ዘይወግዓዊ መገሻ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ናይ ቅድም ፕርረሲደንት ናጀርያ ኤሊሳንጉን ኦባሳንጆ፡ ብ24 ነሃሰ 2026 ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከም ዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርካባት መንግስቲ ክልል ትግራይ ሓቢሩ። ምብጻሕ ኣቦሳንጆ ኣቐዲሙ ብወግዒ ዘይተሓበረ ኮይኑ፡ ክልል ትግራይ በቲ ድሕሪ ምብጻሑ ፈጺሙ ምስተመልሰ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ኣረጋጊጹ።
ኦባሳንጆ ኣብቲ ርክቡ ምስ ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ዘተ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝቕጽለሉ ኩነታት ምፍጣር ዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ እቲ ብወገን ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ርክብ ናብ ዘተ ንምምላስ ብወገን ትግራይ፡ “ናይ ኢኮኖሚ ማዕቐብን ዕፅዋን ምልዓል፡ ምቁራፅ ወታደራዊ ክባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ምርጋብን፡ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስ፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ድሕንነቶምን ክብሮምን ብዝሓለወ መንገዲን ምምላስ ፖለቲካዊን ሕጋውን መንነት ህወሓት” ዝብል ቅድመ-ኩነት ከም ዝቐረበ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ብወገን እቲ ድርሕሪ ሓደ ክልተ ሰሙን ካብ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መልሲ ሒዘ ናብ ትግራይ ክምለስየ ከም ዝበለ ዝተነግረሉ ኦባሳንጆ ግና ብዛዕባ ናብ መቐለ ምብጻሑ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
እዚ መገሻ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝተኻየደ፡ በቲ ሓደ ወገን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ፡ መዓልታዊ ናይ ድሮን ደብዳባት ኣብ ዘካየደሉ ዘሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብወገን ትግራይ “ህልውናና ኣብ መቓብር ብልጽግና’ዩ ዝረጋገጽ” ብዝብል ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖን ኦሮሞን ካሎትን ተቓወምትን ኣንጻር ብልጽግና ዝፈጠርዎ ጥብሮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣብ ዝበሃለልሉ ዘሎ እዩ። በዚ መሰረት ናብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተመሊስካ ሰላም ንምውሓስ ዘሎ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

