ኢትዮጵያ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ትጽዕር ከም ዘላን ጻዕራ ግብራዊ ክሳብ ዝኸውን ከም እትቕጽሎን ኣቢሲንያ ቢዝነስ ኔትዎርክ (Abyssinia Business Network) ዝተባህለ ትካል ዜና ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ብ18 ነሃሰ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ተበግሶ ናይታ ሃገር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ቁጠባዊ ምሕዝነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣንጻራ ዝካየድ ጸለመ ንምምካት ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ሱጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣባል ብሪክስ ንምዃን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ’ውን ተባሂሉ።
ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቦመንበር ኮሚተ ጉዳያት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ሰላምን ዝኾነ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ሃገሩ ምስተን ኣባል ሃገራት ዓሚቕ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ምትእስሳር ምፍጣር ከም ዘኽእል ምጥቃሱ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣንበሳደር ኣስዒቡ፡ ኣባልነት ምርካብ፡ ምስ ሃብታማት ሃገራት ዓረብ ናይ ንግዲ፡ ወፍርን ምህናጽ ትሕተ-ቅርጻን ምትእስሳር ምድልዳል ከም ዘኽእል’ውን ጠቒሱ። እዚ ተበግሶ ንኣባልነት ኢትዮጵያ ንዘጋጥማ ዘሎ ፖለቲኮ-ጀኦግራፊ ብደሆታት መመከቲ እዩ እውን ተባሂሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ብግብጺ ምስ ኩነታት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተተሓሓዘ፡ ብጌጋ ክትግለጽ ምጽነሓ’ውን ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ መብርሂኡ ምጥቃሱ ተገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣገደስቲ ዞባዊ ዛዕባታት ሓሳባ ብቐጥታ እተቕርበሉን ጌጋታት እተእርመሉን መድረኽ ከም ዝፈጥረላን ካብ ተኸላኻልነት ናብ ኣጥቃዕነት ከም ዘሰጋግራን ከኣ ኣመልኪቱ።
ብቑዕ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ፖለቲካውን ባህላውን መምዘኒ ከምኡ’ውን ጉዳይ ቋንቋ ዓረብ ዝለዓል’ኳ እንተኾነ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ መምዘኒ ኣርሒቑ ብዝጥምት ከም ዝርድእዎ ተጠቒሱ’ሎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ኣብነት ሰባኣውነት፡ ኣብዘሓ ባህልን ሃይማኖትን መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣን ከምኡ እውን ዱልዱል ዝምድና ምስልምናን ክርስትናን ዘርኢ ብምዃኑ ከም ሃብቲ ከም ዝውሰድ ተጠቒሱ።
ዓረብ ሊግ 22 ቀወምቲ ኣባል ሃገራት ዘለዉኦ፡ ብ1945 ብ7 ሃገራት ዝተመስረተ፡ ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ ማሕበር እዩ። ኤርትራ፡ ህንድን ግሪኽን ዝርከበአን 7 ተዓዘብቲ ኣባል ሃገራት ከኣ ኣለወኦ።