ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሃገረ ሽወደን ን4ይ ጊዜኡ ዓመታዊ ጉባኤኡ ንዕለት 02 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ስቶኮልም( Grusås gränd160 ) ከካይድ ምኻኑ ኣካያዲት ሽማገለ ትሕብር። እዚ ናይ ገበርቲ ሰናይ ዝኾነ ማሕበር ናብ ከተማ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ዉጉኣት ሓርነትን ብዝተፋላለዩ ምኽንያታት ኣካሎም ዝጎደሉ ኤርትራውያን ብግቡእ ዝሕግዝ ማሕበር እዩ።
እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ዝምባሌ ነጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ክሳብ ዝወግሕ ኩሉ ኤርትራዊ ርህሩህ ከይዝንግዕ ንጽዉዕ። ብዝመርጽኩሞ ኣገባብ ሓገዝኩም ክትልግሱ ንላቦ።
ፖስት ጂሮ 650565-5 እንሆ።