Print this page

ጉዳይና ካብ ኢድና ንከይወጽእ

2022-05-14 19:58:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 912 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራውያን ካብ ዘረዳድኡና ጉዳያት ሓደ፡ ቃልስና ነዊሕ ዝዕድመኡ ክቡር ዝዋግኡ ምዃኡ እዩ። ቃልስና ቅድም ኣንጻር ሓይሊ መግዛእቲ፡  ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣንጻር ጸረ-ሓርነትን መሰረታዊ መሰላት ህዝብናን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ወረርቲ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ ዲክታተርነት በይኖም ኣይኮኑን ንህዝብና ክድህክዎ ዝጸንሑን ዘለዉን። ንሓንሳብ ኣብ ዞባና ረብሓኦም ንምሕላው ባዕላቶም ኣንቂዶም ዝመጹ፡ ንሓንሳብ ድማ ተዓዲሞም ዝጽግዑ፡ ነቲ ኣንጻር ህዝብና ዝተሰለፈ ሓይልታት ዘስንቑን ዘዕጥቑን ናይ ግዳም ሓይልታት ካብ ጉዳይና ኣእዳዎም ኣልዒሎም ኣይፈልጡን። እዚ ዝያዳ ኣብ ናይ ቅድሚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ተመኩሮና ብብሩህ ዝተራእየን ንቃልስና ዝሓላለኸን እዩ

እቲ ካልእ ንፖለቲካዊ ጉዳይና መኣዝኑ ከም ዘጥፍእ  ዝገብሮ፡ እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ነንሕድሕድና እነርእዮ፡ ብዓይኒ ህልውና ሃገርን መሰረታዊ ረብሓ ህዝብን ክምዘን እንከሎ፡ ዓበይቲ ብዘይኮነ ምኽንያታት እንፈጥሮ ምፍልላይን ምርሕሓቕን እዩ። እዚ ተርእዮዚ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ጉዳይና ኣትዮም ንክዘርጉ ዕድል ዝህብ እዩ። ይኹን’ምበር  ብፍላይ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ካብ ምትህርራፍ ሓሊፉ ናይ ግዳም ሓይልታት በቲ ዝሓሰብዎን ዝተመነይዎን ክዕንድሩልናን ክዘርጉናን ኣየፍቀደሎምንኳ እንተተባህለ፡ ስልኩታቶም ፍጹም ኣይነበረን ክባሃል ግና ኣይኮነን። እዚ ከምቲ “ኩሉ ግዜ ፋስጋ የለን” ዝበሃል፡ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን ኣብ ኤርትራውን ዘይኤርትራውን ኣጀንዳታት ምድብላቕን፡ እሞ ዘይውሕሉልን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ተወሲኽዎ ኣፍካ መሊእካ “ምፍልላይና ኣብ መጻኢ ኣብ ሓደጋ ኣይከውድቐናን እዩ” እትብሎ ኣይኮነን።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመን ዓውለማን ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት  ኣብ ዘለወሉን፡ በይንኻ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን እዩ። ጉዳይ ኤርትራ እውን ካብዚ ወጻኢ ክረአ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ዝግበር ዝምድና ግና ምስቲ ኣብ ሃገርካ እትምሓደረሉ መርሆ ብዘሳንን ህልውና ሃገርን ረብሓ ህዝብን ብግቡእ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ንፈልጦ ኣካይዳ ህግደፍ ኣብ ሃገርና እዚ ዝበሃል መሰረት ዝሓዘን ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ምምሕዳር የብሉን። ነዚ ጓሲኻ ደገደገ እናመዓደኻ ዝግበር ናይ ጸንበለል ዝምድናታት ከኣ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ምልክታቱ ክንርእዮ ዝጸናሕናን ሎሚ ዝያዳ ገማዕማዕ ዝብል ዘሎን እዩ።

ኣብ ገዛእ ሃገርካ ልዕልናኻ ንምርግጋጽ የዕውተኒ እዩ፡ ኢልካ ብዝመረጽካዮ ኣተሓሳስባ እንዳተመራሕካ ብሕግን ስርዓትን እናተኣለኻ ምውድዳር ንቡር እዩ።  ንናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዓጺፍካ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ከምዘይጉዳይካ እንዳረኣኻ፡  ገባሪ ሓዳጊ  ኮንካ፡ ስለቲ መላኽነትካ የጣቕዑለይ ዘዝበልካዮም ናይ ግዳም ሓይልታት ዓዲምካ ወይ ተዓዲምካ፡ ኣብ ጉዳይካ ኣእዳዎም ከእትዉ ዕድል ምሃብ ወይ ዘሊልካ ኣብ ጉዳዮም ኢድካ ምእታው ኣፍራሲ ኣካይዳ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንህዝብን ሃገርን ዝህብዎ ረብሓ ብዘየገድስ፡ ጽልዋኦም ኣንጻር ብሕታዊ ስልጣነይ ከይከውን ብዝብል ስግኣት፡ ሓሓሊፍካ ኣእማን ምድርባይ ብሓጺሩ ዘይሓላፍነታዊ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ዘዘውትሮ ዘሎ ኣካይዳ ከኣ ናይዚ ብሩህ ኣብነት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቅድም ክኸደሉ ዝጸንሐ ሎሚ ከኣ መመሊሱ ዘጋድዶ ዘሎ ናይ ዝምድና ቅዱ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦ፡ ዘይትካላውን ዝምርኮሰሉ ሕገ-መንግስቲ ዘየብሉን ምዃኑ ርኡይ እዩ። ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዝምድናን ሽዑ ዘስመዖ ዝነበረ ዘይሓላፍነታዊ መደረታትን፡ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤማራትን ካለኦት ሃገራት ዓረብን ዝፈጠሮ ዕርክነትን ክራይ ወታሃደራዊ መደበራትን፡ ኣብ ጉዳይ የመን ዝወሰዶ መርገጽን ድሕሪኡ ምስ ሩሲያ ዝፈጥሮ ዘሎ ንብዙሓት ዘደንጸወ ሃላሊ ዝምድናን ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። ጌና  ናብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ዘካይዶ ዘሎ መገሻታት እውን ህዝብና ዘይረብሓሉ፡ ጉዳይና ዝተሓላልኽን ዞባዊ ምድማይ ዘኸትልን፡ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዕላማ ዘለዎ ኣይኮነን።

ክሳብ ሕጂ ይረአ ብዘሎ፡ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ዕግርግርን ናይቲ ጉጅለ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ። ብመንጽር ኤርትራን ህዝባን ግና ውጽኢቱ ክሳራ እምበር መኽሰብ ከምዘይኮነ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ግንዛበ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ሓያሎ ምልክታት ከም ዝሕብርዎ ህግደፍ ካብዚ ጌና ዘይዓረፈ ውግእ ኣብ ትግራይኳ ኣይተማህረን። እኳ ደኣ ናብ ዳግማይ ውግእ ዘምርሑ  ምልክታት እዮም ዝረኣዩን ዝስምዑን ዘለዉ። ህግደፍ ውግእ እንተቐጸለ መናብርቱን መግለጺ ባህሪኡን ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ኣይከገርምን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ እውን ገሊኡ ኣፉ ሒዙ እንተ ኣጽቂጡ፡ ገሊኡ ከኣ ህግደፍ ነንዝበሎ እናደጋገመ “ንኺድ ጥራይ” በሃላይ እንተኾይኑ፡ “ህዝቢ ኤርትራስ እንታይ ዓይነት ህዝቢ እዩ?” ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ከም ዝገንን ውሁብ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ሕጂ’ውን “ጉዳይና ካብ ኢድና ንከይወጽእ”  ዝብል ናይ ስምዕታ ደወል ነስምዕ ዘለና።

ብሰንክዚ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ክብል መሪጽዎ ዘሎ፡ ዘይሓላፍነታዊ፡ ዘይውሕሉልን ዘይለባምን መንገዲ፡ ኤርትራ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣትያ ከም ዘላ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ብሩስያን ደገፍታን ኣገናዕ ክበሃልን  ክሕርጎትን እንከሎ፡ በቲ ተጻራሪ ወገን ዝሰሓሎ ካራ ከምዝህሉ ተገማቲ እዩ። እቲ ዝሰሓል ካራ ግና ኣብ ክሳድ ህግደፍ  ዝድረት ኣይኮነን። ኣደራዑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን እውን ከም ዝዓርፍ ርዱእ እዩ። ኣብ ቀረባና ዘሎ መጀመርታኡ’ምበር መዕረፊኡ ዘይተፈልጠ፡ ፖለቲካዊ ዕልቕልቕ ከኣ ነዚ ዘጋድድ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ብዛዕባ ስልጣኑን ዝናኡን ጥራይ ክሓስብ እንከሎ፡ ብዛዕባ ህልውናኡን ቀጻልነቱን ከም ህዝቢ ንክሓስብ እነዘኻኽሮ ዘለና። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና መሰረታዊ ኣተኣላልያ ዘድልዮ መጻብቦ፡ ፈንጺሕና ወጺእና ክንድሕን ክሕግዙና ካብ ዝኽእሉ  መሰረታዊ ጉዳያት እቲ ክሳብ ሕጂ ከነረጋግጾ ዘይከኣልና “ናይ ቃልሲ ሓድነትና ምውሓስ” ምዃኑ ህዝብና ኮነ ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ከይዝንግዕዎ    ምዝኽኻር ቀንዲ መልእኽትና እዩ።

Last modified on Saturday, 14 May 2022 22:02