Print this page

መበል 12 ዓመት ህልቂት ኤርትራውያን ላምፓዱሳ ተዘኪሩ

2025-10-03 09:57:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 55 times
Rate this item
(0 votes)

ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ

ኣብ ልዕሊ ካብ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ እናተጓዕዙ ዘጋጠሞም ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ካብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከብዎም፡ 368  ሰባት ዝሃለቕሉ ሓደጋ ደሴት ላምፓዱሳ ኢጣልያ ኣብቲ ዕለቱ 3 ጥቅምቲ 2025 መበል 12 ዓመት ተዘኪሩ። ኣብዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዝኽሪ፡ ቤተሰብ ግዳያት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ናይቲ ከባቢ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝመጹ ሰብኣውነት ዘገድሶም ሰባትን ትካላትን ኣብቲ ስነስርዓት ከም ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ማሕበራዊ መድያታት ካብቲ ቢታ ሓቢረን።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ጸሎት ተኻይዱ፡ ሽምዓታት ንዝኽሮም በሪሁ፡  ናእሽቱ ናይ መርከብ ምስልታት እውን ኣብ ትሕቲ ሓወልቶም ከም ዝተቐመጣን ናይ ገለ ካብቶም ግዳያት ኣስማት ካብቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝሰፈረ ዝርዝሮም ከም ዝተጸወዐ ተፈሊጡ።

ናይቶም ግዳያት ቀረብን ብኣጋጣሚ ካብቲ ህልቂት ካብ ዝተረፉ 150 ውጻእ መዓትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ናይቶም ግዳያት ሕልፈት ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣእምሮና ኣሎ” ከም ዝበሉ’ውን ተጠቒሱ። ተረኽቦ ላምፓዱሳ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ከም ዝጥቀስን ብፍላይ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ግዜ ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝነበረን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ዝገብሮ ከኣ፡ ብሰንኪ ኣብያ ጉጅለ ህግደፍ ኣስከሬኖም ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓዶም ክዓርፍ ዘይምኽኣሉ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋ ቀጻሊ ምህላዉን ክሳብ ሎሚ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ግዳይ ናይ ዝኾኑ ሰባት ቁጽሪ ኣማኢት ኣሸሓት ከም ዝበጽሕን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ። ጉዳይናን ግቡእናን  ኢሉም ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቦም ሙያውን ዜግነታውን ግቡኦም ንዝፈጸሙ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማሕበራዊ መዲያ ምስግና ይግበኦም።

Last modified on Friday, 03 October 2025 12:04