ብዕለት 03/11/2015 ናይ ሰዕታት ድሕሪ ቀትሪ ፡ ናይ ሃገር ሽወደን መራሕ መንግስቲ ኣቶ እስተፋን ሎቨን ኣብ ሕብረሰባዊ ሌላ ማእከል ቤት ጽሕፈት ናይ ከተማ ዮተቦርግ ምሉእ ንጥፈታት መደበር ሕብረሰባዊ ሌላ ንጥፈታቱን ንምክትታል ብጾሖት ፈጺሙ።
እዚ ማእከል እዚ እቲ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ኤርትራ ኣብ ልብና!!! ዝበል መሳጢ ዕዉት ሰሚናር ኤርትራ ዘዳለወ ኮይኑ፡ ኣቶ ስተፋን ንሓደስቲ ስደኛታት ዝገብሮ ዘሎ ምትሕግጋዝ ኣድናቆቱ ገሊጹ ። እቲ ኣብ ሱርያን ኣብ ኤርትራን ዝጋጠም ዘሎ ከቢድ ኩነታት ብኣትኩሮ ይጥመት ከም ዘሎን ዘድሊ መንግስቲ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጹ።
ብፍላይ ከኣ ኣብ ምድንጓይን ነዊሕ ትጽቢትን ጉዳይ መንበሪ ገዛውትን ስራሕን ዘሎ ብዝያዳ ከቢደቲ ጸገማት ከም ዘሎ ንምቅላሎም ዘድሊ መድባትን ጻዕርታት የካይዱ ከም ዘሎዉ ሓቢሩ።