ትዕቢትን ብደዐን ህግደፍ ብብዙሕ መልከዓት እዩ ዝግለጽ። “ንኤርትራ ኣነን ኣተሓሳስባይ ጥራይ ኢና ዘልለና”፡ ዝብል ስሱዕ ኣተሓሳስባኡ ከኣ ሓደ ካብ መግለጺ እቲ ግናይ ባርያቱ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ነቶም ጭቆናኡ ስዒሮም ሃገሮም ለሚዓ ህዝባ ድማ ሓራ ኮይኑ ናብ ንቡር ንምምላሳ ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣፍልጦ ክነግፎም ዝጸንሐን ዘሎን። ሓደሓደ ግዜ ግና “ዝረአ ምሕባእ” ክጽግሞ እንከሎ፡ ብተዘዋወሪ እሞ ከኣ ምስሎም ብምድዋንን ተልእኮኦም ብምጥምዛዝን፡ ንሓንሳብ ልኡኻት ወያነ ንሓንሳብ ድማ 5ይ መስርዕ ክብሎም ካብ ዝስማዕ ነዊሕ ግዜ እዩ።
ንዕቀትን ምንእኣስን ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ዝተወደቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢርትራ እውን ብቐጻሊ ከንጸባርቖ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ህዝቢ ናብቲ ህውከተኛ መንገዱ ክለኣኾ እምበር፡ ድምጹ ክሰምዕን ሕቶኡ ክምልስን ቅሩብ ኣይኮነን። ከም መግለጺ ናይቲ ኣብያኡ ከኣ ህዝቢ ጸገማት ንክፈትሓሉ ክምሕጸኖ እንከሎ፡ ከምቲ “ሓሚምካ እንተኸድካዮምስ ሞይቶም ይጸንሑኻ” ዝበሃል፡ ተወሳኺ ጸገማት ብምዝርዝራ እዩ ተስፋ ዘቑርጾ። ንህልውናኡ ክግልገለሉ ክደሊ እንከሎ ግና ብሃገራዊ ህልውናን ክብሪ ህዝብን እናተሓብአ ክመጻደቕ ኣይሓፍርን’ዩ።
ህግደፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣምጺእዎ ዘሎ ፍርሒ ዝወለዶ ጐራሕ ቅዲ፡ እቲ ክብሎ ዝደሊ ደሓር “ዕላዊ ኮይኑ ከየሕትተኒ” ብዝብል ኣጉል ፈሊጥ፡ ብልሳን ደገፍቱ ዝበሃሉ ነጠፍቲ መዲያ ምዝራብ እዩ። ኢደ-በይዛኡ ኮይኖም ካብ ዝህውትቱ ሓደ ድማ ኣወል ስዒድ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኣወል ስዒድ ኣብቲ እንተገንጸልካዮ ወተሃደራዊ ምዃኑ ዝቕላዕ፡ ብደጊኡ ግና “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ክበሃል ዝጸንሐ፡ ካብ ዛላንበሳ ክሳብ ሰንዓፈ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ራማ ክሳብ ዓዲ ዃላ ዝገማዳሕ ተዋስኦታት፡ ምስ መጻምድቱ ተጋሩ ክወቕዖ ዝጸንሐ ከበሮ ሓደ መርኣያ ሸፋጢ ምህዞታት ህግደፍ እዩ።
ብወገን ትግራይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዛዕባ’ቲ ርክብ ወግዓዊ መረጋገጺ ከስምዑ እንከለዉ፡ ብወገን ህደፍ ግና ኪኖ ንኣወል ምልኣኽ ካልእ ድምጹ ኣየስመዐን። እንተኾነ ኣወል “እዚ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ናይ መንግስተይ ቃልዩ፡ ኣነ ዝንብቦ ብዝምልከቶም ተጻርዩ ዝወሃቢ እምበር፡ ከም ድላየይ ዝጸሓፍኩዎ ኣይኮነን” ብዝብል ልኡኽ ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ካብ ምምስካር ዓዲ ኣይወዓለን።
ኣቶ ኣወል ስዒድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ኣመሉ፡ “ብልሒ ዝተሓወሶ ጌርና፡ ደገፍትናን ተቓወምትናን ሰሚርና ዓድናን ህዝብናን ክንከላኸል እንኮ ምርጫና እዩ” ዝበላ መልእኽቲ ናይ ብዙሓት መዛረቢት ኮይና’ላ። እቲ ኣዛራብነት “ህግደፍ ነቶም ኣፍልጦ ንምሃብ ክጽየፎም ዝጸንሐ ተቓወምቲ ሓይልታት ብመንገዲ ኣወል ምጥቃሱ እንታይ ማለቱ እዩ ዝብል’ዩ?” ዝብል ሕቶ’ውን ዘኸተለ ኮይኑ ጸኒሑ። ኣወል ኣይኮነንዶ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ “ደግፍትናን ጠቓወምትና” ዝብል ሓረግ፡ ካልእ እውን ብናቱ ተበግሶ ከምዘይጠቅስ ኣቐዲሙ ስለ ዝተናዘዘ ብድሕሪ’ቲ ኣበሃህላኡ ህግደፍ ከምዘሎ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን።
እቶም ሎሚ ኣወል ክጽወዖም ዝደናደን ዘሎ “ኤርትራውያን ተቓወምቲ ”ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገሮምን ክብሪ ህዝቦምን ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን ምዃኖም ስለ ዘይረደኦም ድዩ ሎሚ ጸወዓዮም ተባሂሉ?” ነብሱ ዝኸኣለ ኣዛራቢ እዩ። ህግደፍ ነዞም ሎሚ “ኣንጻር ህልውና ኤርትራን ህዝባን ስለ ዝኾኑ ሓቢርና ንቃለሶም” ዝብሎም ዘሎ፡ ደሓር ተገልቢጦም ሓደጋ ከም ዝኾኑ ኣዚሩ ከይሓሰብ፡ ከሰራስሮም እንከሎ፡ “መንገድኻ ዘይቅኑዕን ደሓር ክቡር ዋጋ ዘኽፍል እዩ” ዝብልዎ ዝነበሩ እቶም ተቓወምቲ ምንባሮምከ ይዝክርዶ ይኸውን? ዝብል ከኣ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ። ህግደፍ ምስ ብልጽግና ክዕንድር እንከሎ ክከታተሉ ዝጸንሑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነበዚ ናይ ሎሚ ኣውያቱ ከመይ ከም ዝመዝንዎስ የስተውዕሎዶ ይኸውን? ኢልካ ክትሓትት እውን ግቡእ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ተቓወምቲ “ምሳይ ኮይንኩም ንሃገርኩም ተኸላኸሉ” ዝመንፈሱ ዘይቀጥታዊ መጸዋዕታ ምቕራቡ፡ “ኮር ተገልበጥ” ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚቲ “በዓል ደሓንን ሓላይን” ተመሲሉ ኣፉ መሊኡ ክወራዘ ምፍታኑ፡ ካብ ንሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ወግዓዊ ኣፍልጦ ምሃብ ጀሚሩ፡ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ከማልኦ ዝነበሮ ቅድመ-ኩነት ከምዘሎ ከስተብህል መተገበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ወለድና “ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝብልዎ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ “ጭቆና ህግደፍ ከመይ ይውገድ፡ ህዝቢ ብኸመይ ኣብ ጉዳዩ ደሞክራሲያዊ ናይ ምውሳን መሰሉ የውሕስ……ወዘተ” ናይ ሓርነት ኣምራት ዝርዳእን ንምትግባሩ ዝቃለስ እምበር፡ ንህግደፍ ኣሚኑ ኣብ ዘዝኾዓቶ ጉድጓድ ዝኣቱ ከምዘይኮነ ክርዳእ ነይርዎ። ደሓር ከኣ ልዕሊ 300 ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጹ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ጨካን ጉጅለሲ ተቓወምቲ ጸዊዑ ዘሰልፍ ሞራላዊ ብቕዓት ካበይ እዩ ከምጽኦ።
ስለዚ ህግደፍ ካብቲ ዝጠሓሎ ናይ “መን ከማይ” ናይ ኣተሓሳስባ ጸቢብነት፡ ትዕቢትን ትምክሕትን ስለ ዘይወጸ፡ ሓቀኛ ሕልና ንዘለዎ ኣካል ናይዚ ብመንገዲ ኣወል ስዒድ ዝተሰምዐ ሃበስቀደስ መልሲ እንታይ ከም ዝኸውን ንጹር እዩ። ምናልባት ግና ከምቲ “በዓል ኢንታስ መስቆርቆሪ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ትርግታ ልቢ ደንበ ተቓውሞ ንምዕቃንን ኣጀንዳ ፈጢሩ ንምክፍፋልን ዝፈነዎ’ውን ይኸውን።
ትማሊ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፡ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ኣበሃህላይ ከኣ ሓሲበሉ’ምበር ናይ ስምዒት ኣይኮነን” ዝብል ዝነበረ መራሒ ህግደፍ፡ ሎሚ መምህር ናይቲ “ካልእ ምርጫ ዘየብሉ ሓቢርካ ምሕላው ሃገርን ህዝብን” ኮይኑ ክቐርብ፡ ዝምልከቶ ኣይኮነን። ከምቲ ግቡእ ቅድሚ ኹሉ በቲ በላዒ ዝጽውዕ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘርኣዮ ወደኽደኽ፡ ብፍላይ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክምዘን እንከሎ ዘሕፍር ዘርባዕባዑ፡ ዝገበሮ ጌጋ ኣሚኑ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕረታ ክሓቶ መተገብኦ። ካብኡ ሓሊፉ ካብ ምፍሓስ ተንኮል ሓሊፉ ብዛዕባ ልኡላውነት፡ ክብሪ ህዝብን ግደ ሓልታት ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይን ክቕይስ ብቕዓት ኮነ መሰል የብሉን።
እንተ ህዝቢ ኤርትራን ዝተወደቡ ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ንጉዳይ ሃገሮም ልኡላውነቶምን፡ ናይ ህግደፍ መጸዋዕታን ኣስተምህሮን ከምዘይጽበይሉ ተመኩሮ ቃልሶም ዝምስክሮ እዩ። ንሱ “ጉዳይ ምምልካት ዶብ ኣብ መሬት ቀዳኣምነትና ኣይኮነን” ክብል እንከሎ፡ ንሳቶም ግና “ቅድሚ ኩሉ ዶብና ደኣ ይመልከት” ይብሎ ከም ዝነበሩ ዓው ኢሉ’ኳ እንተዘይተኣመነ ከምዘይስሕቶ ርዱእ እዩ።

