ብዕለት 05 መጋቢት 2018 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስደተኛታት ሃገር ሽወደን እቲ ብሰንኪ መንነት ምርግጋጽን ፓስ ፖርት ኤርትራ ብዘይ ምምጻእ ክንጸጉ ዝጸንሑ ( ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ምጥርናፍ ስድራቤት ክጽበዩ ዝጸንሑን ዘሎዉን) ብናይ DNA መርመራ ክካየደሎም ኣሎዎ ዝብል ዉሳኔ ወሲኑ። ደጊም ናብ ኤምባሲ ህግደፍ ምኻድን 2% ምኽፋልን ከም ዘየድሊ ብጻዕሪ ገበርቲ ሰናይ ሃገር ሽወደንን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ጻዕሪ ከም ዝተዓወተ ተሓቢሩ። ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር ከተማ ዮተቦርግ ( ኤርትራ ኣብ ልብና !!! ) ምስ ዝምልከቶም ብምርኻብ ቀጻሊ ርኽክባት ኣብ ምክያድ ይርከብ።