Print this page

መግለጺ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመትን 2026ን ልደትን

2025-12-30 12:15:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 371 times
Rate this item
(0 votes)

እዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2026፡ ናይ ሰላም፡ ጥዕናን ቅሳነትን ክትኮነልና፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገሩን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ።

ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን  ዝረአ ዘሎ  ዓመጸኛ  ደበና ዝበነላ፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነት ቃልሲ፡ ወጽዓን በደልን ህግደፍ ተቐንጢጡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝብና ዝወሓሰላ ዓመት ክትኮነልና፡   ትምኒትና ዕዝዙ  እዩ።

 በዓል ለደተ-ክርስቶስ ብኣቋጻጽራ ግእዝ ከኣ፡ ከምቲ ናይ 25 ታሕሳስ 2025 ልደት፡ ናይ ቅሳነትን ሓጐስን ክኾነልና ብስም ኩሎም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ ትምኒትና ልዑል ምዃኑ ንገልጸልኩም።

ባሕቲ ጥሪ 2026

Last modified on Tuesday, 30 December 2025 16:38