Print this page

ሕቶ ህዝብና፡ ብጓይላን ዳንኬራን ኣይምለስን’ዩ

2022-08-08 20:46:37 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1152 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ናጻነትን ልኡላውነትን ዘንቀሎ እዩ ነይሩ። ናይቲ ሕቶ መልሲ ምርካብ ቀሊልን ኣብ ሓጺር ግዜ እተረጋገጸን ከምዘይነበረ  ታሪኽ ቃልስና ዝመስከሮ እዩ። እዚ ሕቶዚ ናብ ባዕዳውያን ገዛእትን ናይ ረብሓ መሻርኽቶምን ዝቐርበ ስለ ዝነበረ፡ መልሱ ካብኣቶም ምርካብ ኣጸጋሚ ነይሩ። ኣጸጋሚ ጥራይ ዘይኮነ ዘይከኣል ምንባሩ እውን ተረጋጊጹ። ዘይከኣል ዝኾነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ ነዚ ሕቶዚ ግቡእ መልሲ ምሃብ ምስ መሰረታዊ ረብሓ ናይቶም ክምልሱ ዝተሓተቱ ግና ዘይመለሱ  ኣካላት  ዝጻረረ ስለ ዝነበረ እዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣይተዓሸወን እምበር፡ ናይቲ ሕቶኡ መልሲ ብዝመስል ምስምሳት ንምዕሻዉ ብዙሕ ፈተነታት ተኻይድዎ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብኸፋፋልን ጠባርን  ውዲታት ኣላሽ  ከይበለ፡ ንኹሉ ናይ ሓሶት ምህዞታት  ጠሓሒሱ ስኑ ነኺሱ ቃልሱ ሳላ ዝቐጸለ ናይ ሕቶኡ ሓቀኛን መሰረታውን መልሲ ባዕሉ ክረክብ በቒዑ። ብናጽነት ከይተጠበረ ከኣ ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላውነቱ ሓንሳብን ንመወዳእታን ኮሊዑ። ናይዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ሕቶ ምሉእ መልሲ ምርካብ ግና ናይቲ ዝተናውሐ ቃልሲ መወዳእታ ዘይኮነ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ዘሰጋግር ስለ ዝነበረ፡ እነሆ እቲ ቃልሲ መልክዑ ቀይሩ ቀጻሊ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናይ ናጽነትን ልኡላውነትን ሕቶኡ መልሲ ንምርካብ እቲ መስርሕ ቃልሲ ልሙጽ ዘይነበረ፡ ሎሚ እውን ኣብ ዝያዳ ኩርኳሕ፡ ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ረቂቕን ንሕቶኻ ባዕልኻ መልሲ ናይ ምርካብ መስርሕ ቃልሲ ተጸሚዱ ኣሎ። እቲ ናይ ቀዳማይ መድረኽ ቃልሲ ሕቶኡ መልሲ ዝጽበየሉ ዝነበረ ኩነታትን ናይ ሎምን ዝተፈላለዩ እዮም። እዚ ናይ ሎሚ ሕቶ ናብ ኤርትራዊ ሓይሊ ቀሪቡ መልሲ ዝሰኣነ እዩ። እቲ ዘመሳስሎም  ናይ ክልቲኡ መድረኻት ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ መልሲ ምርካብ በቶም ጸረ ህዝቢ ሓይልታት ምስተነጽገ፡ ንምርግጋጹ ተመሳሳሊ ካብ ህዝቢ ክቡር ዋጋ ዝሓቱ ዝነሩን ዘለዉን ምዃኖም እዩ። ናይቲ ሕቶታት ትሕዝቶ ግና ይፈላለ። እቲ ናይ ቅድም ሕቶ ንናጻን ልኡላዊትን ሃገር ነይሩ። ናይ ሎሚ ድማ ሰፊሕ ዘርዝርን ረቂቕ ትርጉምን ዘለዎ፡  ንልኡላውነትን ሓርነትን ህዝቢ እዩ።

ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ መልሲ ዝጽበ ዘሎ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰለ ምንታይ፡ ብሕገ-መንግስቲ ዘይንመሓደር?፡ ብውሳኒ ድምጽና ብእነደይቦን ኣነውርዶን ኣካል ዘይንምራሕ?፡ ብሕገ-መንግስትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ዝተዋሕሱ፡ ናይ  ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ምውዳብ፡ ምቅዋምን ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድን መሰል ዘይህልወና?፡ ብዝመርጽናዮ ሃይማኖት ዘይነምልኽ?፡ መጀመርታኡ’ምበር መወዳእታኡ ኣብ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ክንኣቱ ንግደድ?፡ ካብን ናብን ሃገርናን ዓለምን ብናጻ እንንቀሳቐሰሉ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዘይህልወና?፡ ናይታ ብዋጋና ህልውነኣ ዝተረጋገጸት ሃገርና ጸጋታት ብማዕረ ተጠቀምቲ ዘይንኸውን?፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ቀሪብካ ነብስኻ ናይ ምክልኻል መሰል ዘፍቅድ መስርሕ  ፍትሒ ዘይህልወና?፡ ብዘይ ድሌትና ክንስደድ ንግደድ?” ……..ወዘተ ንኣብነት ዝጥቀሱ ኮይኖም፡ ናይቲ መልሲ ዝተነፍጎ “ስለምንታያት?” ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ እዩ።

እዚ ሕቶታትዚ ናብቲ ኣመጻጽኣኡን ባህሪኡን ርዱእ ዝኾነ፡ ንይምሰል “ንኤርትራ የመሓድራ ኣለኹ” ዝብል  ጉጅለ እዩ ቀሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ንባህሪ እዚ ጉጅለ ካብ መጀመርታኡ ኣይርደኦን ነይሩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ድሕሪ ናጽነት ንሓጺር ግዜ “ሕቶይ ክምልሰለይ እዩ”  ዝብል እምነት ኣንቢርሉ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ከምቲ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ናይ ባህሪ ጉዳይ ኮይንዎ፡ ኣይኮነንዶ መሰረታዊ ሕቶ ህዝብና ክምልስ ናብኡ ዝቐርብ ሓሳብ እውን ከምጽእ ከምዘይኮነ ቀልጢፉ እዩ ባዕሉ ምልክታት ኣርእዩ። “ንፖለቲካዊ  መሰል፡ ብውድባት ሓሸውየ የለን፡ ንክብሪ ዕድጋ ሰንበት ሰንበት ዲና ኣባጊዕ ክንሓርደሎም ድዮም ደልይምና፡ ንሕቶ ዝስተ ማይ፡ ማይ ትኸዶ እምበር ኣይመጸካን እዩ፡ ንውጉኣት ሓርነት፡ ሓንቂቖም” ዝበሎም ናይ ደሓን ከምዘይነበሩ ንዘቕለበሉ ብሩህ መልእኽቲ ጥልመት እዩ ነይሩ።  እነሆ ከኣ  ሕቶ ዝምልስ ዘይኮነ፡ ሕቶ ኣብ ልዕሊ ሕቶ ዝድልብ ጸማም መንገዲ መሪጹ ክሳብ ሎሚ  ኣብኡ የዳኽር ኣሎ። ንሓንሳብስ ተመሊሱ ሓታታይ ዝኾነሉ’ውን ኣሎ። ንመጻኢ እውን ካብዚ ሓዲርዎ ዘሎ ጽላለ ወጺኡ ንሕቶ ህዝቢ ቦታ ዝህብ መንገዲ ደሓን ክሕዝ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ዝጥቀመሉ ሜላታት ብዙሕ እዩ። ሓደ ካብኡ፡ ብቐጥታ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከትን መድረኻውን ዘይኮነ ዛዕባታት ፈጢርካ ምህውታቱ እዩ። መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ኣነኣኢስካን ግዜ ዘይሓለወን ኣምሲልካ  ምቕራብ ከኣ ካልእ መደንዘዚ ስልቱ እዩ። እተን ሎምስ ከም ሳሙና ሓቒቐን ተወዲአን ዘለዋ “ኣብ እገዳ ሓያላት ኢና ዘለና፡ ብምሕላው ልኡላውነት ተጸሚድና” ዝብላ ሓረጋት እናመጠጠ ንነዊሕ ግዜ ሸቂጡለን እዩ። “ዲሞክራሲ ቀዳማይ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ዲሞክራሲ ብምርጫ ኣይዕቀንን እዩ።” ዝብሉ መህደሚ ኣበሃህላታት ድማ ካልእ ህግደፍ ዝሕበኣሎም ዝኣረጉ ካርድታት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ዓሚሙ ዘጣጥሐ መሲሉ ብምቕራብ፡ ምስ መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘየብሎም፡  ናይ ደገደገ  ሓደገኛ ፖለቲካዊ መደዓዓሲ ዛዕባታት ምፍጣር ካልእ ተንኮሉ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ “ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ምስ ሩሲያ፡ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ምስ ቻይና ዝተሰለፈት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር” ተባሂላ ትጽወዓሉ ዘላ ተረኽቦ  ነዚ ዘርእየና እዩ።

እቲ ካልእ ህዝቢ ብጓይላን ዳንኬራን ኣረሳሲንካን ናይ ሓሶትን ጽልእን ኣጀንዳታት ፈጢርካ፡ ነቲ ቀንዲ ጉዳዩ ቦታ ከምዘይህቦ ምግባር እዩ። ናይዚ ሎምስኳ ኣይኮነንዶ ኤርትራውያን ካለኦት እውን ነቒሐምሉ ዝጻረርዎ ዘለዉ ናይ ዳንኬራን ሳዕሳዒትን ፈስቲቫላት ተልእኮ፡ ኣብ ርእሲቲ ምንጪ ኣታዊ ምኽዕባት ምዃኑ፡ ንህዝቢ መስመር ኣስሒትካ ሓቀኛ መልሲ ናይ ሕትኡ ኣብ ክንዲ ምሃብ ዝተማህዘ  መህደሚ ሜላ እዩ። እዚ ተረኽቦ ጉጅለ ህግደፍ ትወቕሰሉን ትኹንነሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ከም ሰብ ምሕሳብ ስኢኖም፡ ከምቲ ናይ ቅድም “ንኺድ ጥራይ”  ሎሚ ድማ ከም እንስሳ “እምባሕ በል” ክብሉ ጀሚሮም ዘለዉ ወግናት ጽባሕ ኣብ ታሪኽ ቀንዲ ተሓተትን ሓፈርትን እዮም። እቶም ስለ ንቃወሞ ኣብቲ ፈስቲቫላት ዘይወዓልና እውን፡ ብኩራትና ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ስለዚ ንኣሽካዕላል ጉጅለ ህግደፍ ተግባር ብዝተሰነየ፡ “ሕቶ ህዝብና መልሱ ጓይላን ዳንኬራን ኣይኮነን” ክንብልን፡ ኣሽካዕላል ብፈስቲቫል ከይድገምን ጸኒዕናን ተኣማሚናን ምምካት ኣብ ቅድሜና ዘሎ መድረኻዊ ሓላፍነት እዩ።

Last modified on Monday, 08 August 2022 22:52