EPDP Editorials

ኤርትራውያን ስለምንታይ’ዮም፡ ኣብ ሃገሮም ዘየውፍሩ?

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ’ቲ ብሓደ ሰብ ዝዝወር ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ ኤርትራ ሕማቕ ምስልታት ብዙሓት እዮም። ሓደ ካብኣቶም ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ደረት ዘየብሉ ዋሕዚ ናብ ስደት እዩ። እዚ ዝኾነሉ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብምስዳዶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ጋና እቲ ዋሕዚ ዘይዛረየ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ’ኳ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት 22% ኤርትራውያን ምዃኖም ምግላጹ ኣቐንዛዊ እዩ። እዚ ክግለጽ እንከሎ ዝለዓሉ ሕቶታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ዋላ’ኳ መልሱ ፍሉጥ እንተኾነ፡ “ኤርትራውያን ስለምንታይ እዮም ብዘሰንብድ  ብዝሒ ዝስደዱ?” ዝብል እዩ።

ነቲ ሕቶ ኣብ ምምላስ፡ ከምቲ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብዱ ሰላም ባብክር ኣብ መኽፈቲ መበል 62 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ “ግዱድን መወዳእትኡ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ናይ ዜጋታት ማእሰር፡ ምስዋርን ምቕታልን፡ ናይ እምነት ናጽነት ዘይምህላውን መሰረታዊ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ምጥሓሶም ……. ወዘተ” ዝብል፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዝዳህሰሰ  መልሲ ሂቡ እዩ። እቲ ካልእ ብዙሕ ግዜ ዘይጥቀስ ግና ድማ መሰረታዊ ምኽንያት ኤርትራውያን ኣብታ ብቓልሶም ዘውሓስዋ ሃገር፡ ብዘለዎም ጸጋን ክእለትን ንገዛእ ርእሶም ኮይኖም ሃገሮምን ህዝቦምን ንምጥቃም ዘኽእሎም መሰል ቁጠባዊ ወፍሪ ዝንፈጎም ካልእ ጠንቂ ስደት ምዃኑ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ዕቤትን በተን ዘለወኦ ህግደፋዊ ትካላት ንምድራት፡ ንከኽእሎ ኤርትራውያን ካብ ቁጠባዊ ተሳትፎ ንምግላል “ዘይፍንቅሎ እምኒ” ከምዘየለ፡ ንኤርትራዊ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ዘይኮነ፡ ኣብ ድኽነት ኣውዲቕዎ ዘሎ እዩ። መሬት  እናመንዘዐ “ጥሙር ሕርሻ”  ብዝብል ፍሹል መደብ ዝፈጠሮ ናይ ሓረስቶት ምምዝባል ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ ከተማታት’ውን ካብ ናእሽቱ ጋራጃትን መባእታዊ ናይ መጐዓዝያ ትካላትን ጀሚርካ፡ ክሳብ ኣፍረይቲ ትካላት፡ ከምቲ “ኪድን ኣይትበሎ ከም ዝኸይድ ግበሮ” ዝበሃል፡ ንብዙሓት ኣጨኒቑ ኣመዛቢሉ እዩ። ድሕሪ’ዚ እዩ ከኣ ክሳብ ምሻጥ ሕብስትን  ጨወ-በርበረን ኣብ ኢዱ ኣእትዩ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ።

ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ገንዘቦምን ክእለቶምን፡ በቲ ጉጅለ “ኢደ እግሮም ምስተኣስሩ” ዝነበሮም ምርጫ ተሰዲድካ ምውፋር ጥራይ እዩ። እቲ መብዛሕትኦም ከም መተካእታ ዝወሰድዎ ከኣ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላን ሩዋንዳን ኬድካ ምውፋር እዩ። ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ዕዉታት ምዃኖም፡ በቲ ሓደ ወገን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ርእሲ ምጥቃሞም፡ ብቕዓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተሰለፍሉ ዝመስከረ ብምዃኑ የሕብን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነዚ ብቕዓቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከተግብርዎ ዘይምኽኣሎም የሕዝን። ኣብዚ ክርሳዕ ዘየብሉ ህግደፍ ደድሕሪኦም ከይዱ ኢድ ንከእትው ፈቲኑ ንዘይፈቐድሉ ዘዕንቅፎም ውሑዳት ዘይምዃኖም እዩ። እዚ ኣብ ደቡ ሱዳን ጐሊሑ ዝረአ እዩ።   

እተን ሃገራት ኤርትራውያን ገንዘባዊ ዓቕሞምን ክእለቶምን ብዝፈቕዶ ከውፍሩ ምፍቃደን፡ ነቶም ኣውፈርቲ ዘለወን ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝበን ንምጥቃምን ተመኩሮ ንምቕሳምን ካብ ዘለወን ሓልዮትን ሃገራዊ ቁጠባአን ንምህናጽ ካብ ዘለወን ባህግን ዝነቅል ምዃኑ ርዱእ’ዩ። መሰረታዊ ትሕዝቶ ናይቲ ስጉምቲ “ተጠቒምካ ምጥቃም” ብዝብል ፖሊሲ ዝተቓነየ ስለ ዝኾነ፡ ናይቶም መንግስታት ህዝባዊ ሓላፍነትን ልቦናን የገንዝብ። ናይተን መንግስታት ጠቕሚ እዞም ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ብዝኸፍልዎ መንግስታዊ ግብርን ዝሃንጽዎ ትካላትን ዝውሰን ዘይኮነ፡ ንዜጋታተን ብዝፈጥርዎ ናይ ስራሕ ዕድል እውን ተረባሕቲ እየን። በቲ ካልእ ወገን እቶም ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ሃገሮም ዝተሓረሞም  ናጻ ምንቅስቓስ  ሸርፊ ወጻኢን መንግስታዊ ምትባዕን ብምርካቦም፡ “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ከም ዝበሃል፡ ነተን መንግስታት ከመስግንወን ይግበኦም።

ምጥጣሕ ወፍሪ ብዝምልከት፡ ብመንጽር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ወደባዊ ኣገልግሎት፡ ኩነታት ኣየርን ተፈጥሮኣዊ ጸጋን፡ ኤርትራ ካብተን ኤርትራውያን ዘውፍሩለን  ዘለዉ ሃገራት ኣፍሪቃ ንላዕሊ እንተዘይኮና ንታሕቲ ኣይኮነት። እቲ ኤርትራ ኣይኮነዶ ዘይኤርትራውያን ኣውፈርቲ ደቃ ዝሃድሙላ ኮይናትሉ ዘላ ጠንቂ፡  ግጉይን ገባትን ፖሊሲ ቁጠባ ህግደፍ ምዃኑ እተን ሃገራት እውን ዝተረደአኦ እዩ።

“ኣብ ሃገርካ ምውፋር” ዝብል መሰል ተነጺጉ፡ ኣብ ዘይሃገርካ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀሲንካ ናይ ምቕጻል ውሕስነት ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ኤርትራውያን ኣብተን ሃገራት ዘውፍርሎም ዘለዉ ዘፈራት፡ ንግዳዊ ምምጻእን ምልኣኽን፡ ህንጸት ትሕተ ቅርጻ፡ ሕርሻ፡ ኣገልግሎት ሆቴላት፡ ምህናጽ ኣባይትን መጐዕዝያን ይርከብዎም። እዞም ቁጠባዊ ዘፈራት እዚኣቶም መባእታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክምልሱ ዝነበሮም ምዃኖም ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ዘይምኽኣሎም ክሳብ ክንደይ ኤርትራን ህዝባን ይጉድኡ ከም ዘለዉ የርኢ። ምኽንያቱ ዝኣረገ ገዛኻ ምሕዳስ’ኳ ኣብ ዝኽልከለሉን ብሰንኪ ስእነት ትካላት ጥዕና፡ ኤርትራውያን ኣብ ማእከል ጐልጐል ምስ ኣራዊት ተሰሪዖም ዝሓድርሉ እዋን እዮም  ኣብ ጐርባብቲ ሃገራት ርሻናት ዝሃንጹ ዘለዉ።

እቲ ዘገርም መንግስቲ ህግደፍ በቶም ኣብተን ሃገራት ዘለዉ ወከልቱ ኣቢሉ፡ ደድሕሪ’ቶም ኣብ ሃገሮም ከየውፍሩ ዝነፈጎም ዜጋታት እናሰዓበ፡ ረብሓ ክኣሪ ዘይምሕፋሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ነቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ኣውፈርቲ ከም ዝተባብዕ ዘምስል ዜና ከስምዑ ዝደናደኑ ኣካላት ምህላዎም እዩ። “ናይ ገዛእ ርእስኻ ሰብ ሃብቲ ኣብ ሃገሮም ከይነጥፉ ሰጒግካ፡ ሓላይ መሲልካ ኣብ ጐረባብቲ ንከውፍሩ ምትብባዕከሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር?” ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ዝለዓል እዩ። እዚ ይፈቶ ይጸላእ ህግደፍ ኤርትራን ህዝባን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ንኸይወጹ ኮነ ኢሉ ዝሰርሕ ዘሎ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቲ ኩሉ ዓይነት ወፍሪ ከልኪሉ፡ “ካዝናኡ ዘህጥር ናይ ማዕድን ቁጠባዊ ጽላት ጥራይ” ዘተባብዕ ምዃኑ ከኣ፡ ቁጠባዊ ጸገም ህዝቢ ናይ ምፍታሕ ድልውነት ዘየብሉ ምዃኑ የመልክት። እቲ ሓሓሊፉ ከም መህደሚ ዝጥቀመሉ“ንወፍሪ ዝበቅዕ ትሕተ-ቅርጻ የለን፡ ኤርትራዊ ንኸውፍር ዓቕሚ የብሉን” ዝብል ምስምስ  እዩ። “እሞ ነቲ ዝጐደለ ንክምልእዎ ነቶም ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ብዘለዎም ዓቕሚ ከውፍሩ ዘይተተባብዕም?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ግና የብሉን። ስለዚ እቶም ዕዉታት ኣውፈርቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከየዋደቑ፡ ኣካል’ቲ ናብ ሃገርካ ናይ ምምላስ ቃልሲ  ክኾኑ ምዝኽኻሮም ግቡእ እዩ።

ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ትካላት እንዳዕነወ፡ ንጉጅላዊ ጠቕሙ ግና ኣብ ወጻኢ የውፍር እዩ ዝብልዎ ሓበሬታ ክውሰኾ እንከሎ ከኣ፡ ኮነ ኢሉ ኣንጻር ዕቤት ኤርትራን ህዝባን ዝተዓጥቀ ጨካን ጉጅለ ምዃኑ የምልክት።

ኤርትራውያን ስለምንታይ’ዮም፡ ኣብ ሃገሮም ዘየውፍሩ?

መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ29ን 30ን ነሓሰ 2026 ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ  ዓንቀጽ 6.1.11፡ ዓመታዊ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ስግኣቱ ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምቅይያራትን ኣብ ዝናወጸሉ ዘሎ እዋን  ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መጻኢ ቃልስና  ዝእምት ቃል ኣስሚዑ። መበል 65 ዓመት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ዝምልከት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከኣ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፉ።

ኣብዚ ኣኼባ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣብ ዝተሰርዐን ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ዝተዘርግሐን ናይ 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን (ኦዲት)ን ሰዲህኤ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ በብሓደ  ተመዚኑ። ባይቶ ኣብቲ ጸብጻብ ብዘካየዶ ዓሚዪቕ ምይይጥን ገምጋምን ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ዝሃቦም ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ዞባውን ዛዕባታት’ዩ ኣተኲሩ።

በቲ ጸብጻብ መሰረት ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኣብያተ-ጽሕፈት ንዝተራእዩ እወንታዊ ንጥፈታት ኣተባቢዑ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ፡ መዳይ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ  ኣባልነት ሰዲህኤ ኣብ ዓለም ለኻዊ  ትካል ገስጋሲ ምሕዝነት ዝጻወቶ ዘሎ ግደ ኣተባቢዑን ከም ዝቕጽሎ ኣረጋጊጹን። ምስዚ ብምትሓዝ ከኣ ንዝለዓለ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዓብይ ቆላሕታ ከም ዝወሃብ ኣረጋጊጹ።

በቲ ድሕሪ ዘተ ንክስነድ ዝጸደቐ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፎም ንምሕያል ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ብፍላይ እቲ መስርሑ ጀሚሩ ዘሎ 5ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንምዕዋት ኣበርክተኦም ከም ዘሕይሉ ዘለዎ እምንቶ ኣሕዲሱን ኣተባቢዑን።

 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ኣብ ዝብል ፍሉይ ዛዕባ’ውን ዓሚዪቕ ምይይጥ ኣካይዱ፡ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ከባቢናን ዝጸሉ  ምዕባለታት ብምድህሳስ ነዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

1) ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን ብሰንኪ ወጽዓ ህግደፍ ካብ ሓሳረ-መከራን ብኩራት ኩሉ መሰረታዊ  መሰላትን ኣይደሓነን። ኤርትራ ቁጠባኣ ዝዓነወን  መራኸቢ መስኖታት ዘየብላን  ኮይና ከም ዘላ ርኡይ እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ህልዊ ኣሰካፊ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ  ምጥንጣን ሓሊፉ፡ ተወሰኽቲ ግህሰታት ካብ ምፍጻም  ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ሓቂ ከም’ዚ እናሃለወ ግና፡ ዘይብሉ ኣውንታዊ  ምስሊ ተላቢሱ    ንምቕራብ ዝገብሮ መታለሊ  ፈተነታት ኣኼባ ዝመዘኖ ዛዕባ እዩ ነይሩ። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምውሓስ ዘይሕለል ናይ ሓባር ቃልሶም ንክቕጽሉ ኣኼባ ዕዙዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2: 1፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን  ዝተፈላለዩ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰብ መዚ ናይቲ ስርዓትን  ካብ 2023 ጀሚሮም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ክህብዎ ንዝጸንሑ ዘይሓላፍነታዊ መግለጽታትን ፈኸራን፡ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ውግእ ምእዋጅ ምዃኑ መዚኑ ኮኒንዎን። ኣብ ኢትዮጵያ ብገለ ኤርትራውያን ወገናት፡ “ስርዓት ህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ምምጻእ” ብዝብል ግጉይ ሕሳባት፡ ኣንጻር ልኡላውነት ሃገርና ምስ ዝሰርሕ ብልጽግና ጽምዶ ንምፍጣር  ዝግበር ንዘሎ ምንቅስቓስ’ውን ኣኼባ ባይቶ ብትሪ ነጺግዎ። 

2፡2፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ “ንህወሓት ከነጥፍእ ኢና” ብዝብል፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ብምእታው ህይወት ብዙሓት ክሳብ ሎሚ መርደኦም ዘይተነግረ፡ ኤርትራውያን ዜጋታትን ጠፊኡ እዩ። ሎሚ ድማ “ስርዓት ብልጽግና ካብ ስልጣን ከነወግድ ኢና” ብዝብል  ህግደፍ ምስ ህወሓትን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ሓይልታትን  ጽምዶ ይፈጥር ኣለኹ ክብል ንከታተሎ ኣለና። ብወገን ኤርትራ ነዚ ተግባር ምናልባት ከም ምክልኻል ልኡላውነት ጌርካ ይውሰድ ይኸውን። ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይካ ምቕጻል ስልጣኑ ካልእ ከምዘየገድሶ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ጉዳይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ስርዓት ምስቲ ኣቐዲሙ ምስ ብልጽግና ፈጢርዎ ዝነበረ ዕርክነት ልኡላውነት ሃገር  ክከላኸል ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘየብሉ ኣኼባ ርእዩ። ሰዲህኤ ረብሓ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ብመትከል ፖሊሲ “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ንዝግበር ርክብ ከምዘይጻረር ከኣ ኣረጋጊጹ።

2፡3፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ንምቕያር ብዝብል ሰበብ ደቁ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ክኣትዉ ከፍቅድ የብሉን።  እቲ ዘዋጽእ “ኣብ ክንዲ ንውግእ ንሰላማውን ዲሞክራሲያውን ፍታሕ ክስለፍ”  ኣኼባ ኣዘኻኺሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ብገለ ምሁራት ኣቢሉ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ፡ ከም መመሳመሲ ንምውራር ኤርትራ ክጥቀመሉ ከም ዝፍትን’ውን ኣኼባ  ተረዲኡ።

2፡4፡ እቲ ሓቀኛ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርብሕሉ መፍትሒ፡ ልኡላውነት ሃገር ዓቂብካ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝምእዘዝ ስምምዓት ከቲምካ፡  ናይ ሓባር ተጠቃሚ ምዃን ጥራይ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።  ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ክልቱኡ ህዝብታት ከምኡ ከኣ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ሃገራትን ብዕቱብነት ክሰርሕሉ ኣኼባ ማእከላይ  ባይቶ  ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

3) ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባብትና፡ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምግልባጥን ተጸላዊ  ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። በጃ ህዝቡ ኮይኑ ኣድማዒ እጃሙ ናይ ምብርካት ሓላፍነት ከም ዘለዎ’ውን ባይቶ ተገንዚቡ። ነዚ ንክበቅዕ ከኣ ዝተበተነ   ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሙ ምእካብ ዘይስገር ዓላማ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ ምሕላው ሓድነት ህዝብን ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን  ኣብ ዝብሉ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ናይ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ቀጻልነት ንምርግጋጽ ከም ዝሰርሕ ደጊሙ ኣነጺሩ። ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ንክምስረት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ድማ ግደኡ ከም ዘበርክት ብምርግጋጽ  ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኤርትራዊ ኣካላት መጸዋዕትኡ ኣቕሪቡ።

4) ማሕበረ-ኮም ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከባቢ ሲያትል፡ ኣንጻር 13 ንጡፋት ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ኤርትራውያን መስሪትዎ ዝነበረ ክሲ፡ ከም ዝርታዕ ምስ ተረደአ ምስሓቡ ንህግደፍ ዓብዪ ስዕረት ንሓይልታት ለውጢ ከኣ ዓወት ምዃኑ ባይቶ መዚኑ። እቲ ኩነታት ብኸምዚ ንክውዳእ ንዘኽኣለ፡ ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ስግረ-ዶባዊ ጭቆናዘለዎ ናእዳ ከኣ ኣረጋጊጹ።

5) ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን  ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት  ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ብሓፈሻ ንድሕነት ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ስደት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሊቢያ ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝከላበቱን  ብዝምልከት ኩሉ ዝከኣለን ሰብኣዊ ሓለዋ ንክገብራ ባይቶ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ስርዓት ህግደፍ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ንከይምዘዘ ንዝገበሮ ፈተነ ንዝነጸጉ ወገናት ከኣ ኣመስጊኑ።

6) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ንዝያዳ 3ተ ዓመታት ዝቐጸለን ኣብ ልዕሊ ህዝብና’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕደረን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ሱዳናውያን  ህልቂትን ዕንወትን ዘኸትል ዘሎን ኣብ ግምት ብምእታው፡  ሱዳን ከይትከፋፈል ዘሎ ስግኣት ብምስትውዓል፡ ሱዳናውያን ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም  ሓይሊ ምትእትታው ኣሕሊፎም ካብ ምሃብ ክጥንቀቑን ብሰላምን ልዝብን ክፈትሕዎን ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 6.1.17. ትሻዓተ ዝኣባላታ ንቀጻሊ ሓደ ዓመት እትመርሕ ፈጻሚት ሽማግለን ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ገንዘብን መሪጹ። ድሕሪ’ዚ ንመድረኻዊ ተርእዮታትን ብድሆታትን ዘንጸባርቑ፡ ሰልፊ ኣብ መጻኢ እንታይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ዝእምቱ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምቕራብ ባይቶ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራሲን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

02 መስከረም 2026

መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

ባሕቲ መስከረም ዝተወለዐት ሽምዓ ቃልሲ፡ ሎሚ’ውን ትበርህ’ላ!

 ባሕቲ መስከረም ዝተወለዐት ሽምዓ ቃልሲ፡ ሎሚ’ውን ትበርህ’ላ!

 ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡  ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበትን ሃብትን ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን።

 ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ተጽዕኖ ዝነበሮም ሓያላት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ; መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ መሊኡ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ምስተጠልመ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ ከኣ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምዛዞምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣፍልጦ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20  ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ናብ ቃልሲ  ክሳብ ነጻነት ኣየቋረጸን።

እቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብ ጉዕዞ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ከፊሉ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993፡ 99.8% ካብ ህዝቢ ኤርትራ “እወ ንናጽነት” ብዘድመጸሉ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ፡ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ምውጋድ’ውን እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን  ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ድሕሪ ነጻነት ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚን65 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዘርኣይዎ ሓርበኛዊ ቃልስን ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን  እዩ። 

እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ህሉዋት ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ተረካቢ ሕድሪ ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” ንዝተባህሎ ናይ ምዕማም ግደታ ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና፡ በቲ ዝተጠቕሰ ክቡር ዋጋ ዝተረጋገጸ ናጽነትን ሉእላውነትንሃገር  ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣብ ዘሰክፈሉ፡ ሓቢርካ ምቅላስ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ብደምን ኣዕጽምትን ተነዲቑ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝተዋሕሰ ልኡላውነትና እንደጋና ንድሕሪት ክመልሱ ዝደልዩ ኣካላት ዓመጸኛ ድምጾም ይስምዕሉ ኣብ ዘለዉ፡ ብሓፈሻ ሓላፍነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ግደ መንእሰይ ኤርትራ መተካእታ ዘየብሉ ምዃኑ ምስትውዓል ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ባሕቲ መስከረም 2026

 ባሕቲ መስከረም ዝተወለዐት ሽምዓ ቃልሲ፡ ሎሚ’ውን ትበርህ’ላ!

ተጠቃምነት ወደብ’ውንኮ፡ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን!

ተጠቃምነት ወደብ’ውንኮ፡ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን!

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣብ ዓለምና ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናታ ተፈጥራዊ ሃብትን ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ኣለዋ። ህልውናኣ ዝረጋገጽ፡ ብህዝባ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝተፈላለየ መልክዓ ዝግለጽ ተፈጥሮኣዊ ሃብታን ጸጋኣን ከኣ ዕዙዝ ግደ ኣለዎም። ከም ሃገር ዘለካ ሃብቲ ንበይንኻ እትግልገለሉ ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዘለካ ሃብቲ ምስ ካለኦት ንናይ ሓባር ረብሓን ሰላማዊ ርክብን ክትዛመድ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን። እዚ ብናይ ካለኦት ጸጋ ጥራይ ምጥቃም ማለት ኣይኮነን።  ዓለምና ብሕግታት፡ ናይ ሓባር ውዑላትን ስምምዓትን ትምራሕ ኣብ ዘላትሉ ዘመን ብመተከል “እንካን ሃባን” ሃገራት ዘዘለወን ዓቕሚ ሒዘን ክጠቓቐማ ዘይስገር’ዩ።  

ምስ ዕቤት ሃገራትን ምምጻእ መንግስታትን፡  ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዝምድናታት መልክዓት ሒዙ፡  ነጻነትን ልኡላውነትን ተዛመድቲ ሃገራት ብዘውሕሱ ሕግታትን ውዑላትን ተቓንዩ፡ ሕድሕድ ተጠቃምነት ዘረጋግጽ ኣህጉራውን ዞናውን ትካላት ንክቐውም ኣኽኢሉ።  በዚ መሰረት ሃገራት  ዓቕመን  ኣወሃሂደን ንገዛእ ርእሰን ተጠቒመን ካልኦት ንምጥቃም  ጸሚደን ኣብ ዝዋሰኣሉ እዋን ኢና ዘለና።  ስለዚ ድማ’ዮም ህዝብታት ንዕብየት ሃገሮምን ሃብቶምን፡ “ፈጣሪ ንዓና ፈጢሩ፡ ንሕና ድማ ንሃገርና ፈጢርናያ” ክብሉ ዝስምዑ። ብኣንጻሩ ስሱዓት፡ ናይ ካልኦት ሃብትን ልኡላውነትን  ክምነዩ’ዮም ዝረኣዩ።   

በዚ መንጽር፡ ኢትዮጵያ እኹል ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዘለዋ ሃገር ክነሳ፡ ዘዝመጹ ስርዓታታ ኣብ ውግእን ህውከትን ስለ ዝጸምድዋ  ካብ  ድኽነትን ሕሰምን ኣይወጸትን። ዘይምውጻኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብዚ ጸገማ ንምውጻ ኣብ ክንዲ ናብ ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ጐረባብታ ናብ ህልኽን ዓመጽን ክትሽመም ምጽነሓን ምህላዋን ኣዝዩ ዘስደምምዩ።

 እቲ ኣብዚ እዋንዚ ብብልጽግና ኣንጻር ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ተጠቃምነት ወደብ  ዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ደምሲስካ ናብ ግዝኣትካ ናይ ምእታው ምዃኑ፡ ግጉይ  መንገዲ ዝምድና ናይ ምሓዝን ኣሉታዊ  ሳዕቤኑን ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ ዘሎ እዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ከኣ ካብዚ ሓቂ’ዚ ንምሕባእ “ተጠቃምነትን ዋንነትን” ደዋዊስካ ክትሕባእ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓሉን።

እቲ ኣገራሚ ኮይኑ ዘሎ ካልእ ተረኽቦ፡ ነቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣፎም መሊኣም ብእዉጅ ሕቶና ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዝፈቕዶ ወደብ ናይ ምጥቃም ዘይኮነ፡ “እንተ ብቦሌ እንተ ብባሌ ወደብ ዓሰብ ምውናን እዩ” ዝብልዎ ዘለዉ፡ ከጸባብቕሎም ዝፍትኑ ኤርትራውያን ወገናት ምህላዎም ኣነዋርን ዝኹነንን ኮይኑ’ሎ። እዞም በዚ ኣገባብ ምስ መንግስቲ ብልጽግና ብግሁድን ብስዉርን ዝደናገጹ ዘለዉ ኤርትራውያን ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፡ ተግባራቶም ንሓርበኛዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሕድ ስለዝኾነ፡ ብዓንተብኡ ክግታእ ይግበኦ።  

ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ወገናት፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና ክንቃለስ ኢና” ምባሎም መሰሎም ኮይኑ፡ “ንሉኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ቀይሕ መስመር ከይትጥሕሱ  ሓደራ” ብዝብል ክንገሮም ንዝጸንሐ ምኽርን ማዕዳን ኣይኮነንዶ ክቕበልዎ፡ መሊሶም ዘጋድድዎ ዘለዉ ህንጡያት እዮም። ብድብድቡ “ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ናብ ኤርትራ ዘቕረበቶ ሕቶ ቅቡል እዩ”  ዝብል  ሸፋጢ ድምጺ፡ ኣብ’ዚ ወሳኒ እዋን ካብ ገለ “መራሕቲ ምንቅስቓስ ኢና” በሃልቲ ኤርትራውያን ምስማዕ፡ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውደቤታቱን ዝጽበዮም  ዘሎ ቃልሲ ክብደትን ኩለ-መዳይነትን ዘርኢ እዩ። ኣብዚ ኤርትራውያን መራሕቲ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ናይቶም ዝመዘዝዎም ኣባላት እምበር፡ ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ከምዘየብሎም ክግንዘቡ ይግበኦም። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብዝመረጾ ክምራሕ ዕድል ዘይረኸበ፡ መተካእታ ዘየብሉ ዋና ልኡላውነቱን ሃገሩን እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ናብ ንቡር ተመሊሱ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘኽብር ኣብ ዘየረጋገጸሉ፡  ብዛዕባ ኣጣቓቕማ ወደባትዶ ብዛዕባ  መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ምዝራብ ከምቲ “መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃል፡ ህዉኽ ህርፋን እዩ ዝኸውን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብወገን ኤርትራ’ውን ሕገመንግስታዊ ህዝባዊ ውክልና ብዘለዎ መንግስታዊ ስልጣን ዝትግበር እምበር፡ ዝኾነ ውዳበ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኣብ ዘይምልከቶ ቃል ዝኣትወሉ ዛዕባ ኣይኮነን። 

ናይ ብልጽግና ዓመጸኛን ታሪኽ ዘዘንብዕን ሕቶ ንምርጓድ፡ ነቲ ብምሉእ ተሳትፎ፡ ጽንዓትን ትብዓትን ህዝብን ተጋደልትን ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ንምውጻእ ዝተኻየደ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ከነኣእስዎ ምስ ጸንሑ፡ ሎሚ ድማ ኣግሂዶም፡ “ግጉይ ታሪኽ ዝተሰርሓሉን ኢትዮጵያውያን ዝደመይሉን ምዕራፍ እዩ ነይሩ” ዝብል ክትሰምዖ ዘደንጹ ቃል፡ “ኤርትራውያን ኢና” ካብ ዝብሉ ብርኢቶ  ናብ ብልጽግና ብዝተጸግዑ ምስማዕ ክሳብ ክንደይ ኣቐንዛውን ብዓንተብኡ ክኹለፍ ዝግበኦን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።  ናይዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ንቃልሲ ህዝብና ዘይምጥን ኣቕጣጫ ሒዞም ዘለዉ ወገናት መንቀሊ፡ ምናልባት “ካብ ናጽነትዶ እንታይ ተጠቒምና ኢና?” ብዝብል ዘየገናዝብ ስምዒት ዝተደፍአ ከም ዝኸውን ምግማቱ ኣየጸግምን።

እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ዕድላቱን ጸጋታቱን ብፍላይ ከኣ ካብ ኣገልግሎት ወደባቱ  ተጠቃሚ ዘይኮነሉ ምኽንያት፡ ሃገሩ ናጻን ልኡላዊትን ስለ ዝኾነት  ዘይኮነ፡ ድሕሪ ናጽነት   ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ፡ ቅኑዕን ውሕሉልን ምምሕዳር ብሰንኪ ዘይምርካቡ ምዃኑ ዘይስገር መሰረታዊ መርተዖ እዩ። መጻኢ ቃልስና ድማ፡ ንናጽነት ኤርትራ ብናይ ግዳም ሓይልታት ተቓኒኻ ንድሕሪት ምምላስን ናብ ኢድ እቶም ብናጽነታ ዘይቀሰኑ ዓመጸኛታት ምርካባን ዘይኮነ፡ ንህዝብና  ዝምጥን፡ ህዝባዊ፡ ቅዋማዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ዲሞክራሲያውን ትካላውን ስርዓት ክምስረት መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ምቅላስ ጥራይ እዩ።

“ወደብና ኢትዮጵያ እንተዘይተጠቒማትሉ፡ ቁጠባዊ ረብሓ የብሉን”፡  ዝብል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ሓቂ እዩ። ወደብና ዝጥቀመሉ ናይ ምስኣኑ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ፡ “ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ብዝተሰረተ ቁጠባን  ጽቡቕ ጉርብትናን” ብዝተቓነየ ፖሊሲ ዝምራሕ ምርጫ ህዝቢ ዝምርጭኡ መንግስቲ ስለ ዘየለ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ጥዑይ ምምሕዳር እንተዝህሉ፡ ተጠቀምቲ ክሳብ ዝመጽዎ ከይተጸበየ፡ “ንወደብና ተጠቐምሉ” ብዝብል ክጽውዕን ክጉስጉስን እውን ንቡር መኾነ። ብወገን ኢትዮጵያ ታሪኽን ህልዊ ኩነታትን ከየገናዘበ  ዝዕንድር፡ ካብ ዘቤታዊ ዕማሙ ዝሃድምን “ኤርትራ ከም እንመልሳ 1000% ርግጸኛታት ኢና”  ዝብል ፈካሪ ሓይሊ  ኣብ ስልጣን ምህላዉ እቲ ዓብይ ዕንቅፋት እዩ።

ስለዚ እዩ ድማ ናይ ሎሚ ቀዳምነትና፡ “ኣጠቓቕማ ወደብ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ምዝታይን ምስምማዕን” ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ቅድሚ ሕጂ ዝኸተመቶም ስምምዓትን ኣኽቢራ፡ ኣብቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ልኡላውነትና ክሳብ እትእመን ሓቢርካ ምቅላስ ዝኸውን። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዘዝረኸብካዮ መድረኻት “ብወደብና ክትጥቀሙ ጸገም የብልናን” እናበልካ መብጸዓ ምእታው ንገዛእ ርእስኻ ተጋጊኻ  ንኻልኦት’ውን ምምጋይ እዩ ዝኸውን።

ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር፡ ኣብ ጐረቤታ ሃገር ብዘሎ ወደብ ናይ ምጥቃም መሰል ከም ዘለዋ ክትንትኑ ይስምዑ እዮም። እንተኾነ እዚ’ውን ኣህጉራዊ ሕግታት ብዘኽብር፡ ናይታ ዋና ወደብ ሃገር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብዘይጥሕስን ዞባዊ ምርግጋእ ብዘይጻባእ “እሂንምሂን” ዝትግበር እምበር፡ “ዓንቀጻት ቆንጪልካ ብምውሳድ  ወይ ኢድ ጠዊኻ ብሓይሊ” ዝረጋገጽ ኣይኮነን። “እንተ ክንብርኩት ዘይክንቡርክት ኣብ ማይ ንብጻሕ”  ከም ዝበሃል፡ ኣብ መንጎ ወሃቢ ኣገልግሎትን ተገልጋልን ሃገራት ምትእምማንን ጽቡቕ ጉርብትናን ምፍጣር መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። 

ተጠቃምነት ወደብ’ውንኮ፡ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን!

ህግደፍ መጀመርታ ግዳ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ

ህግደፍ መጀመርታ ግዳ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣብዚ  ዘለናዮ ውዑይ ነነብስኻ ናይ ምድሓን ፖለቲካዊ ምግልባጥ ዓለምና፡ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብቲ ተጠማቲ ኮይኑ ዘሎ ኩርነዓት ሓደ ምዃኑ ንዕዘቦ ኣለና። ኣብ ዞባና  ይረአዩ ካብ ዘለዉ ፖለቲካዊ ዛዕባታት “ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ዝምድና ለውጥታት” ሓደ ኮይኑ’ሎ። እዚ ብደረጃታት ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኩነታት ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ኣካልዚ ናይ ኣሰላልፋ  ማዕበል እዩ።

ነዚ ቅልጡፍን ተገላባጥን ፖለቲካዊ ማዕበል ጐረባብትናን ዞባናን ቀንዲ ዝቕልስዎ ዘለዉ ናይ ርሑቕ ሰብ ዓቕሚ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብቐንዱ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ዝዋስእሉ ዘለዉ ናይ ቀረባ ተሰለፍቲ ከኣ ኣለዉዎ። ኣብዚ መስርሕ ደረኽቲ ኣጀንዳታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ስልጣንን ካብኡ  ዝርከብ ረብሓን እምበር፡ ህዝብን ባህጉን ዘማእከሎም ኣይኮኑን። ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝዋስኡ ዘለዉ መንግስታት፡ ኤርትራ፡ ግብጺን ሱዳንን  ቀወምቲ ተለፍቲ ኮይኖም፡ ምንቅስቓሳት ትግራይ፡ ፋኖ ኣምሓራ፡ ኦጋደንን ጋምቤላን ድማ ኣሰሮም ሒዞም ዝጐዓዙ ዘለዉ እዮም።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ውግእ ትግራይ ንዝነበረ ኣሰላልፋ ብልጽግና፡ ህግደፍን ካለኦትን “ድሕሪ ውግእ ዘቐጽልሉን ኣርሒቑ ዝጥምትን ናይ ሓባር ኣጀንዳ የብሉን” ዝበልናዮ፡ ናይዚ ሎሚ ህያው ዘሎ ምጉጅጃል  ትሕዝቶን ተልእኮን’ውን ኪኖ ውግእ ምእንቲ ስልጣን ዝስራዕ፡ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወን ነዊሕ ዕድመን ራኢን ዘለዎ’ዩ ክትብሎ ዘጸግም እዩ።

እቲ ንመሸፈኒ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ብህግደፍን ህወሓትን ዝተጀመረ ጽምዶ፡  “ይሰፍሕን ይሕይልን ኣሎ” ክበሃል ይስማዕ እዩ። እዚ ጽምዶ ከምቲ ዝዝረበሉ፡ ናይ ህዝብታት  ኤርትራን ትግራይን ሓቀኛ ርክብ ዘይኮነ፡ ውሱን ዓንኬል ዝግልገለሉ ናይ ውግእ ምቅርራብ ምዃኑ ዝገመቱን ሓቀኛ ተልእኮኡ ከነጽር ክጽውዑ ዝጸንሑን ብዙሓት እዮም።  በመጽር’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብ16ን 21ን ነሓሰ 2025 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ፡ 

 እዚ ዝምድና ኣድማዕን ቀጻልን ንክኸውን፡ ብተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝብታት ዝደልደለ፡ ትካላዊ መሰረት ዝሓዘን ውሱናት ጉጅለታት ንጸቢብ ናይ ውግእ ድሌቶም ዘይጨውይዎን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ነዘኻኽር። እንተቲ ንዕዘቦ ዘለናጽምዶእቲ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ክልቲኡ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ናይ ምቕጻል ውሕስነት ዘየብሉ ርክባት ግዝያዊ እፎይታ ዘለዎ እንተመሰለ፡ እቲ መስርሕ ምስጢራዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ጽልኢ ዝተሰረተ ፖሊቲካውን ወተሃደራውን ምሕዝነት ምዃኑ ግሁድ ምልክታት ኣለውዎ። ከምዚ ዝበለ ጽምዶ ኣብ ሎሚ በጺሑ ካብ ሕቡእ  ናይ ሸርሒ ተዋስኦ ህግደፍ ነጻ ክኸውን ዝብል እምነት የብልናን።”  ምባሉ ይዝከር።

 እቲ ርክብ ከምቲ “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” እናተባህለ ዝተዘመረሉ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብዙሓት ምኩራት ዝገመትዎ ወተሃደራዊ ምንባሩ በቲ  ወተሃደራዊ ሓለፍቲ  ህግደፍን ህወሓትን ብ2 ነሃሰ 2026 ኣብ ጉሎመኸዳ በሪኽ ሑጻ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብዝገበርዎ ርክብ  ተጋሂዱ’ዩ። ነዚ ናይቲ ትማሊ ንሳቶም ብዝመርሕዎ ደም ንጹሃት ዘፍሰሰ ውግእ፡ ምስቲ ጸሓፊ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ መበል 60 ዓመት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ኣነ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ሰብ ክብሎ ዝደሊ፡ ገጥ ኢልና በቲ ሓደ ወገን ኢትዮጵያ ከይትበታተንን ከይትገማማዕን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ወያነ ዳግማይ ናብ ስልጣን ከምዘይትመጽእን ኢና ክንገብር ዘለና። እዚ ኣነ ዝኣምኖን መንግስቲ ኤርትራ ክኣምኖ ዝደልዮን እዩ። ኢትዮጵያ ዋላ ትበታተን ዝብሉ ኤርትራውያን ኣለዉ። እዚ ኣረኣእያኦም ፈጺሙ ግጉይ እዩ። ኢትዮጵያውያን ምስ ትግራይ ይኹን ምስ ኦሮሞ ዘለዎም ጉዳይ ንሕና ኢድ ከየእተና ባዕሎም ክፈትሕዎን ምስ ጐረባብቶም ኣሳንዮም ክነብሩን ኣለዎም።” ዝበሎ ዘኪሮም ዝግረሙ ብዙሓት ኣዮም።

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብቲ ቃለ-መሓትቱ፡ ናይቲ ጸሓፊ ኮይኑ ዝመርሖ ዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ  ብሕቱ ዝዝውሮ መንግስቲ ክቱር ምልኪ ከንጸባርቕ እንከሎ፡ “ ካብዚ ሓሊፉ ንሕናኸ እንታይ ኢና ንሰርሕ፡ ነቲ ናትና ኣብ ባይታ ዝመርሕ ዘሎ ፈጻሚ ኣካል ጥራይ ዝግደፍ እምበር ንኻልእ ዝምልከት ኣይኮነን።”  ምባሉ ከኣ ተዛካሪ እዩ። ምኽንያቱ እቲ  “ኣይምልከቶን”  ዝበሎ ህዝቢ ኤርትራ ማለቱ ስለ ዝኾነ። 

ውግእ ትግራይ 2020-2022 ከይክፈት፡ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ለውጢ ውዳበታቱን ብተደጋጋሚ ተማሕጺኖም እዮም። ብሰንክ’ቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ብዝወረደ ኩለ-መዳያዊ ጉድኣት ሓዘኖም ገሊጾም፡ ናብ መድረኽ ሰላም ክምጻእ ዝጸውዑ ኤርትራውያን’ውን ብዙሓት’ዮም። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እቲ ህግደፍ ተሳታፋይ ዝነበረሉ ደማዊ ውግእ ምስተኸፍተ፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ፡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ውግእን ምቅትታልን ደው ክብል ንጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።”  ዝበሎ ከኣ መርኣያ  ሓላፍነታዊ ሓልዮቱ እዩ።

ህውከት ብቐጻሊ ከቋርጽ ብላዕለዋይ ኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ፡ መቕዘፍቲ ደቁ ዘድሓነ ስለ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ’ ደገፉ  ገሊጹ እዩ። ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግና ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ሰላም ሕርቃኑ ምጽዋር ስኢኑ፡ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት ብዘይሕፍረት “ተኾሊፍና ኢና” እዩ ኢሉ። እነሆ ሎሚ ግና ከምቲ “ንሰፍላላስ  ይፈጥረላ” ዝበሃል፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ተኾሊፉ ዝነበረ ሸውሃት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኽፍት ተረኺቡ ተባሂሉ  “እንኳዕከ ከምዚኣ በለት’የ”  ይበሃል ኣሎ።

ኣብ ተመኩሮ ህግደፍ፡ ተንኮልካ ሓቢእካን ደላይ ደሓን መሲልካን  ንምብላጽ እንተዘይኮይኑ፡ ሓቀኛ ዕርቅን ሕድገትን ከምዘይፈልጥ፡ ኣይኮነንዶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ነባራት መዛምድቶም’ውን ዝተሰወረ ኣይኮነን። ህግደፍ ሓቀኛ ዕርቂ  ናይ ህዝብታት ኮነ ናይ ሰላም ድሌት  እንተዝህልዎ፡ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ጨቋንን ተጨቋንን ዕርዲ ኣፍሪሱ መተዓረቐ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ፡ ህግደፍ መጀመርታ ግዳ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ” ንብል ዘለና። እንተኾነ ዕርቅን ስኒትን ኣብ ቋንቋ ህግደፍ ቦታ የብለንን።

ህግደፍ መጀመርታ ግዳ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ

 በርሊን ኮንፈረንስ ንምክፍፋል ኣፍሪቃ

 በርሊን ኮንፈረንስ ንምክፍፋል ኣፍሪቃ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

“ምክፍፋል ኣፍሪቃ” ዝዓለመ፡ “በርሊን ኮንፈረንስ” ሕዳር 1884ን ለካቲት 1885ን ኣብ ከተማ በርሊን  ተኻይዱ። ተልእኮኡ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ ንኣፍሪቃ ተኸፋፊልካ ምሓዝ ዝነበረ ውድድርን ምትፍናንን ንምፍታሕ ነይሩ። ተሳተፍቲ ናይቲ ኮንፈረንስ ናይ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ዓባይ ብሪታንያን ወሲኽካ፡ 19 ልኡኻት ሃገራት ነይሮም። ተሳተፍቲ  ኣብዚ ኮንፈረንስ፡ “እዚኣ ንእገለ እቲኣ ንእገለ” እኳ እንተዘይተበሃሃሉ፡ ንኣፍሪቃ ብኸመይ  ከም ስጋ ጉዚ  ከም ዝካፈልዋ ሓፈሻዊ መረዳድኢ መደብ ኣውጺኦም። እዚ ኩሉ ክግበር እንከሎ ተሳትፎ ናይቶም  ዋናታት ኣፍሪቃውያን ኣይነበረን ኣብ ግምት’ውን ኣይኣተዉን። መሰረታዊ ዓላማ ናይቲ ወራር  ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ጉልበትን ኣፍሪቃ ምምዝማዝ እዩ ነይሩ።

ካልእ እቲ ኮንፈረንስ ዝለዓለ ግምት ዝሃቦ ናይተን ንኣፍሪቃ ወሪረን ዝሕዛ ሃገራት ኤውሮጳ  ንግዳዊ ናጽነት ምኽባር እምበር፡ ንሰብኣውነት ግምት ዝሃበ ኣይነበረን። በርሊን ኮንፈረንስ ኤውሮጳዊ ረብሓ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ንመሰልን ኣተሃላልዋን ኣፍሪቃውያን ግና ዝሃቦ ግምት ኣይነበረን። በዚ መሰረት ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብዘይካ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ወዲቐን። ብ1870፡ 10% ዝነበረ መግዛእቲ ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ብ1941 ናብ 90% ዓሪጉ።  በዚ   ብመንጽር’ዚ፡ ውርሻ ኮንፈረንስ በርሊን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ኣብ ታሪኽ መግዛእቲ ዘይርሳዕ ኣሉታዊ በሰላ ዝገደፈን እዩ። ንኣፍሪቃን ህዝባን ከኣ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ስምብራቱ ዘይጠፈአ ዘይርሳዕ መሪር ምዝመዛን ምስሕሓባትን፡  ዘእተወ እዩ።

ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ1869 ብሓንቲ ኢጣልያዊ ኩባንያ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝጸንሐ ምስ ምግዛእ ንእሽቶ መሬት ዝተሓሕዝ  ምስፍሕፋሕ ተደሚሩ፡ ኢጣልያ ስልታውን  ሰላሕታውን ጉዕዞ ከተካይድ ምስ ጸንሐት፡ ብ1890  ከም ውጽኢት ስምምዕ በርሊን ኮንፈረንስ ንኤርትራ ወሪራ ሒዛ፡   ምስዚ ሎሚ ሕዛቶ ዘላ ቅርጻ፡ ኣፍደገ ባሕርን ዶባታ ምስ ጐረባብታ ሃገራትን ከም ሓንቲ ግዝኣታ  ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ብወግዒ ኣወጀት።

ኢጣልያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ብምግዛእ ስለ ዘይዓገበት፡ ብ1896 ንኢትዮጵያ ከም 2ይቲ ግዝኣት ክትደግማ ኣብ ዓድዋ ውግእ ኣፎታ። እንተኾነ ብንጉስ ምነሊክ ዳግማዊ ብዝምራሕ ሓይሊ ኢትዮጵያ ስለ ዝተሳዕረት፡ ናብታ ኣቐዲማ ዝሓዘታ ግዝኣታ ኤርትራ ተመልሰት። ኢትዮጵያውያን ከኣ ሃገሮም ካብ ወራር ኢጣልያ ኣድሒኖምን ዓወት ኣጸጽንቢሎምን ናብ ዝመጽዎ ተመለሱ እምበር፡ ናብታ  ዘይናቶም ኤርትራ ኣይተመጣጠሩን።

እዚ ኤርትራ ከም ሃገር ዶባታ ዝተሓንጸጸሉ ታሪኻዊ መግዛእታዊ መስርሕ ኣብኣ ዝተደረተ ዘይኮነ፡ ኣካል ተመኩሮ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ። እዚ ከኣ በቲ ብ1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ዝተመስረተ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ዘመነ መግዛእቲ “ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይ ይወሰን?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብ1964 ኣብ ካይሮ ብዘጽደቖ ደክሌረሽን፡ ነቲ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ብዝጥዕሞም ዝሓንጸጽዎ ዶባት ምቕያር፡ ናብ ዘይወጽዎ ዓዘቕቲ ከውድቖም ከም ዝኽእል ስለ ዝተረድኡ፡ “ንመግዛእታዊ ዶባት ከም ዘለዎ ንቀበሎ” ኢሎም ወሲኖም። ሎሚ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘልዕልዎ ዘለዉ መጐት፡ ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ግደ መራሒ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሴን ክረአአ እንከሎ ደረቱ ዝሓለፈ ትምክሕትን ስሰዐን  ክሳብ ክንደይ ምስ ታሪኾም ከም ዝራጸም ምርዳእ ኣየጸግምን።

ብ2 ጉንበት 1889  ኣብ መንጎ ንጉስ ኢትዮጵያ ምኒሊክ ዳግማውን ኢጣልያን ኣብ ውጫለ ዝተኸተመ ንኤርትራ ከም ሃገር  ኣፍልጦ ዝሃበ ናይ ሰናይ ጉርብትና ስምምዕ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዝነበሮ  ስምምዕ ኣዲስ ኣበባ 26 ጥቅምቲ 1896፡ ከምኡ ድማ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ናይ ምንጻር ስምምዓት 1900፡ 1902ን 1908ን ክውሰኽዎ እንከለዉ፡ “ኤርትራ ይኹን ባሕራ ናይ ኢትዮጵያ ነይሩ” ዝብሃል ሃበስቀደስ ሚዛን ዘይወሃቦ መስመሩ ዝሰሓተ ዕብዳን  ምዃኑ ርኡይ እዩ።

እዞም ታሪኻዊ ሓቅታት እዚኣቶም፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተቐባልነት ከም ዘለዎም ንምርግጋጽ፡  ኣብ ካልእ ሰፊሕ ዝርዝር ከይኣተኻ፡  ነዞም ዝተጠቕሱ ውዕላትን ስምምዓትን መሰረት ብምግባር ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወሰነ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ግና ድማ ብሰንኪ ምዕጥጣይ መራሕቲ ኢትዮጵያን እኩይ ጉርሒ ጉጅለ ህግደፍን ናይ መወዳእታ መልክዑ ዘይሓዘ  ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኩሉ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ብምዃን፡ ተዓሚትካ ናይ ምጉያይ ህርፋን መራሕቲ ብልጽግና ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘገርም ኮይንዎ ዘሎ እዩ።

ዓለምለኻዊ ሕግታትን በብግዜኡ ብመራሕቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተሙ ስምምዓትን ዘንጊዕካ፡ “ቁጠባይ ስለ ዝዓብየ’ባ  ህዝበይ ስለ ዝበዘሐ፡ ንኣገገልግሎት ወደብ ዝኸፍሎ ዋጋ ስለ ዝነሃረ” ዝብሉ ዕባራ ምኽንያታት እናዘርዝርካ፡ “ዘይናትካ መሬትን ባሕርን ተዘይወሰድኩ” ምባል፡ መርኣያ “እትብሎ እምበር፡ ዝበሃለካ ዘይምስትውዓል”  ሕማቕ ባህሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።

ረፈረንደም ኤርትራ ጌና ቅድሚ ምጅማር ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝነበረ ሓሳብ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ከም ሰላማዊ መፍትሒ ዝቐርብ ዝነበረ፡ ኣብ ድሮ ውድቀት ደርጊ ኣብ ለንደን ዝተወሰነ፡ ኣብ ናይ 28 ሰነ 1991 ኮንፈረንስ ኢትዮጵያውያን ኣዲስ ኣበባ ዝተላዕለ፡ ብኣፍልጦን ናይ ቀረባ ተዓዛብነትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝምልከቶም ትካላትን ዝተኻየደን ውጽኢቱ ዝጸደቐን እዩ።

 እዚ ረፈረንደም ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዝፈጠረን ሓድሽ ዶብ ዝሓንጸጸን ዘይኮነ፡ ናይታ ውጽኢት መግዛእቲ ዝኾነት ቅድሚ ኢትዮጵያ ነዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ዝሓዘት ኤርትራ ልኡላውነት ዘድመቐ እዩ። ነዚ ብህዝቢ ይመረጽ ኣይመረጽ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ዝፈቕዶ ወይ ዝኽልክሎ ኣይነበረን። እቲ ዝኾነ ከኣ ከምኡ እዩ።

ብልጽግና ከምቲ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝበሃል፡ “ኢህውደግ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ክነሱ ንኤርትራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂቡዋ” እናበለ እዩ ክኸስስ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ። እዚ ሎሚ ብብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽዑ ኣብ ስልጣን እንተዝነብርከ፡ ነዚ ነዛ ድሕሪ ኤርትራ ነዚ ህልዊ መልክዓ ዘትሓዘ ኢትዮጵያ ወኪሉ፡ ዳግማዊ ምነሊክ  ዝኸተመሉ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን መተሓሰሞ ነይሩ ማለቱ ደኾን ይኸውን?

 በርሊን ኮንፈረንስ ንምክፍፋል ኣፍሪቃ

ሳዋ፡ እታ እንኮ ስራሓ ዝቐጸለት ፋብሪካ ህግደፍ

ሳዋ፡ እታ እንኮ ስራሓ ዝቐጸለት ፋብሪካ ህግደፍ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ መብዛሕተአን ኣብ ኣስመራ ዝተመስረታ ኣስታት 728 ናእሽቱን ማእከሎትን ምዝጉባት ኣፍረይቲ ፍብሪካታት ከም ዝነበረኣ ሰነዳት ይሕብሩ። እዘን ኣፍረይቲ ትካላት ብሰንኪ ተኸታተልቲ ገዛእቲ ሓይልታት ዝወሰድዎ ኣዕናዊ ስጉምታት ገሊአን ክዝመታ እንከለዋ፡ ዝተረፋ ድማ ዓንየን’የን። ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ እዘን ትካላት ናብ ኣርባዐተ-ሓሙሽተ ወሪደን። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣይኮነንዶ ሓደስቲ ክትከላ ካብተን ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸነሓ ዝተሓደሰት’ውን የብለንን።

ሓይልታት መግዛእቲ ካብ ዕላማታቶም ሓደ፡ ንኤርትራ ብቑጠባ ደቚስካ ነብሳ ዘይትኽእል ተጸባይት ምግባራ ሰለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታት ኤርትራ ዝወሰድዎ ስጉምቲ እትጽበዮ ነይሩ። ብኣንጻሩ ካብቲ ኣካል ህዝቢ ኮይኑ ንናጽነት ኤርትራ ክቃለስ ጸኒሑ፡ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል እትጽበዮ፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዳገመ-ህንጸት ከካይድ ነይሩ። እንተኾነ ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ ዝተኸተሎ መንገዲ ቁጠባዊ ሕውየት ምምጻእ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊቲ ዝጸንሐ ድኽነት መሊስካ ምድራብ እዩ ኮይኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ዳግመ-ህንጻ ሃገር ከም ዘይምልከቶ ጓና፡ ናይተን ዝዓነዋ ፋብሪካታት ዛንታ እንዳ ዘርዘርካ ምቑዛም ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ እታ ብዘይምቁራጽ ትቕጽል ዘላ ብሕታዊት ትካል ህግደፍ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ እያ። ሳዋ ኣብ ኣውራጃ ባርካ፡ ካብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ካብ 25-30  ካብ ኣስመራ ድማ 283 ኪ/ሜ ርሒቓ እትርከብ እያ። በቲ ዘለዋ ኩለመዳያዊ ጥጡሕነትን ጽንዓትን ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈላለያ ክፍልታት ዝሰፈራላ እምንቲ ድሕረ-ግንባርን መደበር ታዕሊምን ነይራ እያ። ህዝባዊ ግንባር እውን ከም መደበር ታዕሊ ትጥቀመላ ዝነበረትን፡ ብ14 ሓምለ 1994 ከኣ መደበር ታዕሊም ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትከውን ዝጀመረት እያ። ካብ 2003 ጀሚራ ድማ ተመሃሮ ካብ ኩለን 2ይ ብርኪ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ፡ መበል 12 ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም ክፍተኑን ክዕለሙን  ዝግደዱላ ኮይና’ላ።

ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ሰልጠንቲ መበል 38 ዙርያ ሳዋ፡ እቲ ኣብ ኣካዳሚያዊ መድረኻት መሪቑ  ዘይፈልጥ፡ ኣብ ምምራቕ ተዓለምቲ ሳዋ ግና ዘይበኩር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ ተመሪቖም። ሳዋ ብኣዋጅ ኣብ ዝተመስረተትሉ፡ መንእሰያት ኣብቲ መስርሕ 6 ኣዋርሕ ንታዕሊም 12 ኣዋርሕ ድማ ንኣገልግሎት ብድምር 18 ኣዋርሕ ጸኒሖም ናብ ንቡር ህይወቶም ይምለሱ ዝብል እዩ ነይሩ። ብግብሪ ግና ጉጅለ ህግደፍ ብዝፈጠሮ ምስምሳትን ናይ “ኣብ ውግእ ኢና ዘለና” ራዕድን፡ እቲ ኣገልግሎት ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚሩ“መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ናብ ዘይፍለጥ” ተሰጋጊሩ። እዚ ዘይንጹርን ዘይእሙንን ተግባራት ህግደፍ ከኣ እዩ ነቲ ኣብታ መደበር ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛታት ዝያዳ ዘጉልሐ ጥሕሰት ኮይኑ  ተመዝጊቡ ዘሎ።

ኣብ ሳዋ እቲ ተገዲድካ ናብ ታዕሊም ምእታው መባእታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ፡ እቶም መንእሰያት ኣብቲ  ዝጸንሕዎ ብሕጽረት መግቢ፡ ሕክምናን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ዝተወሰኾ ሕሱም ህይወት እዩ። እቶም ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ኣብቲ መደበር መበል 12 ክፍሊ ክመሃሩ ዝግደዱ፡ ብሰንኪቲ ግዜ ዘይህብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘሕድሮ ተጽዕኖን ዋሕዲ መምሃራንን ትምህርታዊ መሳርሕን ደረጃኡ ዝሓለወ ፍልጠት ከምዘይቀስሙ ሓሓሊፉ ዝወጽእ ናይቲ መደበር ታዕሊም ምስጢራዊ ጸብጻባት ከይተረፈ ዝምስክሮ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ በቶም ኣብቲ ቦታ ዝምደቡ ጭካናት ዓለምትን ኣመሓደርትን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ክሳብ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሕ ኣካላውን ሕልናውን ማህሰይቲ ከም ዝፍጸም ኣብዚ እዋንዚ በተን ግዳያት ዝኾና ክቃላዕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ርእሲዚ ዋላ ንኡስ ጌጋታት ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝፍጸም ማእሰርትን ስቓይን ኣስካሕካሒ ምዃኑ ብዙሓት ዘጋጠሞም ዝመስከርዎ ሓቂ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ብዘይክፍሊት ናይ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ጀራዲን ከልምዑን ኣባይቶም ክሃንጹን ዝማስኑ መንእሰያት ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ምጥቃም ዘመናዊ መሳርሒ ንቡር ዝኾነሉ እዋን፡ ተዓለምቲ ሳዋ ብጉልበቶም ዝተፈላልየዩ ትሕተ-ቅርጻ ክሃንጹ ዘፍስስዎ ረሃጽ ከኣ ናይቲ ዘገድዶም ጉጅለ ድሕረትን ጭካነን የርኢ።

እዞም በዚ መስርሕ ሓሊፎም ኣብ ዘይምልከቶም ውግኣት ኣትዮም ዝሞቱ፡ ካልእ ይትረፍ፡ መርድኦም ብክብሪ ዘይንገር ምዃኑ ከኣ ካልእ  ቃንዛዊ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ውግእ ትግራይ ናይ ዝሞቱ መርድእ ዘይምንጋሩ እኹል ኣብነት’ዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ካብ 2019 ጀሚሩ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክዝርዝር እንከሎ፡  “ንግዱድ ውትህድርና” ቅድሚ’ቲ ካልእ ጥሕሶታት ዝሰርዖ  ካብዚ ብምንቃል  እዩ። እቲ ካልእ ገጽ ግህሰት፡ ብኣዋጅ 82/1995 ዓንቀጽ 17 ሳዋ ዘይበጽሐን ዘየገልገለን ኤርትራዊ ካብ ሃገር ክወጽእ መሰል ዘየብሉ  ምዃኑ ኢዩ። 

ህግደፍ ንቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ቀዳምነት ስለ ዝህብ፡ ንሳዋ ብቐጻሊተተይ ካብ ምባል ኣየብኮረን።  ሳዋ ስረሓ ንክትቅጽል እቲ ዘድልያ መሰረታዊ ጥረ ነገር መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝኾነ እናኣገደደ ኣብ ምቕራብ ኣይተጸገመን። ብኣንጻሩ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ግዲ ስለ ዘየብሉ፡ ኣይኮነንዶ ሓደስቲ ኣፍረይቲ ትካላት ክኸፍት፡ ካብተን ዝወደቓ ናይ ምሕዋይ ስጉምቲ ክወስድ ኣይደለየን።   ብኣንጻሩ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል፡ “እተን ዝነበራ፡ ፋብሪካታት ፍንጃል፡ ማዕጺድ፡ ጠርሙስ፡ ኪሻ፡ ክርቢት፡ መልጎም፡ ዓለባ፡ ቆርበት፡ ሳእኒ ……ወዘተ ሎሚ ኣሰረን ኣበይ ኣሎ?”  እናበለ ተጠሊዑ ክሓትት እዩ ዝስማዕ።

ሳዋ ክሳብ ሎሚ 38 ዙራት ተዓለምቲ ኣመሪቓ መበል 39 ትቕበል ኣላ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ ዙርያ 20, 000 መንእያት ዝሳተፉ እንተነይሮም፡ እቶም በዚ መስርሕ ዝሓለፉ 760,000 ደኣ ኣበይ ኣለዉ?፡ እዞም መንእሰያት፡ ሕጋውነትን ሓልዮትን ብዝተኸተለ መስርሕ ዝተሰለፉን ዝተመሓደሩን እንተዝነብሩ፡ እሞ ብናጻነት ኣብ ዜብታዊ ንጥፈታት ሃገሮም  እንተዝሳተፉ፡ ሎሚ ኤርትራን መነባብሮ ህዝብን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ውሑስ ደረጃ መሃለዉ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

እንተኾነ እዞም መንእሰያት ኣብዚ እዋንዚ  እቶም ዝሞቱ ሓሊፎም፡ እቶም ዝተረፉ ድማ  ኣብ ፈቐዶ ስደት በቲ ሓደ ወገን ህይወቶም ክመርሑ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ኣደዳ ስደት ዝገበሮም ባርነት፡ ብሓርነት ንምትካእ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኣለዉ።

ሳዋ፡ እታ እንኮ ስራሓ ዝቐጸለት ፋብሪካ ህግደፍ

ሪፖርታጅ፡ ጽንብል ፈስቲቫል ፖሓኤ 2026

ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2026 ብ7-9 ነሃሰ 2026 ኣብ ሃገረ ጀርመን ተጸንቢሉ። ኣብዚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ግዜ ወሲዳ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ፈስቲቫል፡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ፖሓኤ፡ ወከልቲ ውድባትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ተሳቲፎም። ኣብዚ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረበኛን ብብጾት ኣድያም ተፈራን ግርማይ ዘምኤልን ዝተኣልየ ጽንብል ድሕሪ ናይ ሓደ ደቂቕ ዝኽሪ ናይ ስዉኣት፡ ስነ ጥበባዊ ስምሶን ኪዳነ ብዘቕረቦ ንሰላምን ስኒትን ዝጽውዕ፥ ኣብ ቃልሲ ንዝተኸፍለ ሓርበኛዊ መስዋእቲ ዘዘኻኽር መዛሙር ብምቕራብዩ ተጀሚሩ። ስዒቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምሕዝነታዊ ቃል ኣስሚዖም።

Adiam Girmay

Samson Kidane Artist

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጽንብል፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ ብስም ነቲ ጽንብል ዘዳለወ መኽሰብ ኣልቦ ትካል ኤርትራዊ  ማሕበር ኣብ ጀርመን  ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል እዚ ፈስቲቫል ካብ ግዜ ሰውራዊ ባይቶ ጀሚሩ ብዘይምቁራጽ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ዝተኻየደ ብምዃኑ ታሪኻዊ እዩ ኢሉ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝካየድ ዘሎ ብምዃኑ፡ ነቶም ተሳትፍቲ ፍሉይ ሓለፍነት ዘሰክም እዩ ኢሉ።

Aklilu

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2026 ሓው ጸሃየ ቀለታ ብወገኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዝተሓባበሩ ወገናት ኣመስጊኑ፡ ኣብቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ሃገርናን ህዝብና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሕማቕ መነባብሮ ይሓልፉ ከም ዘለዉ ዘኪሩ። “ንሕናኸ ነቲ ኩነታት ኣብ ምቕያር እንታይ ንገብር ኣለና?” ኢልና ክንሓትት ይግበኣና’ውን ኢሉ።

Zehaie Keleta

“እቲ ውራይኩም ውራይና እዩ፡ ትኸድዎ ዘለኹም መንገዲ ከኣ ናይ ሓድነትን ምሕዝነትን ስለ ዝኾነ ንድግፎ ኢና” ዝመንፈሱ ሓጺር መልእኽቲ ሃገራዊ ሰልፊ ኤርትራ ከኣ ብሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣብቲ መድረኽ ብንባብ ቀሪቡ። መልእኽቲ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያን ከኣ ብሓው ጐይትኦም መብራህቱ ቀሪቡ። ኣብዚ መልእኽቲ እቶም ኣብቲ ማሕበር ተዓቚቦም ዘለዉ፡ ብዝኾነ ኤርትራዊ ክሕገዙ ዝግበኦም ምዃኖም ተንጸባሪቑ። ኣስዒቡ ኩሉ ገቢረ ሰናይ ዝኾነ ዜጋ ድማ ኣባልነቱ ኣብ ማሕበር ከረጋግጽን ኣብቲ ዝግበር ምስዮታት ክንሳተፍን ጸዊዑ።

Goitom Mebrahtu

KIbreab Mesghina

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ካብዚ ዓመታዊ ጽንብል ፈስቲቫል ተፈልዮም ዘይፈልጡ፡ ውፉያት ሰብ ሓዳር ጸሃየ ኣርእኣያን ወይኒ ኣርኣያን ኣብዚ ዓመትዚ ብምብኳሮም ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅር ከም ዝበሎም ጠቒሶም፡ ንኣዳለውቲ ኣመስጊኖም፡  ንብሩህ መጻኢ ዘለዎ ተስፋ  በቲ ብሓው ክብረኣብ ምስግና ዝተነበ መልእኽቶም ገሊጾም።

መልእኽቲ ደገፍን ምሕዝነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲ ለውጢ ከኣ ብሓው ባህታ ሃይለማርያም ቀሪቡ። ኤሃባዲለ  ኣብቲ መልእኽቱ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣመስጊኑ፡ እቲ ዕድመ ነቲ ኣብ መንጎ ፖሓኤን ኤሃባዲለን ዘሎ ዝምድና ከም ዘደልድሎ ጠቒሱ። እቲ ብሓባር ዘበገስናዮ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ምድንጓዩ ጠቒሱ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝቕጽል ኣመልኪቱ ፖሓኤ ዝመያየጥ ኣካል መስሪቱ ይጽበ ምህላዉ ዘተባብዕ እዩ ኢልዎ።

እቲ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣትሓሒዙ፡ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምውህሃድን፡ ሓቢርካ ምስራሕን ተበግሶታት፡ ፍረ ውጻኢት ዘይሕለል ቃልሲ ኩሎም ሃገራውያን ኢዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ኹሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምቅርራብ ጻዕሪ ንምዕዋቱ ቁሩባት’እንተኮንና፡  ዝኾነ ዝውሰድ ተበግሶ ነቲ ዝነበረ ብምፍራስ ዘይኮነስ፡ ነቲ ድሮ ቆይሙ ዘሎ ትካላትን ጥርናፈታትን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝዓለመ ክኸውን ይግባእ።” ዝብል ዘተባብዕ ሓላፍነታዊ መልእኽቲ’ ኣስፊሩ።

Bahta Hailemariam

ኣብ መወዳእታ ድማ “ምስ ፖሓኤ ዘለና ናይ ቃልሲ ዝምድና ንምብራኽ ጻዕርና ቀጻሊ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ብስም መሪሕነት ኤሃባደለ ዕዉት ፈስቲቫል ክገብረልኩም ልባዊ ምንዮትና ክገልጽ ደስ እብለና።” ኢሉ።

ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ፈስቲቫል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣቐዲሙ ነቲ ፈስቲቫል ንዘዳለዉ ኣካላትን ዕድመ ኣኽቢሮም ንዝተሳተፍን ልዑል ምስግና ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ከኣ ካብ ሩሲያ ክሳብ ዩክረይን፡ ካብ ኣሜሪካን እስራኤል ክሳብ ኢራን ከምኡ ድማ ጉዳይ ፍልጥኤምን ወጥሪ  ባብኤልመደብ ከይጋደድ  ዘሎ ስግኣትን ብዝብልከት ጠቒሱ።

ዞባና ድማ ካብ ሱዳን ክሳብ ኢትዮጵያ ብውግእ ሕድሕድ ተሓሚዱ፡ ጎድኒ ንጎድኑ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ትግራይን ኣምሓራን ብጽምዶ ዝፍለጥ ዝምድናታት፡ ብገለ ሸነኻት ከም ንሓባራዊ ምዕባለን ሰላምን ክግለጽ እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ብፍላይ ብስርዓት ኢትዮጵያ ከም ንጸጥታን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተን ተርኽቦ ተገሩ ይረአ ከም ዝሎ ኣመልኪቱ። ኣብ ከባቢና ኣብ ልዕሊ ሃገርና  ናይ ውግእ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ኩነታት ከምዘሎ  ድማ ጠቒሱ።

 ኣብ መንጎ አብ ዶባት ዝነብሩ ህዝብታት፡ ብተብግሶኦም ንሓባራዊ ጠቕምታት ዘገልግል ዝግበር ዝምድናታት ቅቡል ኮይኑ፡ ብሽፋን ህዝባዊ ዝምድና ናብ ውግእን ህልቂትን ዘእቱ ጽምዶ ግን ተቐባልነት ክህልዎ ኣይክእልን፡ ክብል ከኣ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ትግራይን ዝተገብረ ርክብ ዝምልከት ኣስፊሩ።

Ghere Tewolde Chairman

ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝገደድ እምበር ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ብምሕባር፡ ብዛዕባቲ ምስ ገንዘብ ናብ ባንክ ናይ ምእታው ግደታ ብዝተተሓሕዘ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ሻቕሎት ኣብቲ ቃሉ ጠቒሱ። ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ህግደፍ ሓድሽ ፍሉይ ራፖርተር ከይምዘዝ ዘካየዶ ዘይተዓወተ ጻዕሪ ኣዘኻኪሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ግህሰት መሰላት ቀጻሊ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2026 ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ኮንፈረንስ ፖሓኤ፡ ዘይተወገኑ ጉዳያት ንምውጋን ከም ዝተናወሓ ዝሓበረ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ትወልደ፡ ፈዳራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ወፈሪ ዘይቅቡል ምዃኑ ፖሓኤ ኣቐዲሙ ዘነጸሮ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ ምድጋሙ ከምዘየድሊ ጠቒሱ።

ኣብ መደምደምታ መልእኽቱ ን35 ዓመታት ዝኣክል ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝኸፍኤ ኣገባብ እንዳ ኣሳቐዮ እንከሎ ስለምንታይ እዩ እዚ ንናጽነቱ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ነዚ ዘይንቡር ኩነታት ከም ንቡር ጌሩ ዝነብር ዘሎ?፡ ስለምንታይ እዩኸ ግፍዕታት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እንዳተፈጸም ከም ዘይርኣየ ዓገብ ከይበለ ዝነብር ዘሎ?፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ፡ ድሕሪ ዑቕባ ምርካቡ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክመልእን ንመላኺ ስርዓት ገንዘብ ክኸፍልን ዝረአ ዘሎ? ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት ብምቕራብ  መደርኡ ዛዚሙ።  

ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ድሕሪቲ መደረታት ኣብ ክንዲ ሓደ ሓታቲ ካልእን መላሲ መልክዕ ዝሓዘ ኣገባብ  ምውሳድ፡ ዝሰፍሔ ሓሳባት ንምእካብ ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ተኸፊሎም፡ “ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ንምእላይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከመይ ግዲኡ ኣብ ቃልሲ የበርክትን ተቓውሞና ንምዕዋት እንታይን ከመይን እንተገበርና ይሓይሽ?” ንዝብል ሕቶታት ዝምልስ ሓሳባት ንምቕራብ ተመያይጦም ሃነጽቲ ርኢቶታት’ውን ኣቕሪቦም። ኣብዚ መድረኽ ናይ ግዱሳት ግጥምታት ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ መስርሕ ምድላው እቲ ፈስቲቫል ፍሉይ ኣስትዋጽኦ ንዘበርከቱ ድማ ተመስጊኖም።

ሪፖርታጅ፡ ጽንብል ፈስቲቫል ፖሓኤ 2026

 “እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር”  ክሳብ መዓስ?

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወጽዓን ግህሰታትን ሳዕሪሩ ከም ዝጸንሐን ዘሎን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ካብ ዝፍለጥ ክንዲ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ኮይኑ’ሎ። ሕብረተ ሰብ ዓለም ንኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ብዝብል ከም ናይ ወጽዓ ኣብነት ካብ ዝጠቕሳ’ውን ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ተረድኦ ምስራጹ ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓጋዚ እዩ። እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝኸውን ግና ብተግባር ክስነ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።

“ህግደፍ ጸረ መሰረታዊ ረብሓታትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ዝብል ግንዛበ ካብ ውልቃዊ ጽልኢ ዝነቅል፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ምህዞ ዘይኮነ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት  ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ኣሳፊሑ ዘሎ ርኡይ ሓቂ እዩ። ናይ ህግደፍ ብዘይቅዋም ምምራሕ፡ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ዓጺኻ ንመንእሰይ ናብ ግዱድ ውትህድርና ምውሳድ፡ ብሓፈሻ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ምግሃስ ካብቶም ህግደፍ ኣንጻር ባህጊ ህዝቢ ምዃኑ ዘገንዝቡ መርኣያታት እዮም።  እቲ ናይ ወጽዓ ስንብራት ካብ ህይወት ኤርትራዊ ሓሊፉ፡ ንውቅብቲ ኣስመራ ወሲኽካ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዘሎ ምልክት ጉዕዞ  ናብ ምፍራስ ኣዝዩ  ዘሕፍርን ዘሕዝንን ምስሊ እዩ።

ህግደፍ ብተግባር ሰሪሑን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ መሊሱን ብምእማን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ከምዘይክእል ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብኣንጻሩ ብምፍርራሕ፡ ኣንፈት ብምቕያርን ዝተፈልየ ርኢቶ ዘለዎም ወገናት ብምጭዋይን እዩ ከረጋግጾ ክጽዕር ጸኒሑን ዘሎን። ካብኡ ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝኽእሉ ተሃወስቲ ስምዒታት እናመዝመዘ  ክትዘርግ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕልን። እዚ ካብቲ ውሁድ ዓቕምን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ከይጉሕፎ ዘለዎ ስግኣት ዝነቅል ምዃኑ፡ ካብ ህዝብና እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን።

እዚ ሓደገኛ ተንኮል ህግደፍ ክንድቲ ዝተጸበዮ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ  ውልቃውን ግዝያውን ረብሓን ስምዒትን ዝሰኸሩ እምበር፡ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ብዘየማእክል ተሰሊቦም፡ “ናብ ድላይካ ውሰደና ንኺድ ጥራይ” ዝጭርሑ ውሑዳት ኣየጥረየን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝበዘሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ካብ ልቡ ኣውጺእዎ ክነሱ፡ ስቕታ መሪጹ ምህላዉ ከኣ ካብቲ ጉጅለ እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ከም ዝረገአ ማይ ኣጽቂጡ ዘሎ፡ ማዕበል ፈጢሩ እንተተገለባቢጡ ዕድመ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝሓጽር ዘማትእ ኣይኮነን።

እቲ ካብ ቅድሙ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ “ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ክትርዳእ ምኽኣል” ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ሓደ ኩበዖ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ተረድኦኻ ብተግባር ኣሰኒኻ ግዳይ ካብ ምዃን ምድሓን ድማ እቲ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ነዚ እውን ይርደኦ እዩ። እቲ ብቐጻሊ ዝወስዶ ክቱር ምቁጽጻርን ጨካን ተግባራትን ከኣ፡ ተዓብዒቡ ዘሎ ዘይዕግበት ህዝቢ ነዲሩ ገንፊሉ፡ ከይጉሕፎ ካብ ዘለዎ ስግኣት እዩ ዝነቅል። እንተኾነ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡  እቲ ህግደፍ “ከም ቁርን ኣስሓይታን” ዝፈርሖ ወሳኒ ክስተት ኣብ መዓልቱ ከም ዝገሃድ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ግዜኡ ክሳብ ዝነወሐ ዘውርዶ ማህሰይቲ ከም ዝገድድ ተረዲእካ ምቅልጣፍ ምምጻእ ናይቲ ማዕበል   መሰረታዊ ምዃኑ ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ኮነ ውዳበታቱ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ሎሚ’ውን ምስጢሩ ከምዘይወጽእ የማነ-ጸጋሙ ጠሚጡ ዘረጋገጸ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ ህግደፍን እቲ ብሰንኩ ዝወርዶ ዘሎ ድሕረትን ድኽነትን ዝምልክተ ክዛረብ እንከሎ፡ እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር?” እትብል ሓረግ ዝጠቅስ ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራውያን ብደረጃ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ዝዝርግሖ መርበብ ስለያ ይምህምን ከም ዘሎ ዘመልክት ኮይኑ፡ ክሳብ ዝብተኽ ቃልሲ ይሓትት። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ናይታ ዝሓታ ሕቶ መልሲ ካብኡ  እምበር ካብ ካልእ ዝጽበያ ከምዘይኮነት ከቶ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ንከምዚ ዝኣመሰለ ምስምስ ህግደፍ፡ ሓደ እዋን ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን “ኩሉ ክኢልካ ናይ ምጽማም”  ሓልዮት ይውሰድ ነይሩ። ግዜ ምስ ነወሐ ግና ናይ ገዛእ ርእስኻ መሰረታዊ ዋኒን ዘንጊዕካ፡ “ህግደፍ ድላዩ ይግበር” ናይ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ ሕማቕ ኣብነት ጌርካ ይውሰድ ከምዘሎ ህዝቢ ከስተውዕለሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ነቲ ሓልዮት፡ ምጽማምን ትዕግስትን ናይ ህዝቢ ከም ሕመቕን ዘይምስትውዓል ወሲዱ ተጠቒምሉ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣሜሪካ ንራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብ ናታ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሕሳብ ነቒላ እገዳ ህግደፍ ከተልዕል “ድሌት ኣርእያ” ብዝብል ኤርትራ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣጀንዳ ኮይናላ። ህግደፍ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሸንኮለል ኣጀንዳ ብምርካቡ ሕጉስ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣሜርካ ንምሕጓስ ንድሕሪት ተመሊሱ ነቶም ትማሊ ኣብ ብርኮም ዝድፋእ ዝነበረ ሩሲያ፡ ቻይናን ካለኦትን ብምጽራፍ “ናይ ምስልባጥ ባህርያቱ” የርኢ’ሎ። ጉዳዩ ምልዓል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህደፍ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ ኣጀንዳ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታቱን “ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ንታሕቲ” ምህላዉ ርኡይ እዩ።

ብኣንጻሩ ከም  ኣሜሪካዊ ቲቦር ናጂ፡ ነርወጃዊ ክጀቲል ትሮንቮልን ዝኣመሰሉ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ነባራት ክኢላታት ዲፕሎማስን ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ጉዳይ እቲ እገዳ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ናይቲ ድምጾም ማእከል ከኣ፡ “ህግደፍ ብህዝቡ ዘይተኣምነ፡ ናይ ኣሜሪካ ተኣማኒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ብዝብል ንመንግስቲ ኣሜሪካ ጻዕርኹም ኣብ መወዳእታ ብጥልመት ህግደፍ ዝዛዘም ክኸውንዩ ዝብል ስምዕታ እዩ። ናይዞም ክኢላታትን ትካላትን  መንቀሊ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ሓቀኛ እንታይነት ህግደፍ  ዘርኢ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ካብ ስቕታ ወጺእካ ድምጽኻ ኣስምዕ።  ብመሰረቱ ካብቲ ዝጸናሕካዮ ናይ 35 ዓመታት ደረቱ ዝሓለፈ ዘቤታዊ መግዛእቲ ናጻ ንክትወጽእ፡ ድምጽኻ ብናይ ዝኾነ ግዳማዊ ኣካል ዝትካእ ከምዘይኮነ ኣስትብህል። እቲ ድምጽኻ ከተስመዓሉ ዝግበኣካ ብዓብይኡ ካብቲ ተጻዒኑካ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ሓራ ንምዃን ኮይኑ፡ ከም ውግእን ኢድ ኣእታውነትን ዝኣመሰሉ ግዜን መልክዕን እናቐያየሩ ዝመጹ ኣጀንዳታት ህግደፍ እውን ደሃይካ ከተስምዕ፡  እውናዊ ሓላፍነትካ እዩ’ሞ ሃየ ብሓደ ድምጺ ተበራበር። 

ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ትራምፕ ገዲፉ፡ ብዛዕባኡ ግዳ ዘይዛረብ

መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ24 ጉንበት 2026 ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ተዘኪራ ውዒላ። እዛ ዕለት ምስ ዝተፈላለየን ዝተደባለቐን ስምዒታት ኤርትራውያን ክትዝከር እንከላ፡ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም  ሓደ፡ “ኣብታ ዕለት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚኸ  እንታይ ኮን ክብል ኢዩ?” ትብል ነይራ። እቲ ትጽቢት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ነቒልካ ግና፡ “እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ” ዝብል ናይ  ብዙሓት በቲ ተመኩሮ ዝሓለፉ መደምደምታ ነይሩ። እቲ መደረ ከኣ ብመንጽር ኤርትራዊ ውድዕነት ከምቲ ዝተገመቶ፡ “እንተፈታሕካዮስ ጥራይ ቁጻር” ኮይኑ።

ኢሳያስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ኣስታት 22 ደቓይቕ ዝወሰደ  መደረ እዩ ኣስሚዑ።  ኣብ መደርኡ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደሉ ብሓፈሻ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዝብሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ጉዳያት ሃገሩ ከመሓይሽ ዝትስፈወሉ ዝነበረ መራሒ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ትራምፕ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ዘተኮረ ነይሩ። ትራምፕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ሃገራት ንምኽዕባትን ልዕልና ንምርካብን  ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምብኻን ንልቓሕ ኣሜሪካ ክሳብ 40 ትሪልዮን ዶላር ከም ዘብጸሐ ድማ ኣቃሊዑ።

ኣብ ኢራን፡ ቬንዝወላ፡ ግሪንላንድ፡ ኩባ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ይኽተሎ ብዛዕባ ዘሎ ስምዒታዊ ግህሰትን ምዕጻው ወሽመጥ ሆርሙዝን ቁጠባዊ ማህሰይቱን ጠቒሱ። ብፍላይ ተመኩሮ ቨንዝዋላን ኢራንን መግለጺ ዓብልል-ገብት ፖሊሲ ትራምፕ ምዃኑ ኣቃሊዑ። ትራምፕ “ብመን ከማይ” ተነይቱ ዝዕንድርን ኢደወነናዊ ስጉምትታት ብምውሳድ ናይ ዓለምና ሓያል መሲሉ ክቐርብ ነቲ  እንደጋና ኣመሪካ ዓባይ ክንገብራ” ንዝብል ጭረሖ ዝምጥን  ሓይልን ልዕልና ተክኖለጅን ኣብ ባይታ ከም ዘየለ ብምጥቃስ ከኣ፡ ንትራምፕ ኣነኣኢስዎ። እዚ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ንምኽዋል ዝቐረበ ዝመስል ኮይኑ፡ ነቲ መደረ ሰሚዖም ብጥሪኡ “እዋይ ኢሳያስ ንትራፕ ዝገበሮ” ዝብሉ ግሩሃት ኣይተሳእኑን።

ኢሳያስ ንትራምፕ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዝርዝራዊ ኣቀራርባ ብናይ ልኡላውነት ሃገራት ግህሰታትን በይናዊ ስጉምትታትን ክኸሶ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከም ናይ ቬንዝወላ ዝኣመሰለ ከይውሰድ ስለ ዝሰግአ እዩ ዝብሉ’ኳ እንተለዉ፡ “እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ንቡር ዘየብሉ ግህሰታትከ ይስቆሮዶ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ  ተዓዘብቲ እውን ብዙሓት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ “ካብ ብናይ ካለኦት ትወራዘ ናትካ ግዳ ዘይትገብር?” ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዘዛርብ ኣይኮነን። ኢሳያስ ብዛዕባ ኣህጉራን ዞባውን ምዕባለታት ኣይዛረብ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብዛዕባ ዓንዳሪ ተግባራት ትራምፕን ዞባዊ ምዕባለን ክሳብ ክንድዚ ከጭነቕ እንከሎ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ዘቤታዊ ጸገማታን ክሳብ ክንድዚ ዘይምግዳሱ ከኣ፡ ኣተሓሕዛኡ ክሳብ ክንደይ ከም ልማዱ ደገደገ ምባል ይቕጽል ከምዘሎ ዘረድእ እዩ።

እዚ ንኤርትራን ህዝባን ዘሸብር ዘሎ ትምክሕተኛ ዲክታተር፡ ብዛዕባ ብሕጊ ዘይምቕያድን ኣህጉራዊ ስርዓት ዘይምኽባርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ክዛረብ እንከሎስ እቲ በይናዊ “ሕገመንግስቲ ናይ ምስራዝ፡ መንእሰያት ደረቱ  ናብ ዘይፍለጥ ውትህድርና ኣገዲድካ ምእታው፡ ንብዙሓት ኣሲርካ ናብ ፍርዲ ዘይምቕራብ፡ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ከምዘይነብሩ ምግባር”  ትዕቢተኛ ተግባሩ ኣይዝከሮን ኣሎ ማለት ድዩ?፡ ብመንጽር’ዚ ኢሳያስ ዓቕምን ዕድልን እንተዝረክብ ከምቲ ትራምፕ “ካብ ዘቤታዊ ምጥሓስ ሕግታት ጀሚሩ፡ ፈቐዶ ሃገራት ዝዕንድሮ ዘሎ፡  ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይመበለን” ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ነዚ እዩ ዘመልክት። ነዚ ኣካይዳኡ ትምክሕቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ጥዕና ምጉዳል ጸገም’ውን ዘይተፈልዮ ምዃኑ ዝመዝንዎ ተዓዘብቲ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብዛዕባቲ ህዝቢ ብሰፊሑ ክንገሮ ዝተጸበዮ ዞባዊ ምዕባለ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ዘሰክፍ እዩ ኢልዎ። ኤርትራኸ እቲ ብሰንኩ ተዘንጊዑ ዘሎ ዘቤታዊ ጸገማታን ከቢብዋ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋን ቅልውላውን ዘሰክፍ ኣይኮነን ይብሎ ኣሎ ማለቱ ድዩ?፡ ግደ ሓቂ ግና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደን ብዙሓት መልከዓት ዘለዎን ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላዋት፡ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ስለ ዘይተዛረበሉ፡ ካብቲ ኣሳፊሕዎ ዘሎ ኤርትራዊ ባይታ ክውገድ  እዩ ማለት ከምዘይኮነ ተገንዚብካ ካብ ምቅላሱ መተካእታ የለን።

መራሒ ህግደፍ ትብዓትን ልቦናን እንተዝህልዎ፡ እቲ ቅድሚት ሰሪዑ ክዛረበሉ ዝነበሮ ቀንዲ ዋኒን ዘቤታዊ ዛዕባ እዩ ነይሩ። ብመንጽር እቲ ርኡይ ህልዊ ኩነታት ብዛዕባ ዘቤታዊ ኩነታት ኤርትራ ምዝራብ ማለት “መንገዲ ክንጸርግ ኢና፡ ኣብ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ክንሰርሕ ኢና፡ ጽሬት ትምህርቲ ክንሕሉ ኢና፡ ኣብ 2026 መስመራት ማይን ኤክትሪክን ክንዝርግሕ ኢና” ዝብሉ ተሓይኾም ዝተደርበዩ፡ ዓመት መጸት ክስምዑን ብተደጋጋሚ ዝጥለሙን  ናይ ሓሶት ቃል ምእታው ኣይኮነን። እንተኾነ ከኣ ኢሳያስ ብዛዕባቲ ዝፍጽሞ በደላትን መዋጸኦታቱን ዘዛርብ ሞራል ከም ዘየብሉ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝጽበዮ እዩ።

ኣይኮነንዶ ኣብ ከም መዓልቲ ናጻነት ዝኣመሰለ ግዜኡ ሓልዩ ዝመጽእ ምኽንያታዊ ኣጋጣሚ፡  መድረኽ ፈጢርካ እውን ክዝረበሉ ብዛዕባ ዝነበሮ፡ ተደጋጋሚ ፈኸራ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብጐቦጐቦን ነቲ ህዝቢ ብዘይርደኦ ኣሽሙርን ዘይኮነ፡ ብግሉጽን ቀጥታዊ መልክዕን ክዛረበሉን ንህዝቢ ኣቕጣጫ ዘትሕዝ መልእኽቲ ክመሓላለፈሉን መተገብኦ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዝመስል ምዕባለ ከም ዘሎ ዝዝረብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ዛዓብዚ’ውን እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገሮ  እዋናዊ ነይሩ ግና ኣይተገብረን።

ነቲ “ውሽጡ ሕሩር” እንከሎ ዘርእዮ ምዉቕን ፍሱህን ተሳትፎኡ ተዓዚቦም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ንዘቤታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበሎ መሲልዎም ዝግረሙ ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ኢሳያስን ጉጅለኡን ደኣ ምስ ክብሪ ናጽነት ኤርትራ ከም ቁርዲድ ተጣቢቖም ምፍላዮም ኣጸጊምዎ እንተዘይኮይኑ፡  እቲ ምዉቕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ በዓል፡ ንክብሪ እታ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለላ ናጽነትን ንዝኽሪ እቶም ቃሎም ዝተጠልመ ሰማእታት ተዘይኮይኑ፡ ወጽዓ ህግደፍ ንምምራቕ ዝዓለመ ከምዘኮነ ክዝንጋዕ የብሉን።  

ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ትራምፕ ገዲፉ፡ ብዛዕባኡ ግዳ ዘይዛረብ