Print this page

ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

2015-05-19 22:05:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2585 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 16-05-2015 ዓ.ም. ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 18.00 ብስርርዓውያን ሓለፍቲ  ዝተኻየደ ኣኼባ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ዝርዝር መሰረት ንገልጽ።

GermanSubzonemeeting160515ኣኼባ ብኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብን ናይ ስርርዕ ሓላፊ ሓው ታደሰ ኣስመላሽን መሪሕነት ተኻይዱ። ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ናይ መዘራረቢ ዛዕባታት ብምዝርዛር ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ነቲ ኣኼባ ንምኽፋትን ንምህብታምን ሰለስቲኡ ጨናፍር ንኡስ ዞባ ብሕጽርን ጽፍፍን ዝበለ ነፍሲ ወከፎም ህሉው ጸብጻብ ጨናፍሮም ገሊጾም።  ኣስዒቡ ብቐደም ተኸተል ብጉዳይ ህሉው ኵነታት ሃገርናን  ምዕብልና ሰልፊናን ብሕጽር ዝበለ ተወሳኺ መግለጺ ቀሪቡ።

GermanSubzonemeeting160515 2ድሕሪዚ ብክልተ ዓበይቲ  ዕማማት  ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን  ፈስቲቫል ኤርትራን  ዋላኳ ቅድም ኢሉ ክዝተየሉን ክመያየጠሉን ይጽናሕ እምበር ብዕዉት ንምውጻእ ዕቱብ ቅሩቡነትን ድሉዉነትን ክግበረሉ ከም ዘለዎ ገዛ ሓደ ብሓደ  ሃናጺ ርእይቶታት ኣቕሪቡ። ኣብዚ ኣኼባዚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስትእብ ኣስመሮምን ክልተ ሽማግለታት ዞባ ኤውሮጳን ተኻፊሎም ውዒሎም።

Last modified on Wednesday, 20 May 2015 00:24