ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብ28 መስከረም 2026 ካብ ከተማ መቐለ፡ 161 ሰባት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘውጸአ ማዕከን ዜና ሮይተር ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ውግእ ኣብ መንጎ እታ ናይ ውግእ ዞና ተባሂላ ዘላ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ቀጥታዊ መጐዓዝያ ስለ ዘየለ፡ እቶም ግዳይ ኮይኖም ዝጸንሑ ሰባት ብፍልጦ ሰብ መዚ ክልቲኡ ወገናት ብመካይን እዮም ናብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰማራ ተወሲዶም።
እቶም ብመንገዲ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ካብ መቐለ ናይ ምውጻእ ዕድል ዝረኸቡ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ትግራይ እናሓለወ ውግእ ምስተኸፈተ ብዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ፡ ኣብተን ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ተመዲቦም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣባላት ቤተሰቦምን፡ ኣባላት ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ተቖጻጸርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ኣብ ትግራይ ዝነጥፉ ዝነበሩ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ከም ዝርከብዎ እውን ተሓቢሩ።
ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ማሕበር ቀይሕ ምሰቀል፡ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ፡ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ረጽሚ ጸገም ንዘጋጠሞ ሰባት ዘይሻዊ ኮይንካ ምሕጋዝ ሓደ ካብ ተግብራኡ እዩ። እዚ ብስምምዕ ጀነቫ ነቲ ኮሚተ ዝተዋህቦ ናይ ምድሓን ሓላፍነት እዩ።

