Print this page

ልኡኻት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ኬንያ ከም ዝራኸቡ ገሊጾም

2022-06-16 22:03:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 907 times
Rate this item
(0 votes)

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክዛተዩ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ብኸምዚ ደረጃ ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ክገልጹ ናይ መጀመርታኦም እዩ። እዚ ዝተገልጸ ቀዳማይ ሚንሲተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ብ14 ሰነ 2022 ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) መስርሕ ዘተ ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ተሓቲቱ  ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቱ ክዛተ ቅሩብ ምህላዉን ንመስርሕቲ ዘተ ተጽንዕን ትመርሕን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን ትምእከል ኮሚተ ኣቚሞም ትሰርሕ ከም ዘላን ሓቢሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብ15 ሰነ 2022 ንዝተፈላለዩ ኣካላት ብደብዳበ ኣብ ዘፍለጦ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኬንያ ክራኸቡ ብዝተሰማምዕዎ መሰረት፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቅሩባት ምህላዉ ኣፍሊጡ።  ዶ/ር ደብረጽዮን ብቐጥታ መልእኽቱ ዝሰደደሎም ኣካላት እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረሲደንት ኬንያ፡ ፕረሲደንት ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ፕረሲደንት ታንዛንያን እዮም። ብቅዳሕ ድማ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳን ኣንበሳድር ኣሚሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዝርከብዎም ወገናት ልኢኹ።

ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ኣብዚ ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ዝገልጽ መልእኽቱ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ስቕታ ብምምራጽን ንመትከላት ናይቲ ሕብረት ብምጥላምን ግደኡ ከምዘይተጻወተ ጠቒሱ። በቲ ኣብ መንጎ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኤሊሰንጎ ኣባሳንጆን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዕጉባት ከምዘይኮይኑ ጠቒሱ፡ እምነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ዘተ ክመርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ ግና ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገን ትግራይ ኣብ ሰብኣዊ መሰል፡ ዲሞክራስን ተሓታትነት ዝተመስረተ ዘተ ክካየድ ከም ዝደልዩ ብምጥቃስ፡ ዘይግሉጽ ዘተ  ግና ከምዘይድግፉ ኣፍሊጦም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዶ/ር ደብረጽዮን ክልል ትግራይ ንዘተ ዘለዎ ቅሩብነት፡ መሰረታዊ ዕላምኡ ምዝንጋዕ ወይ ካብ ሕመቕ ዝነቅል ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።

ድሕሪ ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ብወግዒ ምግላጾም፡ ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊ ወገናት “መንዩ ምስ ትግራይ ዝዛተ?” ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር፡ ኣንጻር ኣምሓራን ዓፋርን ብተናጸል ኣይኮነን ተዋጊኡ” ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ። እዚ ድማ እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ከም ዝካየድ ዘመልክት እዩ። እንተኾነ ኣምሓራን ዓፋርን እውን ነብሶም ክኢሎም ተዛተይቲ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል፡ ምስ ርኢቶ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይሰማማዕ ሓሳብ ብብዙሓት ይንጸባረቕ ኣሎ። ተሳትፎ ኤርትራ ኣብዚ ዘተኸ “ከመይ ክኸውን እዩ?” ዝብ ሕቶ ዘቕርቡ ወገናት’ውን ኣለዉ።

እዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ “ኣይዕወትን እዩ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት ብዙሓት እዮም። ከምኡ ካብ መበሊኦም ምኽንያት ኢሎም ካብ ዝጠቕስዎ፡ መጻኢ ዕድል ወልቃይትን ራያን ኣብ ዝምልከት ዘሎ ዝተረሓሓቐ መርገጻት እዩ።

እዚ ካብቲ ዶ/ር ኣብይ “ምናልባት ድሕሪ 2ተ ሰሙን ተኸታተሉ” ዝበሎ ወጻኢ ብርግጽ መዓስ ከም ዝካየድ ዘይተነጸረ ዘተ፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ታንዛንያ ክካየድ እዩ ዝብል ሓበሬታ ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 17 June 2022 00:25