Print this page

ዝዘራእካዮ ኢኻ እትዓጽድ

2016-02-12 17:18:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2546 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

“መሰረት ባህልቢ እተባህለ ኣባል ናይቲ የማናይ ኢድ ህግደፍ ኮይኑ ዝሰርሕ ማሕበር መንእሰያት፡ ኣንጻር ሆላንዳዊት ፕሮፈሰር ሚርያም ቫን ራይዘን፥ ዘቕረቦ ክሲ ውዱቕ ኢዩ ብዝብል  ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ሆላንድ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ነጺግዎ” ዝብል ዜና ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ሰሚዕና። እዘን ሆላንዳዊት ፕሮፈሰር ምስ ሓደ ናይታ ሃገር መደበር ሬድዮ ኣብ ዝገበረኦ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ሆላንድ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ህግደፍ ስለያዊ ሓበሬታ ዘቕርቡ ኣለዉ እየን ኢለን። ኣብቲ ዝበለኦ ስም እዚ ከሳሲ ኣይጠቐሳን። እዚ ኣብ ሓደ ግዜ ኣቦመንበር ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ሆላንድ ዝነበረ መሰረት ባህልቢ፡ ስመይ ኣጸሊማትኒ፡ ብሰንኪ’ዚ ጸለመ’ዚ ዝሓደረኒ ጭንቀት ካብ ስርሓይ ተባሪረ፤ ስለ’ዚ፡ ናይ 25,000 ሽሕ ዩሮ ካሕሳ ይግብኣኒ ኢዩ ኢሉ’ዩ ከሲሱ። ሰራቕ ሞባእ ባዕሉ ይለፋለፍከም ዝበሃል ማለትዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑ ብቖጸራ ምስ ተታሕዘ ብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ክነብሑ ጀሚሮም። ምኽንያቱ፡ ከምቲ “ጽባሕ ነዓየ” ዝበሃል እቲ እተን ፕሮፈሰር  ኣብ መጽናዕቲ ተመርኲሰን ዝሃበኦ ሚዛን፡ ኣብ ረርእሶም  ስለዝመጽእን፥ ኩሉ ተሓቢአምሉ ዝጸንሑ መጋረጃታት ይቕንጠጥ ምህላዉን ስለ ዝሰግኡ።  ዘገርም እዩ፡ ናይቲ ኩሉ ዓይነት ገበናት ክሳብ ምቕታል ሰባት ብዘይፍርድን ምስዋርን ክፍጽም እንከሎ “መኒኻ” ዝበሎ ዘየብሉ ጉጅለ ህግደፍ ኣባላት ኮይኖም፡ ተጸሪፎም ዘይኮነስ እቲ ግብሮም ብጥሪኡ ክንገሮም ኣንከሎ፡ ደገፍቲ ፍትሒ መሲሎም ብምቕራብ ክሳብ ክሲ ክኸዱ እንከለዉስ ምስ ምንታይ ይቑጸር። እዚ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ዘብል’ዩ።

እዚ ውሳነ ቤት ፍርዲ ሓደ ኤርትራዊ ኣባል ህግደፍ ብሆላንዳዊት ፕሮፈሶር ከም ዝተረትዐ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብመሰረቱ እንታይነት ህግደፍ ይቃላዕ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ደጊም፡ ህግደፍን ደገፍቱን፡ ናቶም ክፋእን ገበንን ሓቢኦም ዝወራዘይሉ ኣሽካዕላል ዕድሚኡ ይሓጽርን ይቃላዕን ከም ዘሎ ተበሲሩ’ዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ብኹሉ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ንኣዳመቕቲ  ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ እንዳቕረቡ ቅርኖም ክሰብርዎም ይግባእ።

እዚ ኣብ መጋባእያ ኣምስተርዳም ህግደፋውያን ዝተቓልዕሉን ዝተረትዕሉን ኣጋጣሚ ውጽኢት ናይ ዝተናወሐ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን እምበር፡ ብኣጋጣሚ ዝተረኽበ ህያብ ኣይኮነን። እዚ ኣጋጣሚ ነቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ኣበሃህላ ዘግሃደ እዩ። ትምህርቲ ዝቕበል ኣእምሮ ደኣ የብሉን እምበር፡ እዚ ተረኽቦ ነቲ ቅድሚ ፍትሒ ሓይልን ዓመጽን ዝሰርዕ ዲክታቶርን ምምሕዳሩን ትምህርቲ ክኸውን መተገበአ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንግዝያዊ ጃህራን ወደኽደኽን ገዲፍካ፡ እቲ ቀጻልን ውሑስን ዓወት ዘምጽእ ህዝቢ ዝማእከሉ፡ ፍትሒ ዝዕጣቑ ደሞክራሲያውን ዘይጐነጻውን ኣገባብ ቃልሲ እዩ ኢሉ ይኣምን። ካብዚ እምንቶኡ ነቒሉ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብህግደፍ ክጽፈ ዝጸነሐ፡ ከም በዓል መሰረት ባህልቢ ዝኣመሰሉ ሰለይቲ ዝሕብእሉ ማሕበር ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣቐዲሙ ከተንብህ ጸኒሑ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ ብመንገዲ ናይ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ፡ ብ17 ማዝያ, 2014 ናብ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝጸሓፎ መዘክር፡ “እዚ ብብዙሓት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶር ዝቃወሙ ኣካላት፡ ከም ናይ ህግደፍ ማሕበር መንእሰይ፡ ከምኡ እውን ከም መንእሰያት ኢሳይያስ ዝፍለጥ ትካል፡ ሓደገኛ ቅዳሕ መንእሰያት ሂትለር ከም ዝኾነ፡ ብግቡእ ክትርድእዎን ኣኼባታት ክገብር ከይትፈቕድሉን ነዘኻኽር።” ዝብል ቁምነገር ይርከቦ። እነሆ ከኣ ከምቲ እቲ መዘክር ዘጠንቀቖ  ኣብቲ ማሕበር ዝተጫጭሑ ሰለይቲ ብፍትሓዊ ወረጦ ክምዝሓቑ ጀሚሮም።

ስለዚ በዓል ፕሮፈሰር ሚርያም ምእንቲ መሰል ኤርትራውያንን ፍትሕን ክቡር ዋጋ ኣብ ዝኸፍላሉ፡ ንሕና ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን ከኣ፡ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ እንተዘየሎ ክንድኡ ክንገብር ግደታና ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። በዓል መሰረት ባህልቢ ግና ጌና ዝዘርእዎ ክዓጽዱ እዮም።

 

 

Last modified on Friday, 12 February 2016 19:50