ኣብ ዕለት 31-01-2015 ካብሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.00 ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ Allerweltshaus Körne Straße 77-79 DPLZ 50823 Köln ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 ካልኣይ ኣኼባኡ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ዲሒሩ ዝመጸናሓበሬታኣነሆ።
እቲ ኣኼባ ብሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምኽፋቱ ናብቲ ምዱብ ዛዕባ ብምእታው መግለጺኡ ቀጺሉ። ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብህሉው ኵነታት ሃገርናን ዕለታዊ ንጠፋታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብስፍሕ ዝበለ ድሕሪ ምሕባር ፡ብዝያዳ ድማ ንጉዳይ ምድላዋት ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረት ቊዋም ሰልፍን ብመምርሒ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ተሞርኪሱ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዘሎዎን መግለጺ ሂቡ። ክም ተወሳኺ ነቲ ንዕለት 13.02.2015 ባህላዊ ምሸት ምድላዋት ከምዝገብሩን ሓቢሩ፡፡
ኣስዒቡ ሓው ኢብራሂም ዓጣ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ኣብቲ ናይ ሓው ዓንደብርሃን ብምቕጻል ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 ዓ.ም. እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣገዳሲ ሕቶታትን ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ስለ ዝቐረበ ከቢድ ክትዕ ኣካይዱ ።
ብድሕሪዚ ኣኼባኛ ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምቕራብ ዝኽሪ ስዉኣት ብምግባር ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።