ብዕለት 16-05-2015 ዓ.ም. ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 18.00 ብስርርዓውያን ሓለፍቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ዝርዝር መሰረት ንገልጽ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብን ናይ ስርርዕ ሓላፊ ሓው ታደሰ ኣስመላሽን መሪሕነት ተኻይዱ። ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ናይ መዘራረቢ ዛዕባታት ብምዝርዛር ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ነቲ ኣኼባ ንምኽፋትን ንምህብታምን ሰለስቲኡ ጨናፍር ንኡስ ዞባ ብሕጽርን ጽፍፍን ዝበለ ነፍሲ ወከፎም ህሉው ጸብጻብ ጨናፍሮም ገሊጾም። ኣስዒቡ ብቐደም ተኸተል ብጉዳይ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ምዕብልና ሰልፊናን ብሕጽር ዝበለ ተወሳኺ መግለጺ ቀሪቡ።
ድሕሪዚ ብክልተ ዓበይቲ ዕማማት ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ፈስቲቫል ኤርትራን ዋላኳ ቅድም ኢሉ ክዝተየሉን ክመያየጠሉን ይጽናሕ እምበር ብዕዉት ንምውጻእ ዕቱብ ቅሩቡነትን ድሉዉነትን ክግበረሉ ከም ዘለዎ ገዛ ሓደ ብሓደ ሃናጺ ርእይቶታት ኣቕሪቡ። ኣብዚ ኣኼባዚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስትእብ ኣስመሮምን ክልተ ሽማግለታት ዞባ ኤውሮጳን ተኻፊሎም ውዒሎም።