ኢትዮጵያ ኣንበሳደር ኢጣልያ ሰጒጓ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኢትዮጵያ “ዘየድሊ ሰብ (persona non grata)” ብዝብል ኣንበሳደር ኢጣልያ ኣብ ሃገራ፡ ሰሳመ ፋብሪዚ ቅድሚ 10 መዓልታት ከም ዝሰጐጐት ዝተፈለላያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ኣንበሳደር ዝተሰጐ ኣብ ኢትዮጵያ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ድሕሪ ምጽንሑ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።
ናይቲ ኣንበሳደር ምስጓግ ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ክሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ጥራይ ብምስጢር ተታሒዙ ከም ዝጸንሐ ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እንተኾነ እቲ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኢጣልያን ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ፍልልይ ምስቲ ተሃዋሲ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሓሓዝን ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ እቲ ኣንበሳደር ድሕሪ ኣብ ኢትዮጵያ ምምዳቡ ኣሰራርሕ ኤምባሲ ኣብ ዝምልከት ንምምሕዳራዊ ምጽፋፍን ንትካላዊ ምንቅስቓስ ገንዘብን የኽእል’ዩ ዝበሎ ሓያሎ ስጉምታት ክወስድ ጸኒሑ እዩ። ካብቲ ዝወሰዶ ስጉምታት፡ ምትራር ምቁጽጽጻር መስርሕ ኣውሃህባ ቪዛ፡ ጽልዋ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ልዕሊ እቲ ኤምባሲ ምምዕርራይ፡ ዝጸንሐ ብስም እቲ ኤምባሲ ንብረት ምምጻእን ምልኣኽን ብዘይምቁጽጻር ከይካየድ ምእራምን ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ።
እቲ ኣንበሳደር ከምዚ ዝኣመሰለ ትካላውን ዝተወሃሃደን ኣሰራርሓ ብምትእትታዉ ኣብ ዓይኒ ምስ መንግስቲ ዝለዓለ ጽልዋን ምትእስሳርን ምስ ዘለዎምን ኢትዮጵያውያን ባእታታት ኣእትዩ ሓያል ተቓውሞን ነቐፈታን ከጋጥሞ ከም ዝጸሐ ኣብቲ ዜና ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ብፍላይ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅርበት ምስ ዘለዎም ሰባት ክሰሓሓብ ከም ዝጸንሐ’ውን ተጠቒሱ።
ብሓፈሻ መንግስቲ ኢጣልያ ብፍላይ ከኣ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ኣንቶኒዮ ታጃኒ፡ ኣብ ክንዲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ነቲ ምስጓግ ተቐቢሎም ስቕ ምባሎም ናይ ብዙሓት ኣዛራቢ ኮይኑ ጸኒሑ። እዚ ዲፕሎማሲዊ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት፡ ጐኒንጐኒ እቲ ኣብ መንጎ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ ምምጽኡ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ምስቲ ዘይርጉእ ዞባዊ ኩነታት እውን ምጽልላው ከም ዘለዎ ኣብቲ ና ሰፊሩ።

