ንመላእ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንኳዕ ጾመ-ልጋም ፈትሓልኩም። ጸሎትኩምን ጾምኩምን ኣብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ገባቲ ስርዓት ወዲቑ፣ ፈልሲ ቅዋማዊ ምሕደራን: ግዝኣተ ሕግን: ዲሞክራስን: ዝጥጥዓሉ ዓመት ክኾነልና ንምነ ። ክዉን ንምግባሩ ድማ አእጃምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ ።
ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብሰላም ዝዓርፍ ይግበሮ ።
ሓጎስን ቅሳነትን ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ቅነ-በዓላት ክኾነልና ብልቢ ንምነ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር ፖሓኤ
11 ሚያዝያ 2026