Print this page

ጋዜጣዊ መግለጺ ብኣጋጣሚ ማእሰርቲ መራሕቲ ተሓኤ ኣብ ሱዳን

2016-02-04 22:52:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2809 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፥ ሓው ሑሴን ኸሊፋን ብጻዩ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ፡ ዓብደላ ሳልሕ ሓምዶይን፤ 30 ጥሪ 2016 ብሰበስልጣን ሱዳን ከምእተኣስሩ ብማዕከናት ዜናን ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ኣሕዛንን ኣሰንባድን ዜና ሰሚዕና።

እዚ ነቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ፍትሓን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሒ ዝዀኑ ሓይልታትን ብኣሉታ ዝጸሉ፤ነቲ ህዝብን

መንግስታትን ሱዳን ንሓርነታዊ ተጋድሎና ዝሃብዎ ደገፍ ዝብርዝን ስለዝዀነ፣ መንግስቲ ሱዳን ከይወዓለ ከይሓደረ ብቕጽበት ክፈትሖም ንጽውዕ።

 

በዚ ኣጋጣሚዚ: ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑ ሱዳናውያንን ዘይሱዳናውያንን ማሕበራት፥ ተጋደልቲ ሑሴን ኸሊፋን ዓብደላ ሳልሕ ሓምዶይን ግቡእ ክንክን ክረኽቡን ብቕልጡፍ ክፍትሑን ተጽዕኖታቶም ከሐይሉ ንምሕጸን።

 

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርት

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

Last modified on Friday, 05 February 2016 00:06