ዝኽሪ 10ይ ዓመት መስዋእቲ ጅግና ተጋዳላይ ስዩም ዑቚባሚካኤል (ሓረስታይ) ብ19 ታሕሳስ 2015 ኣብ ቭላርዲንገን ሮተርዳም/ሆላንድ ነዚ ሃገራዊ ሓርበኛ ብዝግባእ ተዘክሮታትን ድምቀትን ተኸቢሩ ውዒሉ።
ስድራ ቤትን፡ መቅርብን፡ ናይ ቃልሲ ብጾትን ዕዱማትን፡ ኣብ መካነ መቓብሩ ዕንባባታት ድሕሪ ምቕማጥ ናብታ ቅድሚ 10 ዓመት ኣስከሬን ስዉእ ስዩም ፍትሓት እተገብረላ ቤተ መቕደስ ተኣኪቦም፡ ብካህናት ኦርቶዶክሳዊት ደዋህዶ ቤተ ክርስትያን እናተመርሑ ናይ ጽሎትን ፍትሓትን ቅዳሴ ተኻፊሎም።
ቀጺሎም፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብቲ ብስድራ ቤት ስዉእ ኣብ እተዳለው ናይ ምግብን መስተን ግብጃ ድሕሪ ምክፋሎም፡ ንዝኽሪ ስዉእ ስዩም እተዳለወ መደረታትን ተንቀሳቓሲ ፊልምን ተኸታቲሎም።
መድረኽ ተዘክሮታት ብመቓልስትን ብጸይቲ ስዉእ ስዩም ብዝነበረት ሓፍቲ ኣዝመራ ሃይሉን ሓው ኣሰፋው በርሀን ተኸፊቱ። እቲ ምዑት ናይ ቃልሲ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ብሓው ኣሰፋው በርሀ ብሰፊሑ ቀሪቡ።
ቀጺሉ፡ ብሓው ኣንቶንዮ ተስፋይ ብቃላትን ብመልክዕ ስእላዊ ዶኩመንታሪን እተዳለወ መሳጢ መግለጺ፡ ምስእናይ ገለ ምሩጽን ላዛ ዝዓዘዞን መደረታትን ሓርበኛ ስዩም ተሰሚዑ። ስዉእ ስዩም በቲ ተቐሪጹ ዝተረፈ መደረታቱ እውን እንተኾነ፡ ገና ንቓልሲ ለውጥን ዲሞክራስን ብቐጻሊ የበርክት ምህላዉ ጋህዲ ዝገበረ መልእኽትታት ነይሩ።
ካብኡ ብምቕጻል ሓው ወልደሱስ ዓማር ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ናይ ሓርበኛ ስዩም ታሪኻዊ ጊደን ቦታን ኣብ ኤርትራዊ ሃገርነት እናዘርዘረን፡ ሓባራዊ ተዘክሮታቶም እናጠቐሰን መግለጺ ኣቕሪቡ። ተመሳሳሊ ተዘክሮታትን፡ መግለጽታትን፡ ንስዉእ ስዩም ዝግባእ ናይ ምስጋና ቃላትን፡ ብዶክቶር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ብሓፍቲ ሓረጉ በርሀ፡ ብሓው ኣፈወርቂ ኣባይ (ብመልክዕ መሳጢ ግጥሚ)፡ ብሓው ጸጋዘኣብ ገ/ገርጊስ፡ ብወኪል ማሐረኮም ኤርትራ ኣብ ሮተርዳም ሓው ስዒድን፡ ብሓፍቲ ስውእ ስዩም ብዝኾነት ሓፍትና ኤልሳ ዑቚባሚካኤልን ብሓው ድራር ማንታይን ቀሪቡ። እቲ መደረታት ናብ ህዝቢ ዝዝርገሓሉ ኣገባብ ክህሉ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ። ብሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ብሓፍቲ ጽገ ኣስፋሃን ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ብቓል ተቐሪጹ እተላእከ መልእኽትታት ብገለ ተክኒካዊ ምኽንያት ኣብቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ከርክብ ኣይከኣለን። እዚ'ውን ናብ ህዝቢ ዝበጽሓሉ ኣገባብ ክግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ መደረ ብሓው ወልደሱስ ዓማር ዝቐረበ ኢዩ። ሓው ወልደሱስ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ እቲ ብክቡራት ስድራ ቤት እተዳለወ ዝኽሪ 10ይ ዓመት መስዋእቲ ስዩም ከም ሃገራዊ በዓል ዝርኤን፣ እቲ ኹሉ ጽንዓትን ዘይሕለል ቃልስታትን ስዉእ ስዩም ዝዝከረሉ መድረኽ እንበር፡ ናይ ሓዘንን ትካዜን ክርብ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ልዕሊ 40 ገጻት ዝሓዘ ንሱ ብዛዕባ ስዉእ ብጻዩ ካብ የካቲት 1978 ጀሚሩ ካብ ዝጸሓፎ ዓንቀጻትን ቃለ--መሕትታትን ኣኪቡ ንደቁን ስድራ ቤቱን ክበጽሕ ንብዓልቲ ቤት ስዉእ፡ ሓፍቲ ኣዝመራ ሃይሉ ኣመሓላሊፉ። (ብግዲኡ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ብዛዕባ ስዉእ ስዩም ብ3 ቋንቋታን ብዛዕባ ስዉእ ስዩም ብእተፈላለዩ ሰባት ካብ ኣተጻሕፈ ጽሑፋት 800 ገጻት ኣኪቡ ንሓፍቲ ኣዝመራ ኣረቢቡ። ሓው ጸጋዘኣብ እውን ንሓርበኛ ስዩም ኤርትራዊ ማንዴላ ምዃኑ እናገለጸ፡ ንኣይዳ ስዩም ብዛዕባ ማንደላ እተጻሕፈ መጽሓፍ ኣበርኪቱዋ። ሓው ጽሃየ ክብሮም ብመልክዕ ካርድ ዘዳልዎ ጭርሖን ስእሊ ስዉእ ስዩምን፡ ከምኡ ከኣ እቲ ቅድሚ 10 ዓመት ብጊዜ መስዋእቲ ሓርበኛ ስዩም ብህዝቢ እተገልጸ ናይ ሓዘንን መጐስን ጽሑፋት ዝሓዘለ መጽሓፍ ንኹሎም ኣጋይሽ ተዓዲሉ። ከምኡ'ውን ብሓፍቲ ኣልጋነሽ ገብረ እተዳለወ ገላጺ ጭርሖ ዝሓዘ ሕብራዊ ሕዛም ኣቐዲሙ ኣብ መቓብር ስዉእ ከም እተለጠፈ ይዝከር።)
ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ መደረ ሓው ወልደሱስ ዓማር ኢዩ።
ዝኸበርኩም ስድራቤት ስዉእ ስዩም ብሓበራ፣
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩም ዕዱማት ብጾትን ኣዕሩኽን ስዉእ ስዩም፡
ኣቐዲመ ንደቂ ስዉእ ስዩም፡ ማለት ንሊሊ፡ ንደስቲኒ፡ ንሰሎሞን፡ ንሳምሶን፡ ንጳውሎስ ንኣይዳን፡ ምስ ኣደን ብጸይትን ኣዝመራ ልባዊ ሰላምታ ኤቕርበሎም። ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ርክብ ብምስርዖም ከኣ ምስጋና ይብጻሓዮም። ኣስዒበ ከኣ ንሓፍትና ነብሰሄር ጽገ ጳውሎስ እናዘከርኩ ምስ ኲሎም ዝሓለፉ ኣሕዋትን ብጾትን ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ እምነየላ። ከም ኩሎም ስድራ ቤት፡ ከም ሓፍትን ከም መዘከሪት ስዉእ ስዩምን ጌርና ንእንጥምታ ኤልሳ ዑቚባሚካኤል እውን ፍሉይ ሰላምታይ ኤቕርበላ።
ደጊመ፡ ንበዂሪ ገዛ ዝኾንኪ ኣይዳ ስዩም ምስ ኣሕዋትኪ (ደቂ ስዉእ ስዩምን ደቅናን)፣ካብዚ ሃገራዊ መራሒን፡ ታሪኻዊ ሓርበኛን ብምውላድኩም ኲርዑ እብለኩም፣ ኣቦኹም ብንእስነቱ ከይተረፈ ዝገብሮ ንዝነበረ እና ሓተትኩምን እና ኣጽናዕኩምን ከኣ ብግደኹም "ንሕናኸ ነቲ ኣቦና ምእንትኡ ኢሉ ህይወቱ ዝሃበሉ ህዝቢ እንታይ ንግበረሉ?" ኣብ ዝብል መድራኽ - ደንጒኹም'ውን እንተኾነ፡ ክትበጽሑዎ እምነ። ከመይ ሕልምን ድልየትን ኣቦኹም ንሱ ጥራይ ስለዝነበረ።
ኣይዳ ስዩም ኣጋይሽ ናብ መቓብር ኣቦኣ ገጻ እናመርሐት።... ምስ ኣዲኣ ኣዝመራ ሃይሉ።
ኣሓት ስውእ ስዩም ኤልሳን ህይወትን.... ደቁ ሳምሶንን ጳውሎስን ኣብ ቦታ መቓብር።
ሎሚ ድሮ 10 ዓመት ሓሊፉ፡ ንስዉእ ብጻይና ስዩም ብትዝታ እንዝክረላ መዓልቲ ኢያ። ንስዩም ከየቋረጽና ኣብ መዓልታዊ ዕላላትና ንዝክሮ ኢና። ነቲ ናይ ሎሚ ተዘክሮና ፍሉይ ዝገብሮ ግን ምስ ደቁን ምስቶም ሕጂ ክሰምዮም ዝጸናሕኩ ስድራ ቤቱን ተኣኪብና ብምህላውና ኢዩ። ዓቢ ዕድል ከኣ ኢዩ።
ኣብታ ንስውእ ስዩም ዘፋኖናላ መዓልቲ፡ ውሑድ ቃላት ተዛሪበ ምንባረይ እዝክር። ሎሚ ደጊመ ክሓስቦ ከሎኹ፡ ናይ ስምዒት ጊዜ እንከሎ'ኳ እቲ ቃላት ክንደይ ትርጉም ከም ዝነበሮ እርኢ። ኣብቲ ሓጺር መደረ 2-3 መልእኽትታት ከመሓላልፍ ፈቲነ። እታ ቀዳመይቲን ቀንድን መልእኽተይ፡ ናይ ኲልና መልእኽቲ እውን ዝነበረት፡ "የቐንየልና ስዩም" እትብል ነይራ። ስለምንታይ ከ ከምኡ ተባሂሉ?
ንስዉእ ስዩም ብጽንዓቱን፡ ተወፋይነቱን፡ ትብዓቱን፡ ዘይንሓፍነቱን፡ ናይ ዓቢ መራሒ ሕላገት ብዝኾነ ቅርሕንቲ ዘይምሓዙን፡ ብብልሓቱን፡ በቲ ድኻም ዘይፈልጥ ናይ ስራሕ ትግሃቱን ዘይዝክሮ ሰብ እንተልዩ፡ ንስዩም ዘይፈልጦ ዝነበረ ክኸውን ኣሎዎ።
ናይ ሓያለይ ሰራሕቲ ታሪኽ ክሳዕ ዝሓልፉ ዝነበሮም ጊደን ቦታን ኣይልለን። ናይ ስዩም ከኣ ከምኡ ኰይኑ ይረኣየኒ። እቲ ዝፈልጥ ይፈልጥ ነይሩ፣ እቲ ዘይፈልጦ ዝነበረ ግን ብዙሕ ጊዜ ወሲድሉ። ክሳዕ ስዩም ዝሓልፈ ተጸብዩ።
ኲላትና ከም ዘይንስሕቶ፡ ሃገራዊ ስምዒት ብቐሊሉ ኣይኮነን ዋንነት ናይ ሓደ ህዝቢ ዝኸውን። ኣብ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ከም ዝርኤናዮን ጌና ንሻቐለሉ ከም ዘሎናን፡ ሓደ ህዝቢ ንቃልሲ ለውጥን ዲሞክራስን ክበራበር፡ ብዙሕ ጻዕሪ/ብዙሕ ጒስጓስ፡ ብዙሕ ምልዕዓል ኢዩ ዝሓትት። ብሓደ ለይቲ ነዲሩ ኣብ ቃልሲ ዝጸምድ ህዝቢ የልቦን። ኣብ ተመክሮ ብረታዊ ቃልስና እውን ከምኡ ነይሩ። ህዝቢ ምስ ፈለጠን ዘበራብሮ ምስ ረኸበን ኢዩ ነተን ምስ ድኹም ኣተሃላልዋ ተተይ ዝብላ ንዝነበራ ውድባት ኣዕብዩ ኣብ ዓወት ከም ዝብጻሕ ዝገበረ። ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ስራሕ፡ ስዩም ኣዝዩ ዓቢ ጊደ ነይሩዎ። ብርእይቶይ እኳ ካብቲ ኢሳያስ "ኣነየ ኣብ ናጽነት ዘብጻሕኩ" ኢሉ ወግሐ ጸብሔ ካብ ዝንቅዎ ዘይውሕድ (ዝበዝሕ እንተዘይኮይኑ)፡ ስዩም ንናጽነት ኤርትራ ዘበርከቶ ብቐሊሉ ዝምዘን ኣይኮነን።
ኣብዚ ዘሎና፡ ብዛዕባ ስዩም ክንዝክሮን ክንብሎን እንኽእል ብዙሕ ከም ዘሎ ኣይዝንግዕን። ንኻልኦት ዕድል ቅድሚ ምሃበይ ግን ገለ ካብተን ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ከይጠቐስኩወን ክሓልፈን ካብ ዘይደልየን ተዘክሮታት እሕጽር ኣቢለ ከዕልል ኣፍቅዱለይ።
መጀመርያ ርክብና
ሜዳ ምኻዱ/ማእሰርቱ
ሳልሳይ ርክብና
ክብደት መስዋእቲ ስዩም፡
10 ዓመት ድሕሪ ስዩም ኣብ ስደት ጸኒሕና ኣሎና። .... ብድሕሪ ሕጂ ነዊሕ ኣብ ደገ ከይንጸንሕ ኣትሪርና ክንቃለስ ዳግማይ ማሕላ እንኣትወላ መዓልቲ ትኹነና። ክንምለስ ከሎና ከኣ ሬሳ/ንኣዕጽምቲ ስዩምን ሬሳታት ብዙሓት መቓልስትን ሒዝና ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ እንምለስ ይግበረና።
ንስዩምን ነቲ ዝገደፈልና ጅግንነታዊ ታሪኹን እናዘከርና ከኣ፡ ኲላትና ሓፍ ኢልና ነጣቕዓሉ!! የቕንየልና ከኣ ንበሎ!!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!
ዓወት ነቲ ዝወደቑሉ ህዝባዊ ዕላማ።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ ኤመስግን።
ወ.ዓማር፡ 19.12.2015