Print this page

ኣባላት ቤት ጽሕፈት ዜና ሓጺር ስልጠና ወሲዶም

2016-02-15 18:51:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2401 times
Rate this item
(0 votes)

ካብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋጽኡ ኣስታት ዓሰርተ ኣብ ዝተፈላለየ ዜናዊ ስረሓት ክሳተፉ ቅርቡነት ንዘርኣዩ ኣባላት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ንዜናዊ ክእለት ዝምልከት ስልጠና ፈጺሞም። እዞም ዝሰልጠና ዝወሰዱ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ስሩዕ ስራሕ ንምእታው ኣብ ዝለዓለ ምቅርራብ ይርከቡ።ነቲ ስልጠና ክህብ ዝጸንሓ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰደህኤ እዩ። ኣብዚ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ዓቕሚ ንምምዕባል ብኤልክትሮኒካዊ መንግዲ ክወሃብ ዝጸንሐ ስልጠና፡ ቆላሕታ ዝተገብረሎም ዛዕባታ ዝያዳ ንዜና ዝምልከቱ ኮይኖም፡ ፓብሊሸር፥ ሙቪ-መከር ከምኡ እውን ናብ መርበብ ሓበረታ ናይ ምጽዓን ኣገባብ ዝብሉ ይርከብዎም።

እዚ ስልጠና ናይ መጀመርያ እምበር ናይ መወዳእታ ስለ ዘይኮነ ኣብ መጻኢ እውን ካልእ ዙር ስልጠና ክወሃብ ዝተታሕዘ መደብ ከም ዘሎ፡ ነቲ መደብ ብቐረባ ከተሓባብር ዝጸንሐ ብጻይ ድራር ማንታይ ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀጻሊ ዙር ስልጠና ክሳተፉ ዝደልዩ ብጾት ቅሩባት ንክኾኑ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

እዚ ስልጠና ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዓመታዊ መደብ ዕዮኡ ሒዝዎ ዘሎ ዕማማት ኣካል ምዃኑ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ እዩ።

Last modified on Monday, 15 February 2016 19:53