News/Editorial

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ዘትዩ

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ዘትዩ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ልኡኻ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ16 ነሃሰ 2026 ኣብ ካርቱም ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዛዕባ ዝቋረጸሉ ዘተ ከም ዘካየደ ኣልጀዚራ ሓቢራ። እቲ ልኡኽ ብኸምዚ ደረጃ ናብ ካርቱም ዝበጸሐ  ድሕሪቲ ናይ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ናይ መጀመርታኡ ምዃኑ  እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣባልነት ሱዳን ካብቲ 55 ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ኣህጉራዊ ሕብረት ዝወጸ፡ ድሕሪቲ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ ስልጣን ኣብ ኢድ ወተሃደራዊ ክፍሊ ምስ ወደቐ እዩ። እቲ ልኡኽ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ካርቱም ምስ ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ጀነራል ኣልቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ከማል እድሪስን እዩ ተራኺቡ ተመያይጡ።

ነቲ ልኡኽ ዝመረሐ ሞሓመድ ካልድ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ነሃሰ ተረኛ ኣቦመንበር  ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ዑደት ዘካየደ ኣካል ልኡላውነትን ሓድነትን ሱዳን ከም ዘኽብር ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ በቲ ዝተፈላለ ዕንወት እናውረደ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን ከም ዝሻቐል ኣይሓበአን። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ሱዳን ኩሉ ሓቆፍ ዘተን ሃገራዊ ዕርቅን ዝፍጠረሉ መንገዲ ክጽረግ ይግባእ ኢሉ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእዳውነት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከም ዝነጸገ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣካልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድን ዓረብ ሊግን ዝሳተፍዎ፡ ኣብ ሕድሕድ ሱዳናውያን ዘሎ ፍልልይ ክፈትሕ ዝጽዕር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ  እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ምፍሉይ ምስቲ ልኡኽ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ንሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ምስቲ ብድጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ምውድዳር ሓደገኛ እዩ ዝብል መጠንቀቕታ  ከም ዝሃበ እቲ ዜና ተለፍሊጡ። ኣተሓሒዙ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ብድጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ “ፈጣሪ ራዕዲ እዩ”  ኢልካ ኣብ ምስያም ክተሓባበር ምጽውዑ ተፈሊጡ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣቐዲሙ ንፖለቲካዊ ዘተ ናብ ካርቱም ክመጹ ፈቓደኛ ንዝኾኑ ሱዳናውያን ናይ ጸጥታ ውሕስነት ከም ዝህብ ብምጥቃስ፡ ናይ ሰፊሕ ዘተ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ዝዝከር እዩ።

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ዘትዩ

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዘሎ 5 ጋዜጠኛታት ገበነኛታት ምዃኖም ኣሚኖም ክፍርሙ እሞ ክፍትሑ ዘካይዶ ዘሎ ተጽዕኖ ጠጠው ከብል ከም ዝጸውዐ ሮይተርስ ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ናይሮቢ ዝተዘርግሐ ዜና፡ እቶም “ገበነኛታት ኢና” ኢሎም ንክፍርሙ ተጽዕኖ ዝግበረሎም ዘሎ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት፡ ገነት ኣስማማው፡ ጎበዘ ሲሳይ፡ ኣባይ ዘውዱ፡ ዳዊት በጋሻውን መስከረም ኣበራን እዮም። ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ንክኽትሙ ከይግደዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ንሰለስተ ዓምታት ዝቐጸለ መስርሕ ቤት ፍርዲ ተቐላጢፉ ብናጻ ንክፍትሑ እውን መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ናይቶም ግዳያት ጠበቓ ሰሎሞን ገዘሀኝ ከም ዝበሎ፡ እቶም ናይ ግሊ ጋዜጠኛታት “ንገዛእ ርእሶም ገበነኛ ገይሮም ክኽትሙ እሞ ካብ ማእሰርቲ ንክትሑ” ንዝቐረቦም መጸዋዕታ ኣይተቐበልዎን። እዞም መዘራረቢ ኮይኖም ዘለዉ 5 ጋዜጠኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ዝምልከት ብዘቕረብዎ ሙያዊ ጸብጻብ እዮም “ራዕዲ ብምፍጣር” ተኸሲሶም ብ2023 ተኣሲሮም።

እቲ ጠበቓ ናይዞም ግዳያት ኣተሓሒዙ፡ ሓለፍቲ ናይቲ ዘለዉዎ  ቤት ማእሰርቲ ጠቒሱ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ጋዜጠኛታት በይኖም ተፈልዮም ድሕሪ ሕጂ ጋዜጠኛታት ኮይና ኣይንሰርሕንኢና  ዝብል ናይ ጽሑፍ መረጋአጺ ከቕርቡ ይግደዱ ከም ዘለዉ እውን ሓቢሩ

ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ፍርዲ ተቐባልነት ዘይረኸበ ገበናዊ ክሲ እንደጋና ንድሕሪት  ተመሊሶምን መስርሕ ፍርዲ ኣደናጉዮምን ከም ሓዲሽ ብገበን ከፈርምዎም ይደልዩ ከም ዘለዉ፡ ናይቲ እቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ኣወሃሃዲ ፕሮግራም ኣፍሪቃ ሙትሆኪ ሙሞ ምጥቃሱ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣስታት 300 ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኩነታት ተኣሲሮም  ዘለዉ ፖለቲከኛታት፡ ናይ ይቕረታ መሕተቲ ቀጥዒ ከቲሞም ክፍትሑ ተሓቲቶም ኣለዉ። ኣብቲ ክኽትምዎ ዝቐረበሎም ቀጥዒ “ብኹሉ ፋኖ ዝፈጸሞ ገበናት ተሓተቲ ኢና”  ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓያሎ ክኽትምሉ እንከለዉ፡ ኣስታት 30 ግና ከምዘይከተሙ ተፈሊጡሎ። ነቲ መስርሕ ምኽታም መሕተቲ ምሕረት ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ የካይዶ ከም ዘሎ ከኣ ተፈሊጡ።

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ

ስምፖዚየም ወተሃደራዊ ቀረብን መራኽብን ኣፍሪቃ ተኸፊቱ

ስምፖዚየም ወተሃደራዊ ቀረብን መራኽብን ኣፍሪቃ ተኸፊቱ

ቤት ዝሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ስፖዚየም ወተሃደራዊ ቀረብን መራኸብን ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብ27 ሓምለ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ። ነዚ ስፖዚየም ዘዳለዉ ሚኒስተራት ምኽልኻል ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ምዃኖም ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኣብዚ ስፖዚየም ካብ 40 ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ዲፕሎማትን ፖለቲከኛታት ከም ዝተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝወጸ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

እዚ ን5 መዓልታት ዝጸንሕ ክፍለ-ኣህጉራዊ ርክብ፡ ኣብ ዝርጋሐ ብቑዕ መርበብ ኢንተርኔትን ተክኖሎጂን ከምኡ’ውን ኣብ ምፍጣር ብቕዓት ዞባዊ ኣዊዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተኩር እዩ። ሚኒስተር መክልኻል ኢትዮጵያ ኢንጂነር ዓሻ መሓመድ ኣብቲ መኽፈቲ እቲ ሲፖዚየም፡ ኣብዚ ኣፍሪቃ ብብዙሕ ቅልውላዋት ትሕመሰሉ ዘላ ተሃዋሲ ግዜ ምኽፋቱ፡  ኣገዳሲ ናይ ምትሕብባር መድረኻት ከም ዝኸፍት ኣመላኪታ።

ብዘይካዚ እቲ ሰፊሕ መድረኽ ሲፖዚየም፡ ኣገዳሲ ናይ ምትሕግጋዝ፡ ምሕዝነትን ምልውዋጥ ተመኩሮን ዕድል ከም ዝኸፍት ዝተገልጸ ኮይኑ፡  ዘሎ ጸገማት ካብ ምጽብጻብ ሓሊፉ ብደረጃ ኣፍሪቃ መፍትሕታት ዘምጽእ  ክኸውን ከም ዝግበኦ እታ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዝጠቐሰት እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ዜና እቲ ሲፖዚየም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኣብ መንጎ ኣሚሪካን ኢትዮጵያን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዘመልክት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣፍሪቃ ካብቲ ዘጋጥማ ዘሎ ወተሃደራዊ ጸገማት ንክትወጽእ ብቑዕ  ወተሃደራዊ ቀረብን ዘመናዊ መራኸብን ምስ ሕድሕድ ምውህሃድን ክህልዋ ከም ዝሕግዝ ምጥቃሱ ተመልኪቱ።

ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኢርቪን ማሲንጋ ብወገኑ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ሲምፖዚየም ታሪኽን ኣቀማምጣን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምምዕባል ዞባን ክፍለ-ኣህጉር ኣፍሪቃን ግደ ከም ዝጸንሖ ጠቒሱ፡ ወተሃደራዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምስንዳእ እቲ ሲምፖዚየም ንዝገበሮ ኣስተዋጸኦ ኣመስጊኑ። ኣገዳስነት ወተሃደራዊ ቀረብ ኣትሒትካ ከም ዝረአ ጠቒሱ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ግና ኣመልኪቱ።

እዚ ወተሃደራዊ ሲምፖዚየም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየደ ዘሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ቀጻሊውግእ ኣብ ዝተጸምደሉን ምስ ትግራይ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ምፍጣጥ ኣብ ዝሃለወሉ ምዃኑ ከኣ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑሎ።

ስምፖዚየም ወተሃደራዊ ቀረብን መራኽብን ኣፍሪቃ ተኸፊቱ

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሕርያ ኢትዮጵያ ሰላም ክኸውን ተማሕጺኑ

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሕርያ ኢትዮጵያ ሰላም ክኸውን ተማሕጺኑ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኢትዮጵያዊ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ “ሕርያ ኢትዮጵያ ሰላም እምበር ውግእ ክኸውን የብሉን” ዝብል ዝማእከሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣብዚ መልእኽቱ መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮኑ መራሕቲ ክልላት ንዝተን ፖለቲካዊ መፍትሒ ምርካብን ንክደፍኡ ተማሕጺኑ። ንሱ ነዚ መጸዋዕታ ከቕርብ ዝደረኾ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ጐንጽታት ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሐ መግለጺ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ዳይረክተር ጥዕና ዓለም፡ ንቐጻሊ ዝተኣማምን ሰላም ዝጽውዕ መግለጺ ከውጽእ ብብዙሓት ክሕተት ከም ዝጸንሐ ተጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብቲ መግለጺኡ ውግእ ሞት፡ ዕንወት፡ ምምዝባልን ዘስዕብን ብዙሓት መሰላት ዘስእንን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ውግእ ጠጠው ምባልን ምውጋድ ከምቲ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዘጋጠመ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ህልቂትን ዕንወት ንብረትን ንምቁራጽን ዝሓትት መጸዋዕታ ዶር ቴድሮስ፡ ሎሚ እውን ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራን ክድገም ምድላዩ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፉ። ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶር ቴድሮስ መሳርሒ ህወሓት እዩ ብዝብል ከቕርቦ ዝጸንሐ ክሲ ከኣ ኣብቲ መግለጺኡ ነጺግዎ።

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብዚ ናይ መጀመርታኡ ዘይኮነ መጸዋዕታ ዘተን ፖለቲካዊ መፍትሕን፡ ህዝቢ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ክደምዩ ከም ዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ክልል ትግራይ ዳግማይ ኣብ ናይ ምድማይ ሓደጋ ከም ዘሎ’ውን ኣስፊሩ። ክልላት ቤንሻንጉልን ሓፋርን እውን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ “ደጊም ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ይኣክል” ኢሉ።

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሕርያ ኢትዮጵያ ሰላም ክኸውን ተማሕጺኑ

ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጓ

ኣጉስቲ ፓሲሊ ዝተባህለት፡ ጓል 30 ዓመት ወኪል ጋዜጣ ላክሮይክስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተሰጐት ኣስራሒኣ ትካል ዜና ኤኤፍፒ (AFP) ብ12 ሰነ 2026 ሓቢሩ። ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ መዲያታትን ጋዜጠኛታትን ሕማቕ ስም ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብምጥቃስ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብዚ ዛዕባ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 148 ተሰሪዓ ዘላ ምዃና ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እቲ ዜና፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምድያቡ ንሓጺር ግዜ ተመሓይሹ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ግና ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ኣስፊሩ። እዛ ዝተስጐት ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ፡ ካብ 2023 ጀሚራ ወኪል ላክሮይስ ካቶሊካዊት መዓልታዊት ጋዜጣ ኮይና ክትሰርሕ ምጽነሓን ናይ ምስጓጓ ምኽንያት ብንጹር ከምዘይተነግራን ናይታ ጋዜጣ ወጻኢ ጉዳያት ዳይረክተር ቶማስ ሆፍኑንግ ከም ዘፍለጠ እውን ተሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ፓሲሊ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ወርሒ ሰነ 2026 ናብታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ክልል ትግራይ ተጓዒዛ ከም ዝነበረት ሓቢራ፡ እንተኾነ ብናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ መዲያታት ብህጹጽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከም ዝተኣዘዘት ጠቒሳ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሰት ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ከብ ዘለዎ ከባቢ ትግራይ ጸብጻብ ብምቕራባ ከም ዝተነቕፈት  ሓቢራ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሶ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ፈቓድ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛ ናብ ዝኾነ ከባቢ ኢትዮጵያ ከይጐዓዝ ዝኽልክል እገዳ ከም ዘየለ ኣብሪሁ።

ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጓ

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኣገዳሲ መድረኽ በርሊን ተሳቲፉ

ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ በርሊን፡ “ብኽብሪ ምቕባል ዲፕሎማሲያዊ ኣሃዱታት ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝተጋበአ ርክብ ተሳቲፉ። ነቲ ብ8 ሰነ 2026  ዝተጋበአ ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ዘዳለዉን ንተሳተፍቲ ዝዓደሙን፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጀርመንን “ጀርመን ኣፍሪቃ ፋውደሽን” ዝተባህለ ማሕበርን ብሓባር ምዃኖም ዶ/ር ኣክሊሉ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ዝተሳተፈሉ ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣንበሳድራትን ወከልቲ ሃገራትን ከምኡ ከኣ ጀርመናውያን ላዕለዎት ሰብ መዚ ተሳቲፎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ወይዘሮ ሰራፕ ጉለን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ኣብ መንጎ ጀርመንን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝግበር ዲፕሎማሲያውን ቁጠባውን ዝምድና ዝያዳ ንክድልድል መጸዋዕታ ኣቕሪባ። ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ርክብ ኣብ ዲሞክራስያውን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሰረተ ክኸውን ከም ዝግበኦ ከም ዘስመረትሉ ልኡኽ ሰዲህኤ ሓቢሩ።

ዶር ኣክሊሉ ግርማይ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ምስ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ ርክባት ብሓፈሻ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ፡ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማእሰርቲ ዜጋታት ብዘይፍርዲ፡ ግዱድ ወተሃደራውዊ ኣገልግሎትን ዶብ-ሰገር ጽቕጥታትን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ተመያይጡ።

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኣገዳሲ መድረኽ በርሊን ተሳቲፉ

መራሒ ግብጺ ኣብ ጐኒ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዝስለፍ ምርግጋጹ ተገሊጹ

መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዘለዎ ደገፍ ዳግማይ ከም ዘረጋገጸ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንህዋ ሓቢራ። እታ ትካል ዜና ቻይና ነዚ ዝገልጸት ኣብ ካይሮ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፕረሲደንት ኣልሲሲን ዝተገብረ ርክብ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜናዊ ጸብጻብ እዩ።

እታ ትካል ዜና ኣብቲ ርክቦም፡ ብዛዕባ ጸጥታዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምርግጋእ ቀይሕ ባሕርን ከም ዝተዘራረቡ ጠቒሳ። ኣብቲ ዝርርቦም ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ነተን ገምገም ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ጥራይ ከም ዝምልከት ምርድደኦም እውን ጸብጺባ። ኢሳያስ ኣብቲ ርክብ ግብጺ ኣብ ቁጠባዊ ህንጸት ኤርትራ ንክትሳተፍ ከም ዝሓተተ እታ ትካል ጠቒሳ።

ፕረሲደንት ኣልሲሲ ህድኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕቃብ ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋጸኦ፡ ኣካልቲ ጸጥታ ሃገሩ ንምዕቃብ ዘካይዶ ጥንቃቐ ምዃኑ፡ ኣብቲ ንርክቡ ምስ ኢሳያ ኣፈወርቂ ብዝምልከት ዘውጸኦ መግለጺ ምሕባሩ እውን ሺንዋ ሓቢራ። ኣልሲሲ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት፡ ናይታ ሃገር ልኡላውነትን ሓድነትን ብዘውሕስ ንክፍታሕ ንክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ እውን ኣንጸባሪቑ።

ጋዜጣ ዘኣፍሪካን ሪፖርተር (the African reporter) ብወገና፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኦኣሊ ስሰዐን ስምዒታዊ ኣካይዳን፡  መራሕቲ ጐረባብቱ ሃገራት ኤርትራን ግብጻን፡ ካብ ፈለግ ናይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘሎ ዛዕባታት ኣንጻሩ ክተሓባበሩ ከም ዘገደዶም ኣስፊራ።

ኢሳያስ ኣብቲ ምስ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲዝገበሮ ርክብ ከምስል፡ “ግብጺ ኣብ ክልተኣዊ  ቁጠባዊ ምዕባለ ምስ ኤርትራ ክትተሓባበር” ከም ዝጸውዐ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እንተኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢዱ ብዘሎ ዓቕምን ግዜን ዘየልመዐ ንግብጺ ምዕዳሙ ናይ ሓቂ ከምዘይኮነ ተመኩሮኡ ዝምስክሮ እዩ።

መራሒ ግብጺ ኣብ ጐኒ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዝስለፍ ምርግጋጹ ተገሊጹ

ዘይምርድዳእ ሱዳናውያን ገያሾን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ቲኬት ብዶላር እምበር፡ ብናይ ሱዳን ፓውንድ ኣይቆርጽን ምባሉ ወጥሪ ፈጢሩ ከምዘሎ ጋዜጣ “ዜና ኤዲተር ኣፍሪቃ” ሓቢራ። ናይቲ መንገዲ ኣየር ውሳነ ናይ ሱዳን ገንዘብ ሚዛን ዘውርድ  ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ሱዳናውያን ናይ ጉዕዞ ዕድል ዘጽብብ ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፖርት ሱዳን ዘሎ ላዕለዋይ ኦፊሰር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ጉዕዞ ቲኬት ክቖርጹ ንዝመጹ ሱዳናውያን “ናይ ሱዳን ፓውንድ ኣይንቕበልን ኢና” ኢሉ ዶላር ከምጽኡ ከም ዘገደዶም ኣብቲ  ተሓቢሩ። እቲ ውሳነ ምንቁልቋል ፓውንድ በመንጽር ሸርፊ ወጻኢ ተኸቲሉ ዝመጸ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። ምኽንያቱ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ሓንቲ ዶላር ኣሜሪካ ናብ 4 ሺሕ ፓውንድ ወሪዳ ከምዘላ እዩ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሓደ ሱዳናዊ ገያሺ፡ ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሱዳናዊ ገንዘብን ባንክን ክኽፈል ቅሩብ ከምዘይኮነ ምስ ኣገደዶ ምስንባዱ ሓቢሩ፡ ዶላር ንምድላይ ናብ ጸሊም ዕዳጋ ክኸይድ ከም ዝተገደደ ብምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ንሱዳናውያን ገያሾ ከቢድ ብደሆ ኮይኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሙርታዳ ሓሰን ጁማ፡ ዳይረክተር ክፍሊ ጽዕነት መንገዲ ኣየር ሱዳን፡ ንውሳነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቒፉ፡ ናይ ወጻኢ መንገዲ ኣየራት ናይ ሱዳን ሃገራዊ ሕግታት ብምጥሓስን ዝምልከቶም ሱዳናውያን ሰብ መዚ ብዘይምውካስን ኣብ መዳያት፡ ሲቪል ኣቬሽን፡ ሸርፍን መሰል ተጠቀምት ገያሾን ምእዙዛት ክኾኑ ይግበኦም ኢሉ። ዝኾነ ኣካል ሃገራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡  ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሱዳናዊ ገንዘባዊ ፖሊሲ ጥሕሰት ክፍጽም ኣይክእልን እዩ  ዝብል’ውን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

ኢብራሂም ኣድላ ናይ ቅድም ዳይረክተር ሲቪል ኣቬሽን ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ኩነታት ሳዕቤን ናይ ውግእ ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ ኢልዎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዚ ዝገብር ዘሎ እውን ነቲ ኣብ ባንክታት ሱዳን ዘሎ ሕጽረት  ሸርፊ ወጻኢ ዝመዝመዘ እዩ ኢልዎ።

እዚ ኣብ መንገዲ ኣየር ዝረአ ኩነታት፡ በቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ውግኣትን ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ዝተጸልወ ስለ ዝኾውን፡ ናብ ምሉእ ብምሉእ  ምቁራጽ ክድይብ ከም ዝኽእል ዝግምቱ ዘለዉ ወገናት ብዙሓት እዮም።

ዘይምርድዳእ ሱዳናውያን ገያሾን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን

ኣሜሪካ: ንናይ ኣፍሪቃን ኢራንን ጋዜጠኛታት ስፖርት ቪዛ ከሊኣ

ዓለምለኸ ማሕበር ስፖርት ፕረስ (AIPS)፡ ኣሜሪካ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2026 ክከታተሉ ንዝደልዩ ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃን ኢራንን መእተዊ ቪዛ ምኽልካላ ከም ዘተሓሳሰቦ ምግላጹ፡ ዘብሩሰልስ ታይምስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ፕረስ ስፖርት ነቲ ተግባር ዘይቅቡል ምዃኑ ብምርዳእ፡ ብዙሓት ብናይ ኩዕሶ ዓለም ኣብ ስፖርት ጋዜጠኝነት ዝለዓለ ክብርን ኣፍልጦን ዘለዎም ባእታታት ብዘይቪዛ ስረሖም ከካይዱ ከምዘይክእሉ ብምሕባር፡ ነቲ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ምክልኻል ቪዛ ቅቡል ከምዘይኮነ  ንክፈልጥ ናብ ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጥርዓን ምቕራቡ ሓቢሩ።።

ናይቲ ማሕበር ፕረስ ስፖርት ፕረሲደንት ጂያኒ ሜርሎ ናብ ትካል ናብ ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ  ኣብ ዝሰደዶ ስምዕታ ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ስፖርት ኣፍሪቃን ኢራንን ትወስዶ ዘላ ምኽልካል መእተዊ ቪዛ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ ኣገንዚቡ።

እቲ ፕረስደንት ገለ ጋዜጠኛታት ንጽል ቪዛ ከም ዝረኸቡ ጠቒሱ፡ እንተኾነ ነቶም ጋዜጠኛታት ዘድልዮም ቪዛ ኣብ መንጎ እተን ነቲ ዓለምለኻዊ ውድድር  ዘዳልዋ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ብተደጋጋሚ ምምልላስ ዘኽእል ንክኸውን ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንተግባር ኣሜሪካ ዘይቅቡል እዩ ብምባል፡ ነቲ ስፖርት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘተሓቛቑፍ መድረኽዩ ዝብል ዝጻረር እዩ እውን ኢሉ።

ኣብቲ መልእኽቱ ተሳትፎ ጋዜጠኛታት ኣብቲ ዓብይ መድረኽ፡ ምስሊ ናይቲ ስፖርታዊ  ውድድር ኣብ ምጽባቕን ክብደት ኣብ ምሃብን ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሱ። ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ንወሳኒ  ግደ ጋዜጠኛታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብፍላይ ነቶም ናይ ነፋሪት ትኬት ገዚኦም ኣብ ክሳራ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሕቶኦም ዝፍተሓሉ  ኣብ ምቅልጣፍ እጃሙ ክገብር ጸዊዑ።

እዚ ካብ 11 ሰነ ክሳብ ክሳብ 19 ሓምለ 2026 ዝካየድ ኣሜሪካን ካናዳን ብሓባር ዘዳልወኦ ዓብይ ስፖርታዊ መደብ፡  ሕሩያት ጋንታታት 48 ሃገራት ዝሳተፈኦ እዩ። ካብዘን 48 ሃገራት እተን 10 ካብ ኣፍሪቃ ኮይነን፡ ንሳተን ከኣ፡ ሰነጋል፡ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ኣልጀርያ፡ ኮትዲቭዋር፡ ጋና፡ ኬፕቨርደን ኮንጎን እየን። ካብ መጀመርታ ክሳብ መዕጸዊ 104 ግጥማት ከም ዝካየድን ብገምጋም ክኢላታት ስፖርት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት 73 ሚእታዊት  ህዝቢ ዓለም ከም ዝከታተሎ ትጽቢት ይግበር።

ኣሜሪካ: ንናይ ኣፍሪቃን ኢራንን ጋዜጠኛታት ስፖርት ቪዛ ከሊኣ

ኣስተምህሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ንኣባላት ፖሓኤ

ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ኣባል ምምሕዳር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤን፡ ብ6 ሰነ 2026 ንኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣስተምህሮ ኣቕሪባ። እቲ ኣስተምሕሮ “ ሕቶ መሰልን ውደባን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝተዋህበ፡ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ውደባን ፖሓኤ  ዝሰርዖ፥  ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ኣብ ዝተኣልየ መድረኽ እዩ ቀሪቡ።

ኣስገደት እቲ መድረኽ ንዘዳለዉ ኣካላት ኣመስጊና፡ መሰረታዊ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርነት ኣብ ኩሉ መዳያት ኮይኑ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም ፍትሓውያን ተሳትፎ ዘድልዮ እዩ ኢላ። ከምቲ ዘይተወደበ ህዝቢ ዘይዕወት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንክዕወታ እውን ክውደባ መሰረታዊ ኣድላይነት ዘለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ይጽነሓለይ ዘይበሃል ምዃኑ፡ ኣብ መብርሂኣ ኣስሚራትሉ። ኣብ ዓለምና ሓንቲ ካብ 3 ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ከም ዘጋጥማ ጠቒሳ ከኣ፡ እቲ ጥሕሰትን ወጽዓን ኣብተን ዝደኸያን ዘይተማህራን ሃገራት ከም ዝገድድ ብኣብነት ኣሰንያ ኣቕሪባ።

ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ ኣብተን ብሰንኪቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይቅሱን ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓደ ኣብ ዘይነብራ ስድራቤታት እቲ ተጽዕኖን ጭንቅን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ስደት እቲ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምህላዉ ምሳለታት ብምስናይ ኣገንዚባ። ኣተሓሒዛ ከኣ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ መግለጺ ወጽዓ ሕብረተሰብ እምበር፡ ኣብኣተን ጥራይ ዝድረት ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።

ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖሓኤ ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ዝተገበረ ቃልሲ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ 3ቲኡ ኣባል ውድባት ፖሓኤ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ክቃለሳ ስለ ዝበቐዓ፡ ዓቕሚ ከም ዘጥረያ ኣብሪሃ። ከም ኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣብ ምሕጋዝ ዘለወን ግደን ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካል ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ብጉዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘቃነዖ ኮንፈረንስ ተሳቲፈን ብሓፈሻ ቃልስን ወጽዓን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ ፖሓኤ ንምፍላጥ ዝገበረኦ ኣበርክቶ ከም ኣብነት ዘርዚራ።

ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣተሓሳስባ ኣብ ምቕያር ዘተኩር ዘይጐነጻዊ ኣገባብ’ዩ ድሕሪ ምባል ደማ፡ ብደረጃ ዓለም ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተገብረ ቃልሲ ብዙሕ ዓወታት ከም ዘመዝገበ ጢቒሳ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ  ንክብጻሕ እቲ ቃልሲ ቀጻሊ ምህላዉ ብምብራህ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ተገዲሱ ዘይቃለስ ኣካል ፍትሓዊ ክኸውን ከምዘይክእል ኣስፊሓ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ዝምድናታት ምግባር ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ ምውዳብ ደቂ ኣንስትዮ  ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከይዝንጋዕ ኣገንዚባ።

ድሕሪቲ ብኣስገደት ዝቐረበ መገለጺ፡ ተሳተፍቲ ከካብ ዘለዎም ተመኩሮታት እናተበገሱ ነቲ ዛዕባ  ኣገዳሲ መህብተሚ ሰፊሕ ርኢቶታት ኣቕሪቦም። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፖሓኤ ከኣ ኣብ መወዳእታ መጠቓለሊ ቃል ኣስሚዑ።

ኣስተምህሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ንኣባላት ፖሓኤ