Print this page

ኢትዮጵያን ሶማሊላድን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ከቲመን

2024-01-01 20:29:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 396 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን  ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸተሙ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን። እቲ ን50 ዓመታት ከም ዝጸንሕን ድሕሪ 2ተ ኣዋርሕ ቀዋሚ ስምምዕ ኮይኑ ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉን ሰነድ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ቢሂ ኣብዲን ከም ዝተኸተመ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ሰነድ ትሕዝቶ ንናይ ኢትዮጵያ ድሌት ኣፍደገ ባሕርን ናይ ወደብ መማረጽን ዘውሕስ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኢስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ሬድዋ ሑሴን፡ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መርሂ፡ ኢትዮጵያ ብኽራይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዘኽእላ እዩ ኢሎም። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ፈስቡክ ሕሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ ርኢቶ፡ “እቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዝተኸተመ መሰማምዒ ሓሳብ፡ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን መርበብ ዝኸፍት እዩ”  ኢለምዎ።

ኣቲ ዜና ከም ዝተጠቕሶ፡ እቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ኣፍደገ ክኸፍት እዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ስምምዕ  ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ክም እትኣምን ከም መዕቀኒ ክትወዶ ከም ትኽእል ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ስጉምቲ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋቱን ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሰላም ከም እትግደስ ከም ዘረጋግጽን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ወደብ በርበራ ንምጥቃም፡ ምስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ኣብ ስምምዕ ምብጸሓ፡ ምስ ሶማሊ-ሞቃድሾ፡ ጅቡትን ካለኦት ኣካላት ከረሓሕቓ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።

Last modified on Monday, 01 January 2024 21:36