Print this page

ዞባ ኤውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ

2015-06-01 10:15:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2660 times
Rate this item
(0 votes)

ዞቦ ኤውሮጳ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ29 ጉንበት ብኤልትሪኒካዊ መንገዲ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ብዛዕባ እዋናዊ ሰልፋውን ከባቢያውን ኩነታት ኣገዳሲ ምይይጥ ከም ዘካየደ ናይቲ ዞባዊ መሪሕነት ሓላፊ ዜና ሓው ፍትዊ ክፍለ ሓቢሩ። ኣብዚ ብኣቦመንበር ናይቲ ዞባ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ እቲ ኣቦመንበር ኣብ መኽፈቲኡ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይወርድ ብዛዕባ ዘሎ በደላት ዝርዝር መብርሂ ከም ዝሃበ እዚ ካብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እዚ ኣቦመንበር ሎሚ ኣብ ዓለምና ብሰኒ ውግኣት ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ምምዝባልን ህዝቢ ብምሳሌ እንዳ ኣሰነየ መብርሂ ሂቡ። ኣስዒቡ ድማ እቲ ዝኸፈአ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዜጋታት ካብቶም ዝውጽዕዎም ሓይልታት ካብ ውግእን ህይወቶም ከድሕኑ ክብሉ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ምስ ዘርዘረ፡ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝሃለቑ 350 ኤርትራውያን ከም ኣብነት ጠቒስዎም። ብኣንጻር እዚ ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን ኣብዚ ዜጋታትና ዝሃልቅሉ ዘለዉ ኣጸጋሚ ግዜ ንመበል 24 ዝኽሪ መዓልቲ ናጻነት ኤርትራ ብጓይላን ዳንኬራን የኽብርዋ ምህላዉ ዘሕዝን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ በዓል ካብዚ ዘለናዮ ጸገም መዋጸኦ ንምርካብ ብልዝብን ምምኽኻርን ክበዓል ከም ዝግበኦ ሓቢሩ።

ኣብዚ ኣኼባ ብኣቦመንበር ሰደህኤ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝምራሕ ልኡኽ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ምስታፉን ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምርዳእ ዓብይ ግደ ከም ዝነበሮን ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ብዛዕባ ሓያሎ ኣገደስቲ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ድማ ንምቅርራብ 2ይ ጉባአ ሰልፍን ፈስቲቫልን ዝምልከት ምዉቕን ጠቓምን ምይይጥ ከም ዝተኻየደ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

Last modified on Monday, 01 June 2015 12:17