Print this page

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ፡ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2019-11-03 13:04:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2533 times
Rate this item
(0 votes)

ማእከላይ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ2 ሕዳር 2019 ብኣቦመንበሩ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝመርሐ ፍሉይ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ማእከላይ ባይቶ ኣብ ኣኼባኡ፡ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ኣገዳሲ ሓሳባት ብምትእትታውን ምምሕያሻት ብምቕራብን ናይ ነፍሲ ወከፍ ፍጻሚ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣጽዲቑ።  ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ናይቲ ኣቐዲሙ ብፈጻሚ ሽማግለ  ዝተዳለወ ንድፊ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ቅዳሓት ተዘርጊሕሎም ኣብ ልዕሊ ምጽንሑ፡ ኣብዚ ኣኼባ ብነፍሲ ወከፍ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መእተዊ እናተገብረሉን ኣብ መወዳእታ ብኣቦ-መንበር መጠቓለሊ ሓሳብ እናተዋህበሉን እዩ ፡ ሓደ ብሓደ ተመያይጡ ኣጽዲቕዎ።

ባይቶ ንትሕዝቶ እቲ ዓመታዊ መደብ ኣብያተ-ጽሕፈት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኣተገባብራኡ ስልትታትን ንነፍሲ ወከፍ  ቤት ጽሕፈት ዝተመደበሉ ዓቕሚ ሰብ እውን ብግቡእ ርእዩ ኣጽዲቕዎ። ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ብወገኖም ኣብ ነናይ ቤት ጽሕፈቶም ዓመታዊ መደብ ንዝተሓተ ሕቶታት ኣብሪሆም፡ ብኣባላ ባይቶ ንዝቐረቡ ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን ከኣ መዝጊቦም። ኣብቲ መደብ ዕዮታት፡ ምዕዛዝ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ምድንፋዕ፡ ስርርዓዊ ስረሓት ምስፋሕ፡ ዜናዊ ዓቕሚ ምምዕባል፡ ዲፕሎማሲታዊ ርክባት ምስፋሕን፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ክልተኣውን ካብኡ ንላዕልን ሓባራዊ ስራሓት ንምሕያል ምቅላስን ካብቶም ዝያዳ ቆላሕታ ዝተገብረሎም እዮም።

ብዘይካዚ፡ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባዚ፡ ኣብ ቅዋም ዝተመርኮሰ ማእከላይ ባይቶ ኣብ መጻኢ ኣርባዕተ ዓመታት ዝምረሓሉ መሰልን ግቡእን ኣባል ባይቶ ዘነጽር፡ ውሽጣዊ ሕጊ ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ኣብዚ ዛዕባዚ እውን ባይቶ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ነቲ ክሳብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ሕጊ ባይቶን ቅዋም ሰልፍን መሰረት ገይሩ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዘርጊሕዎ ዝጸንሐ እሞ፡ ኣባላት ባይቶ ብርኢተኦም ከማዕብልዎ ዝጸንሑ ንድፊ  ድሕሪ ምምይያጥ እዩ ኣጽዲቕዎ።

ኣብ መወዳእታ ባይቶ ብድምር ነቲ ዓመታዊ መደባት ኣብያተ-ጽሕፈትን  ባይቶ ዝምረሓሉ ውሽጣዊ ሕግን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብድምጺ ብምጽዳቕ ኣኼባ ተደምዲሙ። ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ እዩ ዝካየድ ክኸውን ከሎ፡ ከም ኣድላይነቱ ፍሉይ ኣኼባታት ድማ የካይድ።

Last modified on Sunday, 03 November 2019 14:36