“ኤውሮጳዊ ኮሚተ ንወጻኢ ዝምድናታት/ECFR” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ዝሰፈረ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ትግራይ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ከም ዘላ ብምጥቃስን ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ምውጣጥ ኣትየን ከም ዘለዋ ብምሕባርን ክልቲአን ሃገራት ካብ ተግባራተን ከቋርጻ ብትሪ ጸዊዑ። ዝምድናአን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ዝተበላሸወ ዝጠቐሰ እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምድላው ንዝለዓለ ውግእ ከም ዝርከባ ኣመልኪቱ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክተት ክትጽውዕ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ክልል ዓፋር ከበድቲ ኣጽዋር ከም ዘጐዓዘት ኣብቲ ድሕረ ማይታ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝዳህሰሰ ሰፊሕ ተንተና ኣስፊሩ።
ቅድሚ ሕጂ ብ1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ዝጀመረ ውግእ ቀልጢፉ ከም ዝሰፍሓ ዝገለጸ እቲ ጽሑፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ድሕሪ ትግራይ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ 2022 ዝምድናዊ ሰላም ምርካባ፡ ኣብ መንጎአን ሰፊሕ ፍልልይ ተፈጢሩ’ሎ ኢሉ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ንትግራይ ኮነ ካለኦት ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣካላት እውን ዘየቕሰን ኩነታት ምዃኑ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካው ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውግእ ንከምርሓ ጠንቂ ከም ዝኸውን ድማ ብሰፊሑ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ሕብርተሰብ ዓለምን ኮነ ኤውሮጳ እቲ ወጥሪ ክንኪ ካብኡ ሓሉፉ ምሉእ ብምሉእ ንክቋረጽ ክጽዕቱ ምዃኖም ኣዘኻኪቱ።
እቲ ጽሑፍ፡ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ውግእ ከም ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ፡ ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ሻቕሎት ከም ዝፈጥርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ከም ዘስዕብን ብምግንዛብ፡ ደው ንከብሎ ከም ዝጽዕር ኣገንዚቡ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ህውከት ወሲኹ፡ ከም ግብጽን ሩሲያን ንዝኣመሰላ ሃገራት ኢደን ንከእትዋ ኣፍደገ ከይከፍት ከም ዘስግእ ተመልኪቱ። ንዲፕሎማሲያዊ ኩነታት ኤውሮጳ እውን ብደሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዛዕባ ዘሎ ስግኣት ድማ ኣስፊሩ።
እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኣባይን ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያን ብዘለዋ ፍልልይ ኢራን ድማ ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ጉጅለ ሑቲ ብዘለዋ ዝምድና ብዝተሓሓዘ ንኤርትራ ክድግፋን ከዕጥቓን ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣቱ ብምሕባር፡ ብመንጽርዚ ኤውሮጳ ነቲ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ዲፕሎማሲያዊ መሪሕ ግደ ከም ዝህልዋ ጠቒሱ። ኢጣልያ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዘለዋ ሚዛናዊ ዝምድና ብሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን እናተሓገዘት እቲ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ግደ ከም ዝህልዋ ኣመልኪቱ።