ብዕለት 12 ሕዳር 2017፡ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት (ወጻኢ ቤት/ጽ) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቲ ቦታውያን ሽማግለታት እተሳተፍዎ ስሩዕን ኣገዳስን ኣኼባ ብዘመናዊ መራኸቢ እናተጠቕመ ኣካይዱ። ከም ዝፍለጥ፡ ቦታውያን ሽማግለታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት ሰዲህኤ፡ ኣብ ጨንፈራት ሰልፊ ኣብ ዝርከብኤን ሃገራት ዝቖማ ኢየን።
እዚ ን8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ስዒቡ እተጋብኤ ኣኼባ ምምሕዳር፡ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት እናተመርሔ፡ ስፍሕ ዝበለ ኣጀንዳታት ዳህሲሱ። ንሱ ከኣ፡ 1) ሓበረታ ንጥፈታት ካብ ዞባውያን ወከልቲ፣ 2) ናብ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ካብ ዝቐረበ ጽማቚ ናይ 2016-2017 ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት፣ 3) ብ8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝጸደቐ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ን2017-2018፣ 4) ቅርጻዊ ምትዕርራይ ቦታውያን ሽማግለታት፣ 5) ጊደ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ኣብ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ነይሩ።
ምልውዋጥ ሓበረታታት/ጸብጻባት
ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ፡ ካብ ነፍስ-ወከፍ ኣወሃሃዲ ቦታዊ ሽማግለ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ዝቐረበ፡ ንንጥፈታት ሽማግለን ሃለዋት ሰልፍን ዝገልጽ ጸብጻባት ሰሚዑ። ቀጺሉ፡ ጸብጻብ ናይ ዓመተ ስራሕ 2016-2017 ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ። ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ካብ እተጠቕሰ ኣሃዛት፡-
ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ንዓመተ-ስራሕ 2017-2018
ከም ዝዝከር፡ ቀንዲ ዕማማትን ሓላፍነትን ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ንራእን ዕላማታትንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፣ንራእይን መትከላትን ፓለቲካዊ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣብሓፈሻ፡ ንደገፍቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና ሃገራትን፡ ሰልፍታትን፡ ማሕበራትን ኣብ ርእሲ ምብራህ፡ ንኩሉ-ሸነኻዊ እንታይነት መላኺ ስርዓትን ግህሰታቱን ምቅላዕ ኢዩ። መሪሕነት ሰልፊ ዘጽደቖ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ከኣ ነዚ ሓላፍነታት እዚ ዘንዘባርቕ ኢዩ።
ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ነቲ መደብ ዕዮ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ቦታውያን ሽማግለ ናተን ኲነታት ብዝፈቕዶ ኣገባብ ከስፍሕኦን ኣብ ግብሪ ከውዕልኦን ወሲኑ።
ቅርጻን ጊደን ቦታውያን ሽማግለታት፣
ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት፡ ብዝሒ ኣባላት ናይ ቦታዊ ሽማግለታት ከምቲ ዝጸንሐ ትጽቢት ቤት ጽሕፈት ከምዘይሰርሐ መዚኑ። ካብዚ ብምንቃል፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ውይ ዞባ ዘሎ ኲነታት ተጸኒዑ (ከከም ኲነታቱ) ብውሑዳት ኣባላት ዝቖመ ቦታዊ ሽማግለታት ከም ዝህሉ ክግበር ወሲኑ። ምስ ጨንፈራት ሰልፊ ብምውህሃድ ከኣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ከም ዝሳተፍ ክግበር ኢዩ።
ከምኡ'ውን ንመደብ ሓባራዊ ዕዮ ንምዕዋት፡ ምስ መሓዙት ማሕበራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ጥቡቕ ርክብን ሓባራዊ ንጥፈታትን ምክያድ ካብ ቀዳምነታት ቦታውያን ሽማግለታት ክኸውን ኢዩ።
ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት፡ ንመስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህብኦ ከም ዝግባእ ኣኼባ ተረዳዲኡ። ቀንዲ እተጸቕጠሉ ነጥቢ ከኣ፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ኤርትራ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ጠርኒፉ መተካእታ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ ኣሻቓሊ ጒዳይ ምዃኑ ኢዩ። ካብዚ ብምንቃል፡ ክሳዕ ናይ 2019 3ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ሰልፍና ሓደስቲ ኣባላት ብብዝሒ ክጥርንፍ እተዓጻጸፈ ጻዕሪ ክገብር ከም ዘሎዎ ተመዚኑ። ከም ሓበረታ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝጸንሐ ቦታዊ "ቅልውላው" ድሮ ተሰጊሩ፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ናህሪ ዝወሰኸ ምሕዳስ ሰልፊ ከም ዘሎን፡ ኣብ ከባቢ ካናዳ ጥራይ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሓደስቲ መንእሰይ ኣባላት ኣብ ሰዲህኤ ይጽንበሩ ከም ዘሎዉን ተገሊጹ።