ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩዅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ኣብ ክልተ ቦታታት ተስላሲሉ። እዚ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዋ ጨናፍር ሰልፊ ዝተወከሉ ኣባላት ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ጀርመንን ኢትዮጵያን ዝተቓንዐ ጉባኤ፡ ንደረጃ ሓላፍነቱ ማዕረ'ቲ ሃገርና ኤርትራ እትሓልፎ ዘላ ኩነታት ክብ ዘበለ ኢዩ ኔሩ።
ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩነታት ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ፣ መንእሰያትና ዝፈትዉዋ ሃገሮም ዘይትንበር ረመጽ ኮይናቶም ናብ መውደቒኦም ዘይፈልጥሉ ጉዕዞ ብምጉዓዝ፤ ግዳይ ሞትን መከራን ኣብ ዝኾንሉ፣ ኣብ ሃገርናን ዞናናን ድማ፡ ዝተፈላለየ ሓደጋታት ኣብ ዘንጸላለወሉ እዋን እዩ ተኻይዱ። ምስዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ካብ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ፍጹም ተነጽሎ ኣብ ዝኣተወሉን ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝተፈላለይ ግፍዕታት ዝፍጽም ስርዓት ምዃኑ ዘረጋግጽ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘቕረበሉን እዋን'ውን ኢዩ ነይሩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻር ሰብኣውነት ገበናት ዝፈጸመ ስርዓት ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ነቶም ፈጸምቱ ንምልላይ መርመራታት ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኤርትራውያን ስደኛታት ኣብ ልዕሊ'ቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ባሕርን ምድረበዳን ንጨካን ሽበራዊ ዓመጽ ምቅልዖምን ርድኡና ዝብል ኣውያቶም ኣብ ዘስምዕሉን ዘለዉ እዋን ዝካየድ ዘሎ ጕባኤ ስለዝዀነ ፍሉይን ከቢድን ሓላፍነት ኣለዎ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ድማ እዮም ጉባኤኛታት ንመላእ ዕዮታት ጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ድሕሪ ምምራጾም፡ ናይ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ሰልፊ ዘሰላሰሎ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታት ዝዓመመ ጸብጻብ ማእከላይ ባይቶ፡ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ናብ ጉባኤ ዝቐረበ።
ካብ'ዚ ቀጺሉ ጉባኤ ዝኣተዎ ስራሕ፡ ንድፊታት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ሰልፊ፣ ከምኡ'ውን፡ ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ንጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝምልከቱ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ምምያጥን ምጽዳቕን ነበረ። ንኹሉ'ቲ ዝቐረበ ዛዕባታትን ሰነዳትን ኣርእስቲ ብኣርእስቲ ብምውሳድ፡ ዕቱብ ክትዕ ኣካይዱሉ።
ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ካብ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሕሱም መነባብሮን፡ ከምኡ'ውን ካብ ኣህጉራውን ከባብያውን ምዕባሌታት ብምንቃል ሓያለይ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ።
ቀንዲ ነጥብታቱ ከኣ፡
ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ንዘሕልፎ ዘሎ ኢሰብኣዊ ህይወት ተመልኪቱ፣ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ምምርማር ገበናት ስርዓት ህግደፍ ኣበርቲዑ፡ እዚ ዝቃለለሉ ለውጢ ግቡእ ኣድህቦ ሂቡ፡ ኣድላይን ነቲ ጉጅለ ፈልዩ ዝቐጽዕ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ተማሕጺኑ። ከምኡ'ውን ንጐረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ክባቢና ሰላምን ርግኣትን ዘረጋግጽ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ጨቋኒ ጉጅለ ፈልዩ ዝርኢ ፖሊሲ ተኸቲለን፤ ምስ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታትን ምትሕብባረን ክብ ከብላ ጉባኤ ጸዊዑ። መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ንዘለዉ ኤርትራውያን ምዕቋቦምን ሂወቶም ዝመርሕሉ ምድግጋፍ ምግባሮምን፡ ንዝገበሩልና ምትሕግጋዝን ጉባአ ኣመስጊኑ።
ኣብ መደምደምታ ጉባኤ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ንሰልፊ እትመርሕ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ሓዳስ መሪሕነት ብምምራጽ ስራሑ ብዓወት ዛዚሙ።
ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩኽ!
30 ሓምለ 2015
ካላኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ