Print this page

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ህጹጽ ጸዋዒት ንዘድምዕ ሰላማዊ ሰልፊ

2015-05-02 20:25:57 Written by  ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራያን ንፍትሒ Published in Community Center Read 4482 times
Rate this item
(0 votes)

 

ኣብ ምህናጽ ኤርትራ፡  መራሕትን መሃርትን፡ ቀየስትን ፈጸምትን፡ ተፋላሰፍትን ተማራመርትን፡ ተኻላኸልቲ ልኡላውነትን፣ ክኾኑ ዝግበኦም ኣሻሓት መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ደልሃመት ስደት ንዝወርዶም ዘሎ ቀጻሊ ቅዝፈታት ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

ኣብ ኤርትራ፡ ቅትለት፡ መዋጸኦ ዘይብሉ ጨካን ማእሰርቲ፡ ማሕዩር፡ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ብሓጺሩ፡ ስግር እቲ ጸላም ብርሃን ዘይራኣየሉ ህይወት፡ ቀንድን መሰረታውን ምንጪ ወሓዚ ስደት ኮይኑ ምህላዉ ዓለም ምሉእ ፈሊጥዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተሳቕዩ ይኹን ተጸሚሙ ሕልፈት ዘይረኽበሉ ህይወትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ንዘጋጥምዎ ሓሳረ-መከራን ቅዝፈታትን፡ ተቐርቂሩ ኣብ መጻብቦ ይርከብ`ሎ። ሰብኣውነት ዝሓረሞም ነጋዶ ሰብ፡ ሓረድቲ፡ ገፋዕትን ዓመጽትን፡ ካብ`ታ መጀመርታ ድርኩኺት ገዝኦም ክሳብ ኣብ ምስጋር ማእከላይ ባሕሪ ከጋጥምዎም ዝኽእሉ ሰፍ ዘይብሉ ናይ ሰብን ናይ ባህርን ሓደጋታት ዋላ እናፈለጥዎ፣  ክመርጽዎ ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ተደጋጋሚ ግፍዒታት፡ ብልክዕ፡ ብቐለምን ቃላትን ክግለጹ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ክፍተንን `ውን ኣይግባእን። እቲ ምንታይ? ንዓና ንኤርትራውያን ጠንቅታቶምን ሳዕቤናቶምን  ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩሃት ስለዝኾኑ።  እሞ እንታይ ንግበር?

ልክዕ`ዩ፡  ተኻፈልቲ ናይ`ቱ ኩሉ ስቓያቶምን ህልቀቶምን፡  ብጽሑፍ፡ ሽምዓ ብምብራህ፡ ኣምሪርና ብምሕዛንን ብምንባዕን፡  ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድን፡  ንሓንቲ መዓልቲ ወይ ንሓደ ሰሙን ዘይኮነስ፡ ቀጻሊ ናይ ውጽዓታቶም ድምጽን ምስክርን ክንከውን ሃገራውን ሞራላውን ግቡእና`ዩ።  እዚ ጥራሕ`ዩ ድማ ንወለዲ፡ ንኣሕዋት፡ ንኣሓትን፡ ንቤተ-ሰብን ንምሉእ ሃገርን ጽንዓት ይሃብኩም ኢልና  ጽንዓት ክንኮኖም ምስ እንኽእል ጥራሕ`ዩ ሞሳን ጽንዓትን ዝኾኖም።

ስለዚ፡ ኩለን ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ማሕበረ-ሰባት/ማሕበረ-ኮማት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ምሁራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላት (ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ) መንእስያት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሓደ ተበግሶ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ቅዝፈታትን ጽንታን፡ ብሓደ ንምምካት፡ ኩሉ ዓቕማታትና  መሰረታትናን ኣለዓዒልና፡  ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ኣድማዕን ህጹጽን ሰላማዊ ሰልፊ ንክንገብር ንጽውዕን ነማሕጽንን።

ጽንዓትን ደበሰን ንኹሎም ቤተ-ሰብ- ግድያት ኤርትራውያን!

ርግኣትን ሰላምን ንሃገርና ኤርትራ

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራያን ንፍትሒ

ሰሜን ኣሜሪካ፡ ግንቦት 2፡ 2015

Last modified on Saturday, 02 May 2015 22:28