Print this page

ቃል ሓዘን

2021-02-22 10:58:02 Written by  ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in Community Center Read 1753 times
Rate this item
(0 votes)

Condolence Message Amb Adhanom EPF Tብዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መሪር ሓዘን  ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ

ውፉይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰን፡ ምስ ብጾቱ ዓበይቲ ሰውራዊ ቅያታት ዝሰርሐን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ምልካዊ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙ ግዳይ ግፍዓዊ ተግባራቱ ኣብ ዝገበሮ ከኣ፡ ኣንጻር ምልኪ ወጊኑ፡ ንፍትሕን ንሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከይተሓለለ ዝተቓለሰ እዩ።

 ክቡር ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናነበረ እንከሎ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ እዛ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ምዕራፉ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ብሩህ እዩ።

 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዝተሰምዖም ከቢድ ክሳራ እንዳገለጹ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ።  ንስዉእ ኣምባሳደር መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱ፣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ንመላእ ደምበ ተቓውሞን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

Last modified on Monday, 22 February 2021 12:03