ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊዮ 14 ንሰላም ሱዳን ጸዊዖም

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊዮ 14 ንሰላም ሱዳን ጸዊዖም

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊዮ 14 ንሰላም ሱዳን ጸዊዖም

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ጳጳሳ ሊዮ መበል 14፡ ኣብ ሱዳን ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ሲቪል ሕብረተሰብ ዝመሓላለፈሉ መንገዲ ንክኸፍትን ናብ ሰብ መዚ እታ ሃገር መጸዋዕታ ኣቕሪቦም፡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ከኣ ኣብታ ሃገር ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ሰላም ዝወሓሰሉ  ኩነታት  ንክፈጥር ተማሕጺኖም።

እቶም ጳጳስ ኣብ ቫቲካን ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ንጸሎት ኣብ ዝተኣከቡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ኢል-ዑበድ ዋና ከተማ ሰሜን ኩርደፋን እናገደደ ይኸይድ ባዛዕባ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ዝሓደሮም ሻቕሎት ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ጳጳስ ሌዮ መበል 14 ኣብቲ ዘስምዕዎ መንፈሳዊ ቃል ኣብ ሱዳን ንዘሎ ዘገርም ኩነታት ብቐጻሊ ከም ዝከታተልዎ ጠቒሶም፡ ናብቲ ህዝቢ ብዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰብ መዚ ሱዳን መተሓላለፊ ስብኣዊ ረዲአት ንክኸፍቱ ክሓቱ ከም ዝተገደዱ ጠቒሶም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣህጉራዊ ሓይልታት ብዘለዎም ዲፕሎማሲያዊ ግደ ውግእ ከም ዝቋረጽ ክገብሩ ከተሓሳስቡን ምእንቲ እቶም ግዳያት ክጽልዩ ክጽውዑን ከም ዝተገደዱ እውን ኣብቲ ስብከቶም ብሰፊሑ ገሊጾም።

ናይዞም ጳጳስ መጸዋዕታ ዝስማዕ ዘሎ እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝምራሕ ውግእ ሱዳን ካብ ዝባራዕ 4ይ ዓመቱ ኣብ ዝሓዘሉ እዩ። ኣብቲ ዜና ከም ዝተገልጸ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ኢል ፋሸር፡ ሰሜን ኩርደፋን፡ ካዱግሊ ደቡብ ኩርደፋንን ካለኦት ከባብታትን  19.5 ሚልዮን ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ጥሜት ወዲቖም ኣለዉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን ኣስታት 9 ሚልዮን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝተሰዱ ከኣ ልዕሊ 4 ሚልዮን እዮም።