Print this page

ኣብ ሱዳን ወጻእተኛታት ኣብ መደበር ንምእታውን፡ ሚኒስተራት ምስንባትን

2025-04-19 09:41:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 198 times
Rate this item
(0 votes)

ካብ ምስልታት ከተማ ካርቱም ድሕሪ ውግእ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ጀነራል ካሊል ባሻ ሳይሪን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጽእተኛታት ካብ መንበሪ ከባብታት ናብ ዝዳለወሎም መደበራት ስደተኛ ክውሰዱ መደብ ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ሓቢረን። ናይዚ ስጉምቲ ግዳያት ካብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከም ዝርከብዎም ከኣ ካለኦት ምንጭታት ሓቢረን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሓያሎ ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዝወርዱን እቲ ስጉምቲ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል መንገዲ ንምጽራግ  ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ቅድሚቲ ናይ 23 ማዝያ 2023 ውግእ ሕድሕድ ምጅማሩ 837 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ውግእ ግና ውሑስ ቦታ ንምርካብ ካብኣቶም 266 ሺሕ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ክሳብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ግዜ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ጸገማት’ኳ የጋጥሞም እንተነበረ፡ ካብ መደበራት ወጻኢ ምስ ሱዳናውያን ናይ  ምንባር መሰል ከም ዝነበሮም ጠቒሱ።

እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ካርቱም ኣብ ኢድ ሰራዊት ኣልቡርሃን ምእታዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ዝጸንሑ ወጻእተኛታት ካብቲ ምስ ሱዳናውያን ዝነብርዎ ዝነበሩ ከባቢ ናብ መደበራት ከም ዝውሰዱ ሓቢሩ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ መጻኢ ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር  ብኸመይ ከም ዝነብሩ  ዘመላኽት እዩ ኢልዎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዓሊ ዩስፍን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዑመር በኺትን ካለኦት ሓሙሽተ ዝርከብዎምን ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዘውረደ ተፈሊጡ።  እቲ ስጉምቲ ኣብ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት መንገዲ ዝጸርግ  ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።

ናይቶም ሚኒስተራት ምውራድ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተኣወጀ፡ እቶም ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ክልተ ሚኒስተራት ግና ካብ ስልጣኖም ከም ዝወረዱ ተኣሚኖም እንከለዉ። ብፍላይ እቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ብምውራዱ ሕጉስ ምዃኑ ጠቒሱ ንሃገሩ ዝህቦ ኣገልግሎት ግና ክቕጽለሉ ምዃኑ ምምልካቱ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እዚ ኩነታት፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሱዳናውያን ወገናት ሓቢሮም መንግስቲ ንክምስርቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ለንደን ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝተጋበአ ኮንፈረንስ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነቱ ዕጽዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ።

Last modified on Saturday, 19 April 2025 11:43