መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ መወዳእታ ርክብ 16 ጉንበት 2024

ኣብ ዋና ከተማ ባህሬን ማናማ ብ16 ጉንበት 2024 ዝተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምስ ሱዳን ዘለዎ ምሕዝነት ኣረጋጊጹ፡ ንልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይታ ሃገር ዘለዎ ጽኑዕ ደገፍ ድማ ኣንጸባሪቑ።

እቲ መግለጺ ንኣገዳስነት ምሕጋዝ ንቀጻልነት ትካላት ሱዳን እንተላይ ሓይሊ ምክልኻላ ኣዕዚዙ ጠቒሱ። መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ ኣብዚ ኣኼባኦም፡ ነቲ ኣብ 2023 ዝተኸተመ ደክሌረሽን ጅዳ-ሱዕድያ ከም ዝምእዘዙ ጠቒሶም። ደኽሌረሽን ጅዳ ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ መንገዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኽፈትን ድሕነት ሲቪል ሕብረተ-ሰብ ክሕለውን ዝጽውዕ እዩ።

ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ማናማ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳንን ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይልን፡ ከም  ናይ ህጹጽ መፍትሒ ቅልውላው፡ ንመድረኽ ጅዳን ተበግሶ ጐረባብቲ ሃገራትን ክቕበሉ ጸዊዑ። ኣብ ንድፊ እቲ መግለጺ  ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ከየእትዉ ዝጽውዕ ትሕዝቶ’ኳ እንተነበሮ፡ ደሓር ግና  ካብቲ ውዱእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ  ከም ዝተሰረዘ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒ ጉተረዝ ብወገኑ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ከዛይድን እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት ናብ መስርሕ ሰላም ክምለሱን ከም ዝጸውዐ ተፈሊጡ።

 

ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዝያዳ ሓደ ሺሕ ዝኾኑ፡ ካብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓደሽ መደበር ብ3 ማዝያ 2024 ከም ዝሃደሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዞም ኣብ ከባቢ መተማ ኮመር ኣብ ዝበሃል ከባቢ 8 ሺሕ ዝኾኑ ሱዳናያውያን ኣብ ዝሰፈርዎ መደበር ተዓቚቦም ዝነበሩ ሱዳናውያን ዝሃደሙ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዞም ስደተኛታት ንወገን ጐንደር ብእግሮም ጉዕዞ ጀሚሮም፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 43 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ብሰበስልጣን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝተዓገቱ ድማ ተፈሊጡ። ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ኩነታት ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ ነቲ ተበግሰኦም ዝለዕለ ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጠሮ ምዃኑ ጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ተረኽቦ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ከም ዘሎ  ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣስታት 1.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ከም ዝተሰዱን ካብኣቶም እቶም 33 ሺሕ ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደሙን ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበር ኮመር ዝሃደሙ ቅድሚ ሕጂ እውን ብተደጋጋሚ መጥቃዕት መጭወይትን ከጋጥሞም ከም ዝጸንሐ፡ እቶም ግዳያት ንሮይተርስ ሓቢሮም።  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ኩነታት “ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝሃደሙ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወት ናይ ምድሓን ተግባሩ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 ገለ ማዕከናት ዜና ካብቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ግዳያት ኤርትራውያን እውን ከም ዝርከብዎም’ኳ እንተ ጠቐሳ እንተኾነ ኣይተረጋገጸን።

ምክትል ኣመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ/BBC ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፡ ነቲ ህወሓት ምስቲ ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ክሰምር እዩ እናተባህለ ክውረ ዝቐነየ፡ ሓሶት ምዃኑ ብምጥቃስ ነጺግዎ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ህወሓትን ብልጽግናን መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ መንጎ ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብ ከተማታት መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ርክባት ዕላማኡ ንምስማር ዘይኮነ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ቀጻሊ መፍትሒ ንምርካብ ፖለቲካዊ ዘተ ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ኣብ መስርሕ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ጌና ዘይምትእምማን ከም ዘሎ ሓቢሩ፡ ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ ምስቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብጽግና ደሓን ዝኾነ ናይ ስራሕ ዝምድና ከም ዘሎ ኣስፊሩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቶም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምስ ብልጽግና ክሰምር እዩ ኢሎም ዘውርዩ ውዕል ፕሪቶርያ ንከይትግበር ካልእ ኣጀንዳ ክፈጥሩ ዝደልዩ ኣካላት እዮም ኢልዎም።

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ ንምምላስ፡ ኣብ ራያን ዞባ ምዕራብ ትግራይን ተመስሪቱ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ብፈደራል መንግስቲ ይፈርስ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሓቂ ከምዚ እንከሎ፡ ሰራዊት ትግራይ  ንከባቢ ራያ ብሓይሊ ንምሓዝ ውግእ ኣካይዱ ዝብል ወረ፡ ኮነ ኢልካ ነቲ መስርሕ ንምዕንቃፍ ዝንዛሕ ሓሶት ምዃኑ’ውን ኣቃሊዑ።

ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ውዕል ፕሪቶርያ ከይፈርስ እሞ እቲ ውግእ ከይድገስ ስግኣቶም ይገልጹኳ እንተለዉ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ግና እቲ ደማዊ ውግእ ንከይድገም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ህግደፍ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከተማ ሪጅስዊክ 25 ጉንበት 2024 ሓሲብዎ ዝነበረ ናይ ዳንኬራ መደብ ከም ዝተስረዘ፡ ኦምሮየብ ዌስት ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ንከንቲባ ናይታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ሳሂን ዝተባህለት ናይ ከተማ ሪጅስዊክ   ከንቲባ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ከምዚ ዓይነት ኣስታት 800 ሰባት ዝሳተፍዎ ጽምብልን ኣኼባን ኤርትርውያን ዘይተደለየ ሽግር ክፈጥር ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024  ኣብ ዘ ሄግ ሆላንድ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ። እታ ከቲባ ኣተሓሒዛ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ኣኼባ ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ከተማ ክግበር ከምዘይከኣል ኣረዲኣ።

እቲ ካብ መርበብ ኦምሮየብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፡  ዋላኳ ኣዳለውትን ኣካየድትን ናይቲ ፌስቲቫል እቲ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋት ንኡስን ክቆጻጸርዊ ዝኽእሉን ከም ዝኾነ ከረድኡ እንተጸዓሩ፡ ምምሕዳር ከተማ ሪጅስዊክ ግና ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ከም ዘይቅበሎ ናይታ ከተማ ምምሕዳር  ወሃቢ ቃል  ሓቢሩ።

ዋላኳ ዋና ናይቲ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት 2024 ንዘልዎም መደብ ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ፡ እቲ መደብ ተቐባልነት ንክረክብ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ጥርዓን እንተቕረበ፡ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ግና ጥርዓኑ ከጽድቖ ፈቓደኛ ከምዘይኮነ ብ23 ማዝያ 2024 ውሳነኡ ኣፍሊጡ ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካናዳ ከምኡ'ውን እስራኤል ዝተላዕለ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝብድህ፡  ህዝባዊ ማዕበል ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ስርዓት ህግደፍ  ኣብተን ንዓሰርተታት ዓመት ዝዓንድረለን ሃገራት ከይተረፈ ከቢድ ብድሆን ተቓውሞን የጋጥሞ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ።

ኤርትራዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ብ21 ማዝያ 2024 ኣብ ሃገር ኣወስትርያ ከተማ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቀዳመይቲ ከም ዝወጸት ነቲ ውድድር ዝሰረዐ ኣካል ኣፍሊጡ። ኣብዚ ውድድር ኬንያውያን ተወዳደርቲ 2ይትን 3ይትን ክወጻ እንከለዋ፡ ካልእ ኤርትራዊ ኣትለት ሄኖክ ተስፋይ ድማ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን 6ይ ከም ዝወጸ ካብ X/ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ናዝሬት እዚ ኣብ ቬና ዘመዝገበቶ ውጽኢት ኣብ መጻኢ ኣብ  ዝካየደ ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ክትሳተፍ ከም ዘኽእል እውን ተፈሊጡ።

እዛ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ኣትለት ነቲ 42 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ቀዳመይቲ ኮይና ክትውድእ ዝወሰደላ ግዜ 2 ሰዓታ፡ 24 ደቓይቕን 8 ካልኢትን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ናዝሬት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 4ይቲ ወጺኣ ዝነበረት ብደረጃ ኤርትራ ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኣትሌት እያ።

እቲ ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን መኽሰብ ኣልቦ ትካል ዝዳሎ፣ ብኣባላት  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ፡ ክእንገድን ክካየድን ዝጸንሔ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት፡ ሎሚ ዓመት’ውን ካብ 09 ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን  ብኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ምስንዳእን ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት፡ Goethe-Universität Frankfurt  Bockenheimer warte, MertonStr. 26-28  D-60325 Frankfurt am Main ዝርከብ ኣዳራሽ ከም ዝጋባእ ካብ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2024 ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ(ኤስሃግ) ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፣ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝቖመ ጥምረት ፖለቲካዊ ኣካላት እዩ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2024፡ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝካየድ ኮይኑ፣ ውጽኢት ናይቲ ብዓወት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ ኣብቲ ፈስቲቫል ክብሰር ምዃኑ እንዳሓበርና፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብጉዳይ ሃገሮም ንምዝርራብ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንጽውዕ።

በዚ መሰረት፡ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ ተቐማጦ ጀርመን፣ ርክብና/ቆጸራን ዕለት 09 ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ኣብዘሎ ግዜ  ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ይኹን።

ዝርዝር መደባት ፈስቲቫል ክስዕብ እዩ።

ብዳሓን የራኽበና።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ውግእ ትግራይ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ብኸመይ ተሓተቲ ይኹኑ ዝብል ዛዕባ ኣከራኸርቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ እዩ። ነዚ ጉዳይ ከጻሪ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ተመስሪቱ ዝነበረ ኣጻራይ ኣካል ስርሑ ምስ ኣቋረጸ፡ ከም መተካእታ ኮይኑ ቀሪቡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክዝረበሉ ዝጸንሐ መተካእታ “ብናይ መሰጋገሪ ፍትሒ መስርሕ ክረአ” ብዝብል  ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ተግባር ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ቆይምሉ ክረአ ዝብል ሓስብኳ እንተነብረ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ብ17 ማዝያ 2024 ብዝወሰኖ መሰረት እቲ ገበን ዝረኣየሉ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ፍሉይ መጋባእያ ንክኽፈተሉ ዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ውሳነ ዝተወሰነሉ መድረኽ ጉዳይ ብናይ ውግእ ገበንን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተላዕለን፡ እቲ ገበን ዝፈጸምሉ ቦታ ኢትዮጵያ ሰል ዝኾነ፡ ዋላ ኣብ ዘይህላወኦም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ይረአ ምባሉ፡ ጋዜጣ ሪፖርተር ንውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ብምጥቃስ ኣብ ናይ 21 ማዝያ 2024 ሕታማ ኣፍሊጣ።

እዚ መስርሕ ብዙሓት ዝምልከቶም ምዕራባውያን ሃገራት ኣህጉራዊ ትካላትን ከይተረፉ ተቐባልነት ረኺቡ ንክቀላጠፍ ዝድፈኣሉ ዘሎ እዩ።   እንተኾነ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ኣብቲ ገበናት ተሓታቲ እናሃለወ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝካየድ መስርሕ ምጽራይን ፍርድን ፍትሓዊ ኣይክኸውንን እዩ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ብዙሓት እዮም።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር 2024 ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ሱዳን ቅድሚ ውግእ ዝነበረቶ ኩነታት ምምላስ ከምዘየለ ኣፍሊጡ። መግለጺኡ ብምቕጻል ድማ እቲ ንሱ ዝምርሖ ልኡላዊ መንግስትን መሰጋገሪ መንግስትን ክበሃል ዝጸንሐ ኣገባብ ከም ዘብቀዐ ጠቒሱ፡ ሎሚ ሱዳን ኣብ ዝተፈልየ መንገዲ ከም ዘላ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ካብ ወርሒ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሕድሕድ ውግእ፡ “ምእንቲ ወላዲት ሃገር ዝካየድ ናይ ክብሪ ውግእ እዩ” ኢሉ፡ እዚ ኩነታት ንሱዳን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእትዋ መበገሲ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣብዚ ተሪር ዝተባህለ መግለጺኡ፡  “ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ የለን” ከም ዝበለ ድማ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።

ነቲ መደረ ዝተኸታተሉ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝሃዎ ርኢቶ፡ መግለጺ ጀነራል ኣል-ቡሃን አቲ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ እሞ እቲ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ንቡር ክምለስን ሰራዊት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን  ኣካል ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ክኸውንን ንዝነበረ ተስፋ ዘጸልምት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ኣብ 15 ማዝያ 2024 ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት እናተገብረ እንከሎ እዩ።

ማእከላይ ትሕዝቶ ናይዚ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ዝተሰምዐ መደረ፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ንዘይምምላስ ምዃኑ ዝጠቐሱ  ወግናት፡ ዕላማ ኣል-ቡርሃን፡ ምስቲ “ተቐዱም” ዝበሃሉ ሲቪል ሱዳናውያን ዝተጠርነፍሉ ወገን እውን ንዘይምቕባል እዩ። ብናይ ብርሃን እማመ፡ ነቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዝምራሕ ተወርዋሪ ሰራዊት ሱዳን ብውግእ ስዒሩ፡ ድሕሪኡ ኣካሉ ዝነበሩ ውልቀሰባት  ዕጥቆም ብምፍታሕ ኣካልቲ ንሱ በይኑ ዝምስርቶ መንግስቲ ክኾኑ ምፍቃድ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምብራቓዊት ከተማ ሱዳን ገዳርፍ፡ ብ9 ማዝያ 2024 ብድሮን ከም ዝተደብደበትን ኣብኣ ዝነበሩ ኣስታት 400 ሺሕ ተመዛበልቲ ሱዳናውያን ኣብ ጸገም ከም ዝወደቑን ተፈሊጡ። እዚ ስዒሩ ስልጣን በይኑ ከም ዝጥቕልል ዝመደረ ዘሎ ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ብኤርትራ፡ ግብጽን ሳዑዲ ዓረብን ዝሕገዝ ዘሎ ወገን ሱዳን ምዃኑ ይፍለጥ።