መቐለ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቓት ሰላም ትግራይን ኣትያ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

መቐለ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቓት ሰላም ትግራይን ኣትያ  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ዋና ከተማ ክልል ትግራይ  መቐለ ብ3 ጥቅምቲ 2026 ብሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን (TPF)ን መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ወሲኹ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተታሕዘት ኣልጀዚራ ሓቢራ። እዚ ዝተፈጥረ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ሕያል ውግኣት ክካየዱ ድሕሪ ምቕናዮም እዩ።

“ሓይሊ ሰላም ትግራይን (TPF)” ኣካል “ሓይልታት ምክልኻ ትግራይ (TDF)”  ዝነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ግና ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ “ሓራ መሬት” ብዝብል፡ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ምዃኑ ይዝከር።

እቲ ናብ መቐለ ዝኣተውሉ ግንባራት ብኣላማጣ፡ ብሰቖጣን ብወገን ዓፋር ኣብዓላን ኣቢሎም ምዃኖም፡ ሓበሬታ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ የረድእ። እቲ ኣብታ ከተማ ዝጸንሐ ሰርዊት ክወጽእን እቲ ተቖጻጺርዋ ዘሎ ሓይሊ ከኣ ክኣቱን ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ውግእ ኣይነበረን። እንተኾነ ኣብቲ ናይ ምስግጋር ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ብሕታውን መንግስታውን ትካላት ናይ ንብረት ስርቂ ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ።

መጻኢ ክልል ትግራይ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኩነታት ከተማ መቐለ ከመይ ከም ዝኸውን ብወገን መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ኮነ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ግና ስግኣትት ሻቕሎትን ፈጡሩ’ሎ።

ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ብወገኑ ኣቐዲሙ ብ2 ጥቅምቲ2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ስዕረት ከም ዘጋጠሞም ተኣሚኑ፡ ሜላ ቀይሮም ቃልሶም ከም ዝቕጽሉ ሓቢሩ።  መሪሕነት ናይታ ክልል ካብ መቐለ ወጺኡ ናበይ ከም ዘበለ ካብ ግምታት ሓሊፉ ርግጸኛ ሓበሬታ የለን።