ህግደፍ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ሰብኣዊ መሰላት ተረቲዑ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ህግደፍ ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ዝፈጸሞም እከይ ተግባራት፡ ብዙሓት እዮም። ናይዚኣቶም ሳዕቤን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ኮይኑ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሰክፎን ዘሻቕሎን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ህግደፍ ንሓያሎ ዓመታት ነቲ ብሰንኩ ዝተፈጥረ “ሓቢእካ ዘይሕባእ” ኣሉታዊ ምስሊ ኤርትራ ክሓብእ ዕባራ ምኽንያታት ክፈጥር ጸኒሑ። እንተኾነ ንዝተወሰነ ግዜ ከደናግር እምበር፡ ንሓዋሩ ክሓብኦ ኣይከኣለን። ስለዚ ምስ ምንዋሕ ግዜን ዘይስልኪ ቃልሲ ኤርትራውያን በሃግቲ ሓርነትን ኩሉቲ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተቐሊዑ ጥራሕ ዝባኑ ወጺኡ እዩ።
“ህዝባ ብዘይሕገመንግስቲ፥ ብዊንታ ውልቀ መላኺ ዝደሃኽ” ዝብል፡ መግለጺ ኤርትራ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። “ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ፍርዲን የለን፡ ተገዲድካ ናብ ውትህድርና ምኻድ ከም ንቡር ተወሲዱ፡ ዝኣመንካሉ ምዝራብን ምጽሓፍን የሰውርን የቕትልን፡ ሰባት ምስተኣሰሩ ብኣኡ ኣቢሎም ሃለዋቶም ይጠፍእ፡ ናጽነት እምነት የለን….ወዘተ” ዝብሉ ናይ ብዙሓት መዲያታትን ብምዕቃብ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ብዝግደሱ ኣካላትን፡ ኤርትራ ክትለዓል እንከላ፡ ከይተጠቕሱ ዘይሕለፉ ካብ ዝኾኑ ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ከኣ “ሓባኢ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ” ከም ዝተሳዕረ ካብ ዘርእዩ ሓደ እዩ።
ናይዞም ዝተጠቕሱ ሰብኣዊ ሃስያታት እኩብ ድምር፡ “ግህሰት መሰረታዊ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ” ተባሂሉ ዝጠቓለል ኮይኑ ኣሎ። ብሓፈሻ ኩሎም እዚ ሰብኣዊ ዛዕባ ዘገድሶም ትካላት፡ ብፍላይ ከኣ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንኩነታት ኤርትራ ቀጻሊ ምክትታል ክገብርሉ ጸኒሖምን ኣለዉን። ከም መግለጺ ፍሉይ ተገዳስነትን ቆላሕታን ናይ ምሃቡ ከኣ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2012 ጀሚሩ ፍሉይ ራፖርተር (special reporter) ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ መዲቡ ብቐረባ ክከታተል ጸኒሑን ኣሎን።
ናይቲ ዝምደብ ፍሉይ ራፖርተር ተልእኮ፡ በቲ ሓደ ወገን ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ እንታይ ከም ዝመስል ኣጽኒዕካ ናብቲ ዝመዘዞ ባይቶ ምቕራብ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ነቲ ባይቶ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዝውስኖም ውሳነታትን ዘቕርቦም ለበዋታትን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣቕሪብካ ፍታሕ ንኽረኽቡ ምክትታል እዩ።
ካብ’ቶም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንኽከታተሉ በብግዜኡ ዝተመዙ፡ ሸይላ ቢ ኪታሩዝ ብ2012፡ ዳኒኤል ክራቨትዝ 2018 ከምኡ ድማ ዶር መሓመድ ዓብዱሰላም ባብከር ብ2022 ሓላፍነት ዝተዋህቦም ክኢላታት ዋላ ሓደ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ናይ ምዕዛብ ፈቓድ ኣይረኸበን። ህግደፍ ነቶም ራፖርተራት ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ክኽልክለሉ ዝጸንሐ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ጨካንን ዘይሰብኣውን ተግባራቱ ስለ ዝፈልጥ ኣበሩ ንምሕባእ እዩ። ምናልባት እውን ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኢንተርኔትን ካልእ ናይ ርክብ መሳለጥያታትን ዕጽዊ ምዃኑ፡ ንሓዋሩ ዝሕበኣሉ መሲልዎ ይነብር። እንተኾነ ኣንጻር ሓድሽ ምዕባለ ዝምክት ዓቕሚ ክህልዎ ስለ ዘይከኣለ፡ እቲ ክሓብኦ ዝደለየ፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ኣይከኣለን። ብፍላይ ከኣ ብሳላ ብህዝቦምን መሰረታዊ መሰላቱን ዝግደሱ ኤርትራውያን ብዝረኸብዎ ዕድል ተጠቒሞም ዘይሰብኣዊ ተግባራት ህግደፍ ንምቅላዕ ዝገበርዎ ዘይተቖጠበ ቃልሲ፡ ሎሚ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተሓብአ የለን።
ህግደፍ ናብ ዝኸደ እንተኸደ ጉዳይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ብሰንኩ ዝተፈጥረ ዋሕዚ ስደተኛታትን መሕለፊ መንገዲ ስለ ዝኸለኦ፡ ብፍላይ እቲ ምምዛዝ ፍሉይ ራፖርተር ክቋረጸሉ ዘካየዶ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ነቲ ዝምደብ ራፖርተር ኣውንታዊ ስራሕ ዝሰርሕ ዘይኮነ፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ህግደፍ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብኣሉታ ዝጸልውን ዕቤት ዝዕንቅፍን ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ዝዓዝዝን ኣምሲሉ ንምቕራብ ዝኸዶ ርሕቀትን ወፈራን ነዊሕን ሰፊሕን እዩ። ጐኒንጐኒ ምስ ምግባእ መበል 62 ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ሶፊያ ተስፋማርያም ኣብ ጀነቫ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባአ፡ ዑስማን ሳልሕ ከኣ ኣብ ኣስመራ ምስ ኣንበሳድራትን ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረ-ሰብን ዘካየድዎ ፈተነ ናይዚ ኣብነት እዩ።
እንተኾነ ሶፍያን ዑስማንን ነቲ ንዝሓለፉ 6 ዓመታ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብዱሰላም ባብከር፡ ናብቲ ጉባአ ዘቕረቦ ሰፊሕን ብመርተዖታት ዝተስነየን ጸብጻብ፡ ዝምክት ሰማዒ ኣዝኒ ስለ ዘይረኸቡ ኣይተዓወቱን። ብዛዕባ’ቲ ፍሉይ ልኡኽ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቶም ኣብ ኣስመራ ኮነ ጀነቫ ዝተገለጽሎም ተጋባእቲ ኣካላት፡ ብዛዕባ’ቲ ዘስካሕክሕ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሶም ብሱል ግንዛበ ከምዘለዎም፡ ሓለፍቲ ህግደፍስለምንታይ ከምዘይተረድኡ ዘገርም እዩ።
ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ክምዘን እንከሎ፡ ብጠቕላላ ኤርትራ ምስ በዓል ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቱርከሚስታንን ቡርማን ድሕሪት እትስራዕ ኮይና፡ ካብ 180 ሃገራት ናይ መወዳእታ ደረጃ ሒዛ ኣላ። ንቑጠባዊ ናጽነትን ምዕሩይ ምምሕዳርን ንበይኑ ወሲድካ ከኣ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 174 ትርከብ፡ ሃገራት ሳብ ሳህራን ካብ ዝበሃላ ድማ፡ ኣብዚ መዳይ ካብ 47 ሃገራት ኣብ መበል 45 ተመዝጊባ ኣላ። ብፍሉይ ኣብ ፖለቲካዊ መሰል 1 ካብ 4 ኣብ ኣብ ሲቪላዊ መሰልን ሓርነትን ከኣ 2 ካብ 60 ከም ዝተዋህባ ነዚ ደረጃታት ዘውጽእ ፍሪዶም ሃውስ (freedom house) ዝበሃል ትካል ይምስክር። ካብዚ ፈለኻ ዘይርአ እቲ ብ1951 ዝተመስረተ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ናይ 2025 ጸብጻቡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ስደተኛ እዩ ምባሉ እውን ሳዕቤን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ዘይዝንጋዕ’ዩ።
ባይቶ ሰባኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ብዝምልከቶ ኣካል ዝቐረበሉ ጸብጻብ፡ ናቱ ትዕዝብትን ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ኣሃዛዊ ናይ መሰላት ጥሕሰታት ደረጃን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዝጸንሐ ምምዛዝ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ንክቕጽል ብምውሳኑ ህግደፍ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተሳዒሩ’ሎ። እዚ ስዕረት ህግደፍ መበገሲ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ኣብ ቃልሲ እምበር፡ በይኑ እኹል ስለ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን በሃግቲ ሓርነት፡ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ናብ ህዝባዊ ዓወት ናይ ምቕያሩ ብደሆ ይጽበየና ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ።

