቁጠባውን ንግዳውን ምንቅስቓሳት ክሃሲ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።
እቶም 5 ሰነተራት ኣሜሪካ ብወገኖ ናብ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሩቢዮ ንካለኣይ ግዜ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘሎ ህውከት ጠጠው ኣብ ምባል ንክሰርሕ ጸዊዖሞ። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ኦሮሞን ዘሎ ህውከትን ውግኣትን ከም ዘተሓሳስቦም ተቒሶም። ብፍላይ ከኣ ኣብ 20 መስከረም 2026 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብድሮን ብዝተኻየደ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ ብትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዝቐረበ ሓገዝ ጽዕኒነን ዝጐዓዛ ዝነበራ ናይ ካቶሊክ ረዲአት ቃፍላይ መካይን ዝወረደ ጉድኣት ከም ዝተሓሳሰቦ ኣስፊሮም።
ከምኡ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምእታዉን ዘይምእታውን ብዝብል ዝፍጠር ዘሎ ምክሳስን ምፍጣጥን ናብ ዝኸፈአ ከይምዕብል ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦም ኣብቲ ዘጠንቅቕ መጸዋዕታኦም ጠቒሶም።


ገለ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ባኒ ንምርካብ ኣብ መስርዕ