Print this page

ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጒዳያት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።

2017-11-05 11:32:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2466 times
Rate this item
(0 votes)

እዚ ብዕለት 4 ሕዳር 2017 ካብ ሰዓት 8.00 ምሸት ክሳብ 10.00 ምሸት ብናይ በርሊን ግዜ ዝተኻደ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጒዳያት ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታትን ሓበረታ ሰልፋዊ ጉዳያትን ተዛሪቡን ውሳኔ ንዘደልዮም ድማ ወሲኑን ኣሎ።

ብመጀምርያ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንገንዘብን ንብረት ዝምልከት ዝወስኖምን ንፈጻሚ ሽማገለ ዝሃቦ መምርሕን ብሓፈሻ ድሕሪ ምርኣይ: ብፍላይ ድማ ፈጻሚ ሽማገለ ነዚ ናይ ስራሕ ዓመት መደብ ዝመርሕ ዘቖሞ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጒዳያት: ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳይ ንዘቕረበ ዓመታዊ ንድፊ ስራሕ ብፈጻሚ ሽማገለ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ናብ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ  ዝተማሓላለፈ ውሳኔ ዓመታዊ መደብ ስራሕን: ሓደ ብሓደ ብምርኣይ ነቲ 6 ዓናቕጽ ዝሓዘ ውጥንን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ድሕሪ ምዝታይ: ንናይ ነብሲ ወከፍ ክፍሊ ዕማም ርእዩ ንኣተጋብርኦም ዝምልከት ድማ መምርሒ ሰሪዑ። ብተወሳኺ ጠቕላላ ተቛጻጻሪ ሰልፊ ዕማማቱ ኣብ ምስላጥ ዝሕግዝ መስኖ ከጣጥሕን ኣብ ኩሉ ትካላት ሰልፊ ዝህልዎ ናይ ስራሕ ምውህሃድን ድሕሪ ምዝታይ: ካብ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ዝሕተት ቐረባን ቅልጡፍን መስመር ኣሰራራሐ ንከማልእ ድልዊ ምህላዉን ከምዝጥቀምን ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ምምሕዳር ተመልኪቱ።

ገንዘባዊ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ንሓድሽ ኣባል ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳይ ሓው ጸሃየ መሓሪ ንናይ መጀመርያ ስርሑን  ኣኼባኡ ኣብዚ ምምሕዳርን ኲሎም ዝጸንሑ ኣባላት ምምሕዳር ብኽብሪ ብምቕባል ንቕጻሊ ንናይ ሓባር ስራሕ ሰልፊ ዘለዎም ጽቡቕ ምንዮት ብሓጎስ ብምግላጽዮም ስርሖም ጀሚሮም ዘለው። ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛን ምምሕዳርን ገንዘብ ዝጸንሐ ሓላፍነትን ምሉእ ስነ ምግባርን ተኣማንነትን፡ ፍልጠታውን ስራሕ ንዝነብሮ ሓው ብርሃነ ኣድሓኖም ዘለዎ ዓቢ ኣድናቖት ብምዝካር: ናይ ምርኽኻብ ስራሕ ንሓድሽ ተወካሊ ገንዘባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሓው ጸሃየ መሓሪ: ሓው ብርሃነ ኣድሓኖም ዝሃቦ ምኽርን ተሞክራዊ ትምህርትን ብምልላይ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ምምሕዳር ኣብ ሓው ብርሃነ ኣድሓኖም ዘለዎም ክብርን እምነትን ብሰፊሑ ኣልዒሎም ድሕሪ ምዝርራብ ምስጋንኦም ድማ ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ገንዘባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ኲነታት ሰልፍን ዞባታቱን ማለት ኤውሮጳ: ሰሜን ኣመሪካ ንካናዳ ዝሓወሰ: ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ (ሱዳንን ኢትዮጵያን) ኣውስትረልያን ማእከላይ ብምራቕን ዘሎ ምዕባለታትን ጸብጻባትን ርእዩ: ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባኡ ዝያዳ ናይ 6 ወርሒ ንጥፈታት ብምርኣይ ስርሑ ክግምግም ምዃኑውን ተመልኪቱ ኣሎ።

 

Last modified on Sunday, 05 November 2017 12:36