ኣብ ኢትዮጵያ  ክካየድ ዝጸንሐ ሕድሕድ ውግእ ንከብቅዕ፡ መስርሕ ትግባረ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝቒጻጸሩ ዓሰርተ ኣፍሪቃያውያን  ጀነራላት  ብሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዝተሰየሙ መርበብ  ዜና ገዳብ/GEDAB NEWS ብ26 ሕዳር 2022 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። እቶም ዝተሰየሙ ጀነራላት ካብ ሃገራዊ ሰራዊት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኬንያን ናጀርያን ዝተዋጽኡ ከም ዝኾኑን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ምዃኖምን እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። በቲ ዜና መሰረት፡ እዞም ጀነራላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዘተሓባብሩ ኮይኖም፡ ምስቲ  ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝመደበሩ ማእከላይ ኮማንድ ፖስት ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ እዮም

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሎም ኣዛታይን፡ ኣባሳንጆ ኣብ ትግራይ ምስ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ሰባትን ተረኺቦም ተመያይጦም። ኣባሳንጆ ኣብዚ ርክቦም ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምልከት ንዝቐረቦም ሕቶታት መሊሶም። ኣብቲ መልሶም እቲ ኮሚተ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ክዛረብ ከም ዝጸንሐ ጠቒስም፡ “ዝኾነ ኣካል ህላወ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ገዛእ መሬቱ ኣይቅበልን እዩ” ከም ዝበሉ እቲ ዜና ገዳብ ኣስፊሩ።

ምስዚ ኩሉ፡ ንምልውዋጥ ምሩኻት ውግእ ብዝምልከት ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘየለ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ። ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ድማ እዚ ናይ ምሩኻት ጉዳይ ዝተሓላለኸ ክኸውንዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ ኤርትራን ትግራይን ኣማኢት ምሩኻት ሒዘን ኣለዋ፡ ኤርትራ ግና ብኹሉ መለክዒ ኣብ ውግእ ትግራይ ከም ዝኣተወት ርኡይ ክነሱ፡ መርገጻ ዘጽቅጥ እምበር ዝኣምን ወይ ዝኽሕድ ኣይኮነን ኢሉ። ጉዳይ ምሩኻት ውግእ ብቀይሕ መስቀል ክተሓዝኳ እንተነበሮ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ሃገር ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምዃኑ ከም ዝተሓላለኸ እቲ ዜና ሓቢሩ።.

ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ኣሜሪካ ኣባላት ዝርከብዎም 9 ሰኔተራት፡ ኣብዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ መስርሕ ዘተ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ  ኣቕጣጫ ኣብ ዝሓዘሉ ወሳኒ እዋን  ደብዳበ ምልኣኾም መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ሓቢራ።  እቶም ሰኔተራት ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተታሒዙ ዘሎ ናይ ዘተ ኣቕጣጫ መሰረት ብምግባር እዮም ቀጥታ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ህጹጽ ደብዳበ ጽሒፎም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ሰኔተራት፡ ኣሜሪካ ኣብዚ  ብ25 ጥቅምቲ 2022 ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ኣካላትን ነዚ ንሰሜን ኢትዮጵያ ዘማስን ዘብርስን ዘሎ ውግእ ጠጠው ንከብልዎ ኣትሪሮም ተማሕጺኖም። እቲ ደብዳበ ብንጹር ውግእን ህውከትን ጠጠው ንክብል፡ ሓይልታት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጹን ሰብኣዊ ኣቕርቦት ብዘይገደብ ክቕጽልን ጸዊዖም።

እቶም ግዱሳት ሰኔተራት መልእኽቶም ዝያዳ ንምትራር፡ እቲ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ንክዕወት፡ “ሓይልታት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይውጽኡ” ንዝብል ርኢቶኦም ብፍሉይ ብምጥቃስ፡ በዂሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቀረብ ብዘይገደብ ክቕጽል ጸዊዖም። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ናብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመዲቡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዘተ ክሳተፉ ፈቐደኛታት ብምዃኖም ከኣ እቲ ጉጅለ ሰኔተራት ኣመስጊንዎም።

ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመዲቡ ዘሎ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕን ካብ ኢጋድ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብደረጃ ተዓዛብነት ዝሳተፍሉ ዘለዉ ዘተ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2022 ክቕጽልዩ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ መሓመት ብ1 ጥቅምቲ 2022 ናብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝጋባእ ናይ ሰላም ኣኼባ ንክሳተፉ  ዓዲመሞም።

ሙሳ ፋቂ ኣብቲ ናይ ዕድመ ደብዳበኦም፡ ንሰላም ብዝምልከት፡ ምስ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምውኽኻስ ክካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ 8 ጥቅምቲ 2022 ዝጅመር ርክብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ከም ዝወሰነን ንክሳተፉ ብኽብሪ ከም ዝዓደምዎምን ጠቒሶም።

እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን  ክግበር ዝተዓደመ ርክብ፡ ናብ ነባሪ ፍታሕ ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ዘተ፡  ቀጻልን ስሩዕን ምእንቲ ክኸውን፡ መትከላት ኣካይዳ ኣኼባታት፡ ዝዝረበሎም ኣጀንዳታትን ናይ ግዜ ኣሰራርዓን ብዝምልከት ኣብዚ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣኼባ ከም ዝዝቲ ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እቲ ናይ ሰላም ዘተ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ቀደም ፕረሲደንት ናጀርያን ኣሊሰንጎ ኣቦኣሳንጆ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ረፑብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ከኒያታን ናይ ረፑብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ቅድም ምክትል ፕረሲደንት ፉምዚየ ሚያምቦ-ንጉካን  እውን ኣዛተይቲ ከም ዝኾኑ ሙሳ ፋቒ  መሓመት ሓቢሮም።

ሙሳ ፋቂ መሓመት ኣብ መወዳእታ ደብዳበኦም፡ ዶ/ር ደብርጽዮን ምእንቲ ሰላም ኢትዮጵያ ክገብርዎ ንዝጸንሑ ጻዕሪ ንኢዶም፡ ንመጸዋዕታኦም ቅልጡፍ መልሲ ብምሃብ ኣብቲ መስርሕ ዘተ ሃናጺ ተሳትፎ ክገብሩ ዘለዎም ተስፋ ኣንቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ካብ 3 ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2022 ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ከም ዘካይዱን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ከም ዝበጽሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።