መልእኽቲ ካብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራንን ክቡራትን ዜጋታት፡
ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቘሙ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ካብ ዝምስረቱ ኣትሒዞም፡ ከም ካልኦት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ንኤርትራን ህዝባን ገጢሙዎም ዘሎ ገዚፍ ብድሆ፡ ሰላማዊን ግብራዊን ብዝኾነ ኣገባብ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ብጽሒቶም ንምብርካት፡ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ምንዳይ ሃናጺ መንገድታትን ኣገባባትን ተቖሪኖም ጸኒሖም።
ንሃገርና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዝዓበየ ቅልውላው ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉ፡ ብሰላማዊን ዲሞክራስያውን ኣገባብ፡ ንህልዊ ሓደ ሰልፋዊ ምልኪ ስዒርና፤ ኣብ ቅዋም ብዝተመልሓቐን ብዝሐ ሰልፋዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ክንትክኦ ምስ እንበቅዕ ጥራሕ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎና።
እዚ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ኤርትራዊ ዕቱብ ተሳትፎ ዝሓትት፡ ሓያል ሃገራዊ ዕማም ኢዩ። ሰላማዊን መሃዝን ኣገባብ ብምኽታል፡ ፍልልያትና ንምእላይ፡ ብውፉይነት እንተ ዘይሰሪሕና፣ እቲ ሰማእታትና ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉሉ ዕላማ ምህናጽ ፍትሓዊትን ብልጽግትን ኤርትራ፡ ከነሰላስሎ ኣይንኽእልን ኢና።
ሰልፍና፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ከም መንጠሪ ባይታ ንህንጸት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ የቕርቦ ኣሎ። ካብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ነዚ ውጥን ንምጽፋፍን፡ ኣብ መወዳእታ ከም ሰነድ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኮይኑ ክጸድቕን ዘኽእሎ፡ ኣወንታዊን ነቐፌታዊን መወስኽታ ክረክብ ከኣ ይጽበ። ነዚ ውጥንዚ ብምጥቃም፡ ህዝብና፡ ነቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንኩሉ መዳይ ሂወቱ ተቖጻጺሩ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓትን ዘሕዝን ውጽኢቱን፡ መኽተምታ ንምግባር፡ ጠማሪ ስትራተጂ ኪኾኖ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ብተወሳኺ ከኣ፡ እዚ ውጥን’ዚ፡ ንህዝብና፡ ናብ እዋን ሰላማዊ ምስግጋር ንምብጻሕ ኪሕግዞን ክመርሖን ኢዩ ኢልና ንኣምን።
ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብግቡእ ከየመሓደርና፡ ነቲ ክንዮ ውልቀ መራሕቲን፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታቶምን፡ ዘሎ ዕማም ምህናጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ትካላትን፡ ከነተግብር ኣይከኣልን ኢዩ። ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ብመሰረት ሓባራዊ ምርድዳእን መብጽዓ ንሃገራዊ ህላዌናን፡ ካብ ኩሎም ዝከኣሉ ኣማራጺታት፡ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ንምልላይ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ኮፍ ክንብል ኣሎና።
ብልዑል ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ርኢቶኹም ክትህቡሉ እንደገና ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። ነዚ ጻዕሪ’ዚ ንምዕባይ፡ ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ሰላማዊ ምስግጋር፡ ምእንቲ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ምርግጋጽ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና፡ ክንቃለስ ናይ ዘሕለፍናዮ ዕድሜና ኣወንታዊ መዛዘሚ ክኸውን ኢዩ። ሕልሚታትና፡ ንደቅናን ደቂ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋን፡ ሰላምን ናጽነትን ዘውሕስ፡ ምስረታ ሓቀኛ ትካላትን ግዝኣተ ሕጊን ኣብ ሃገርና ምርኣይ ኢዩ።
ዓወት ናይዚ ተበግሶ፡ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንጡፍ ተሳትፎን ሃናጺ ግብረ መልስን ዝምርኮስ ምዃኑ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኣምን።
ወልደየሱስ ዓማር
ኣቦ መንበር
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።
መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ
መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡
ጽሟቕ ሓበሬታ፡
“መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ - መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ”፡ ኣብ ቅርጺን ተራን ናይቶም ብዙሓት ኣካላትን ትካላትን ዝግለጸሎም፡ ክልተ ምዕራፋት ዝተኸፍለ ኢዩ።
ምዕራፍ ሓደ፡ እዚ ቅድመ መሰጋገሪ ኢዩ። ኣብዚ ቅድመ መሰጋገሪ መድረኽ ነዞም ዝስዕቡ መድረኻት የነጽር፡- (ሀ) ንመስርሕ ምስግጋር ኣስከሬን ንምንጻፍ፡ ሰፊሕ ዚሰረቱን ንኩሉ ዘሳትፍን ቀዳማይ ዋዕላ ምጽዋዕ፡ (ለ) ካብ መንጎ’ቶም ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝኾኑ፡ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ምምራጽ። ኣብ መንጎ ናይ ዲያስፖራ ፖለቲካዊ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ናጻ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ውልቀ-ሰባትን ካልኦትን፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ቅጥዒን መስርሕን ምርጫ ሃቤሽ ዝምልከት፡ ሰፊሕ ምይይጥ ይግበር። ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ምዕራፍ መስርሕ ምስግጋር፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን፡ ፖለቲካዊን ፖሊሲታት ሃገር ዝካየዱ ዘተታትን ሞያዊ መጽናዕቲታትን፡ ዝመርሕን ዘወሃህድን ዝለዓለ ስልጣን ኪኸውን ኢዩ። ንትግባረ ናይ’ዚ ሓላፍነታት’ዚ፡ ሃቤሽ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ቻርተር ናይ ምፍጻም ተራ ዝህልዎን፡ ከም ዕለታዊ ንጥፈታት፡ ኣካያዲ ናይቶም ብሃቤሽ ዝወጹ መምርሒታት ኮይኑ ዘገልግልን፡ ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ። ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓታትነቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኮይኑ፡ ናይ ስራሕ ጸብጻባቱውን ንዕኡ የቕርብ። ንስርሓቱ ብግቡእ ንምፍጻም፡ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ዝተፈላለያ ሽማግለታት ሓይሊ ዕማም ናይ ምምስራት ስልጣን ይህልዎ።
ምዕራፍ ክልተ፡- ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምምስራት። ህሉው መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ክሳብ ምግባእ ኣብ ዲያስፖራን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነብር ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ዝሳተፈሉ፡ ሃገራዊ ዋዕላን ምቛም መሰጋገሪ ባይቶን፡ ኣብ ዝህሉ ግዜ፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ሃገር ናይ ምምራሕ ምሉእ ሓላፍነት ይወስድ። ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመርጸ መሰጋገሪ ባይቶ፡ ከም መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል ኮይኑ ይሰርሕ፡ ክሳብ ምዝዛም መሰጋገሪ እዋን ንዝህሉ ግዜ ዘገልግል መሰጋገሪ ቅዋም የጽድቕን፡ ነቲ መስርሕ ክሳብ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስቲ ይመርሕን። ይኹንምበር፡ ክሳብ ቀዋሚ ቅዋም ዝጸድቕን፡ ዝተመርጸ መንግስቲ ስልጣን ዝርከብን፡ መሰጋገሪ ባይቶ፡ መዓልታዊ ንጥፈታት መንግስቲ ዝመርሕ ኣካል ይምዝዝ (የቕውም)።
መእተዊ ንመሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ፡
ህዝቢ ኤርትራ፡ ዳግማይ፡ ኣብ ፈታንን ዘይንቡርን ኩነት ኣትዩ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ጨካንን እንኮ-ሰልፋዊ ስርዓት ጺዒኑሉ ዘሎ ዘቤታዊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደው ክብልን፡ እቲ ፍሉጥ ጽንዓቱ ዳግም ከረጋግጽን ይሕተት።
ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን፡-
እምበኣርከስ፡ እኩብ ድምር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ካልኦት ዓበይቲ ናይ ምንቁልቋል ኣንፈታትን ኢዩ፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ከም ኩሎም ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ሃገር ናይ ምድሓን ከቢድ ጻዕሪታት ከካይድ እኹል ደራኺ ምኽንያት ዝኾኖ። እምነት ኤዲኪ፡ ሃገር ካብ ፍጹም ዕንወትን ቅብጸት ተስፋን ምድሓን፡ ልዕሊ ኩሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ንጥፈታትን፡ ቀዳምነት ክሕዝ ኣለዎ ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ነዚ ንድፊ መሰጋገሪ ውጥን፡ ንዘተ፡ ንክትዕን፡ ንዝያዳ ምድንፍዑን ምምዕባሉን፡ ናብ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን፡ ብዓቢኡ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ የቕርቦ።
ጽኑዕ እምነት ኤዲኪ፡ ዕድል ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኢድ’ዚ ጨካንን ዘይሓላፍነታዊን መርሕነት ክሕደግ የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግዝኣተ ውልቀ-ምልኪ ፍጹም ከብቅዕን፡ ዘመነ ሓርነት ውልቀሰብን ብዙሓዊ ዲሞክራሲን ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣትና ብምህናጽ፡ መንፈሶም፡ ቅሳነት፡ ሰላምን እፎይታን ክረክብ ኣለዎ። ቅዋማዊ ምሕደራን ግዛኣተ ሕጊን ኣብ ምሉእ ክፋላት እዛ ውልዶ ሃገርና ክነግስ ኣለዎ።
መብጽዓ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡
መራሒ መትከላት መሰጋገሪ ውጥን፡
መሰጋገሪ ውጥን፡ ብመንፈስ ሰላም፡ ፍትሒን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመርሐ ኢዩ። ኣንጻር ቂምን ፍድየተ-ሕነ ስጉምቲታትን ደው ዝበለን፡ ብድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተገዝአን ኢዩ። መሪሕ መትከላቱ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ዝተመስረቱ ኢዮም፡-
ተሳተፍቲ ፋልማይ ዋዕላ መሰጋገሪ ውጥን/ ቀዳማይ ምዕራፍ
እዚ እማመ መሰጋገሪ ውጥን’ዚ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ዝኸውን ኣስከሬን ንምስኣል፡ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ንኹሉ ዘሳትፍን፡ ዋዕላ ኪካየድ ከም ዘድሊ ይግምት። ነዚ ውጥን’ዚ ኣብ ፍሉጥ ናይ ግዜ ገደብን ብልዑል ናይ ምትሕብባር መንፈስን ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከኣ፡ ተሳተፍቲ፡ ቅሩብነቶም፡ ሃገራዊ ራኢኦምን ተዓጻጻፍነቶምን፡ ከርእዩ ፍቓደኛታት ክኾኑ ይግባእ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ውሁብ ኩነታት፡ መባእታዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ዘየፍቅድ ዘይንቡር ኩነታት ብምህላዉ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰፊሕን ምሉእ ዝኾነን ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ከም ዘይከኣለ ኤዲኪ ብዕምቆት ይርዳእ። ብሰንኪ’ዚ ሃዋሁዚ ከኣ፡ ክብ ኢሉ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓፈሻዊ ዝርዝር ቅርጺን ዕማማትን መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ከቕርብ፡ ሓደ ዋዕላ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክጋባእ ኢዩ።
ኩሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ብናይ መወዳእታ ውሳነታት ዋዕላ ቅዩዳት ኢዮም። ኣብ መንጎ ሓባራዊ ውሳነ ዋዕላን፡ ፖለቲካዊ መርገጺ ናይ ሓንቲ ኣባል ናይዚ ዋዕላ ዝኾነት ውድብ፡ ጉጅለ ትኹን ወይ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጺ ረጽሚ ምስ ዘጋጥም ከኣ፡ ውሳነ ዋዕላ ይዕብልል።
ኤዲኪ፡ ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባትን ናጻ ውልቀሰባትን ብምምኽኻር፡ ዋዕላ ኣብ ምውጣንን ምፍጻምን ተበግሶ ክወስድ ኢዩ።
ኣቀዋውማ ኣካላት ኣብ ምሉእ መስርሕ ምስግጋር፡
ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፋት።
ናይ ምስግጋር ተካላት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ከም ዘሎ ቅርጺ ኪኾኑ ንርኢ፡-
ቀዳማይ ዋዕላ (ቅድመ-ምስግጋር)፡-
ኣብ ደገ ብዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በርገሳውያን ማሕበራትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ምሁራትን …ወዘተ ዝሳተፍሉ ዋዕላ ኢዩ።
ዕማማት ዋዕላ፡-
ቻርተር ቅድመ-ምስግጋር የጽድቕ፣
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይመርጽ፣
ዕድመ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይውስን፣
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝምርሓሉ ሕግታትን ቅጥዕታትን ይሕንጽጽ፣
ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዝዓለመ ፖሊሲታትን መደባትን ይሕንጽጽ
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-
ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ይምረጽ፣
ዕድመ ስልጣኑ ክሳብ ምግባእ ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ፣
ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡-
ኣብ ዋዕላ ዝጸደቕ ቻርተር ኣብ ግብሪ የውዕል፣
ኣብ ዋዕላ ዝተሓንጸጹ መደባትን ፖሊሲታትን ኣብ ግብሪ የውዕል፣
ከም ሓጋጊ ኣካል ኰይኑ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ክፍጽሞ ዘለዎ መደባትን ፖሊሲታትን ይሕንጽጽ፣ ሕግትታን ቅጥዕታትን የወጽእን፣
ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ፣
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ወደቐ ከም ግዝያዊ ፓርላማ ኰይኑ፡ ካብ ውሽጡን ካብ ደገን ብቕዓት ብዘለዎም ዜጋታት ክሳብ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ይምዝዝ፣
ድሕሪ ምውዳቕ ህሉዊ ስርዓት፡ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ (ፈጻሚ ሽማግለ) ብምውህሃድ፡ ንምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ይሰርሕ፣
ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-
ፈጻሚ ሽማግለ፡
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ይምዝዝ። ቁጽሪ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ዝውሰን ኮይኑ፡ ዝለዓለ ኣኽብሮት ዘለዎምን ክኢላታትን ዝሓዘ ይኸውን። ንኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣዕጋቢን ርትዓዊን ክፍሊትን ኣበልን ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ኪቕረበሎም ኢዩ።
ዕማማት ፈጻሚ ሽማግለ፡-
ኣኼባታት ፈጻሚ ሽማግለ፡-
ናጻ ተጸባጻቢ ኮሚቲ፡
ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ሽማግለን፡ ብሓፈሻ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ዘመተን ጻዕርን፡ ከምኡ’ውን ናጻ ተጸባጻቢ ኣካል ንክህሉን፡ ኣድላይ ይገብሮ።
ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሃገርና፡ ናብ ዲሞራሲያዊነትን ንሁር ግስጋሰን ልምዓትን ዝመርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ንምስላጥ ሓጋዚ ኢዩ። ኤዲኪ፡ ደምበ ተቓውሞ ንዓመታት ዘዋህለሎ ተመክሮታት፡ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምግባእ ክሕይል ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። እዚ፡ ንኩሎም ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ኤርትራውያን፡ ዜጋታታ ሰላምን ብልጽግናን ዘስተማቕሩላ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምምስራት ኣብ ኩሉ ግንባራት ክሓብሩ ምውሳኖም ዘመልክት ኣወንታዊ ሓበሬታ ክህብ’ዩ።
ብተመክሮታት ስርሓት ቀዳማይ ዋዕላን ትካላቱን ተሓጊዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጋባእ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንዲሞክራሲን ግዛኣተ ሕግን ዝካየድ ቃልሲ ንምዕዋት ዘቀላጥፍን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ካብ ህሉው ገባቲ ስርዓት፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሰጋገር ዝድርኽ ስትራተጂን ይሕንጽጽ።
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ልሙጽ ምስግጋር ስልጣን ከውሕስ፡ ሃገር፡ ጥጡሕ ቅዲ ሂወት ክረክብን ቁጠባዊ ዝላ ክህሉን፡ ርግኣት ከረጋግጽን ክሰርሕ ኢዩ።
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ይዛተን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕን ኣለዎ፡-
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማኣታትና፡
የካቲት 2010 ዓም፡፡