ሰራዊት ትግራይ መዓርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺሩ፡ ውግእ ተጀሚሩ፡ መንገዲ ኣየር በረራ ኣቋሪጹ

ሰራዊት ትግራይ መዓርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺሩ፡  ውግእ ተጀሚሩ፡ መንገዲ ኣየር በረራ ኣቋሪጹ

ሰራዊት ትግራይ ነተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቖጻጸረን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ-ትግራይ በረራ ከም ዘቋረጸ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰራዊት ትግራቱ ድማ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ንክወስድ ተኣዚዙ።

ብናይ ሮይተርስ ሓበሬታ መሰረት፡ ሰራዊት ትግራይ ናብ 23 መስከረም 2026 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣኹሱምን ሽረን ተቖጻጹሩ ነቶም ኣብተን መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሓለዋን ምቁጽጻርን  ዝነበሩ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም።

 መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ23 መስከረም 2026 ንግሆ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ክጐዓዙ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንዝተረኽቡ ገያሾ ናብ ትግራይ ንግዜኡ በረራ ከም ዘቋረጸን መዓስ ከም ዝጅመር ከም ዝሕብርን ብምጥቃስን ነናብ ዝመጽዎ ከም ዝመለሶም ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ብ23 መስከረም 2026 ረፋድ ብዘውጸኦ ሓጺር መግለጺ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ትግራይ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ውግእ ከም ዝተኸፍተ ጠቒሱ፡ ሰራዊት ትግራይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ንክወስድ መምርሒ ከም ዝሃበ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እዚ ኩነታት ዝተፈጥረ ነቲ ኣንጻር ብልጽግና ክቃለስ ዝተመስረተ፡ 7 ውድባት ዝኣባላቱ ህዝባዊ ምትሕብባር ንህልውና (ምትሕብባር ንህልውና)  ብወግዒ ምእዋጁን ብሓይሊ ኣየር ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ከም ግብረ መልሲ ተደጋጋሚ ደብዳባት ድሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ምክያዱ ተኸቲሉ እዩ።

ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ክልላት ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዩኒቨርሲታትን ካለኦት ፈደራላዊ ትካላት ካብ ማእከላይ መንግስቲ ብዝምደቡ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ  እየን ዝሕለዋ።