ምምሕዳር ከተማ ዮተቦርግ ሃገር ሽወደን ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ብዘሎዎ ግዱስ ኣትክሮመሰረት እንሆ ንኩሎም ምምሕዳራት ኣብ ጉዳይ ስደኛታት ዝሰርሑን መማህራንን ዝሓቆፈ ሰሚናር....ኤርትራ ኣብ ልብና !!! ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ሰሚናር ንዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ኣድልዩ ኣሎ፡ ኣብዚ ሰሚናር እዚ መግለጺ ዝህቡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ኣባል ባይቶ ሃገር ሽወደን ነበርን፡ ጋዜጥኛ ሓብትና መሮን እስቲፋኖስን ኮይኖም ናይቲ ሕሰም ግዳይ ዝኾኑ ክልተ መንእሰያት ወድን ጓልን ክቀርቡ እዮም።