መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን መራሒ ጅቡቲ ፕረሲደንት ዑመር ገለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ጉዕዞ ስግኣት ይኸውን ንዘሎ ተርእዮታ ብትሪ ኮኒንም፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም ናይቲ ባሕሪ ከም ዝተረዳድኡ ኣል ኣህራም ኦን ላይን (Ahram Online) ዝተባህለት መዲያ ኣፍሊጣ።
እቶም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘጋጥም ብደሆታት ሓቢሮም ብዛዕባ ምምካት ኣብ ዝተመያየጥሉ መድረኽ ምዃኑ እታ መዲያ ሓቢራ። እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብቲ ርክቦም ንኣገዳስነት ሰላም ኣብቲ ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕን ወሽመጥ ዓደንን ዝዝርጋሕ ንግዳዊ መስመር ኣዕሚቖም ተመያይጦም።
መራሕቲ ክሊቲአን ሃገራት፡ ንኣድላይነት ምብርባርን ብግቡእ ከም ዝሰርሕ ምኽኣልን እቲ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብኣባልነት ዝርከበኦ ባይቶ ኣብ ዝምልከት እውን ተመያይጦም። ኣብቲ ምይይጦም ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ዓለምለኻውን ብፍላይ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝዳህሰሱ’ውን ኣል ኣህራም ኦንላይን ሓቢራ።