Print this page

ኩልና እነጽልለሉ ጽላል

2015-12-25 10:49:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2579 times
Rate this item
(0 votes)

“ጽላል” ዝብል ቃል ኣብ ሕብረተሰብና ዓይብይ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ። ዓብይ ትርጉም ዝወሃበሉ ምኽያት በቲ ፊትንፊት ካብኡ እንረኽቦ ካብ ሃሩር ጸሃይ፡ ዝናብን ቁርን ምክልኻል ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽላል ማለት እንተላይ ዋሕስ፡ ክብርን ክብደትን ዝህበካ ኣካል ማለት እውን ስለ ዝኾነ እዩ። ጽላል ከምዚ ዝተባህለ ተፈጥሮኣዊ ዋዒ፡ ቁርን ዝናብን ዘይምቹእነት እትከላኸለሉ ዋልታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣጽሊልካ ብዛዕባ ንኩልኻ ዝርብሕ ነገር ከቢብካን ነቢብካን ዘቲኻ ናይ እትውስነሉ ባይቶ መግለጺ ስለ ዝኾነ እውን እዩ። ባይቶን ጽላልን ፈላሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ብባህላዊ ልምድና፡ ኣቲ ጽላል ከከም ናይ ከባቢኡ ክሊማ፡ ናይ ዳዕሮ፡ ሳግላ፡ ሽባኻ፡ ዓርኮብኮባይ ወይ ኣውሒ ይኸውን። ። ካልእ ናይ ጽላል መግለጺ ንብዙሓት ዘጽልል ለጋስ ምዃኑ እዩ። እዞም ኣብ ትሕቲ ጽላል ዘጽልሉ ተፈጥሮኣዊ ዘይምቹእነት ንምክልኻል ኮነ ካልእ ናይ ሓባር ዕማም ክዓሙ እንከለዉ፡ እቲ ጽላል’ኳ ናይ ሓባሮም እንተኾነ ዝፈላልይዎም ብዙሓት ነጥብታት ክህልዉዎም ይኽእሉ እዮም። ካብታ ጽላል ዝረኽብዎ ረብሓ ግና ናይ ሓባሮም እዩ።

እቲ ጽላል ሓደ እዩ። እቶም ካብቲ ጸጋኡ ንምዕንጋል ዘጽልሉ ግና ብዙሓት እዮም። ከምቲ ብዝሖም ድማ ኣብቲ ጽላል፡ ሓደ ነቲ ሓደ ዘየጓንየሉ ዘዝኽእልዎ ዘበርክትሉ ናይ ሓባሮም ኣዳራሽ እዩ። ኣብዚ ፍልልያትካ ዓቂብካ ብሓባርል እተጽልለሉ ጽላ ኣጽሊልካ ሓቀኛ ለውጠሊ ንክትረክብ ምስቶም ምሳኻ ዘጽልሉ ዘሰማመዓካን ዝጠምረካን ናይ ሓባር መሰማምዒ ነጥብታት ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደን ዘጽልለሉ ካልእ ንፋስ ዝውቀዓሉ ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ ጽላል ክሳብቲ ናይ ሓባር ዕማምካ እተስልጥ ብሓባር ምእንቲ ክትነብር ካብ ስሰዐን ሸፈጥን ነጻ ኮይንካ ካልኦት ፍልጦ ክህቡኻ ጥራይ ዘይኮነ ንስኻ’ውን ኣፍልጦን ክብርን ክትህቦም ቅሩብ ክትከውን የድሊ። እዚ ጽላል ጠማርን መእከቢ ዝተበተነ ናይ ሓባር ዓቕምን ስለ ዝኾነ ብኽንድኡ ደረጃ ክብደትን ቀዳምነትን ሂብካ ክስረሓሉ ይግባእ። ናይ ኩልኻ ጻዕሪ፡ ቅሩብነት፡ ሕድገትን ጹረትን ተዘይተወሲኽዎ ግና ብናይ ውሱናት ኣበርክቶን ድሌትን ጥራይ ዝዕወት ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ውሽጥኻ ዘይቅዱስ ናይ “ንበይነይ ወይ ንጉጅለይ ጥራይ” ጸቢብነት ሓቢእካ ብምቁር ቃላት ጥራይ ዘጽልል ጽላል ምፍጣር ኣዕዋቲ ኣይኮነን። ጽላል ቅኑዕ መንገዲ ዓወት ዘትሕዝ መሳርሒ እምበር ንገዛእ ርእሱ ዓወት ከምዘይኮነ ከኣ ኣይንዘንግዕ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብዛዕባ ኣገዳስነት ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ናይ ክልሰ-ሓሳባዊ ተረድኦ ጸገም ዘሎ ኣይመስለናን። እቲ ጸገም ነቲ ትደልዮን እትብህጎን ኣብ ግብሪ ኣውዒልካ ናብ ፈረ ናይ ምብጽሑ ተወፋይነት እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምፍጣር ጽላል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ኣገደስቲ ዛዕባታት ዘይሰዓርናዮ ጸገም እዩ። ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ከም እንመሃሮ፡ ኣብዚ ሓቢርካ ናይ ምስጓም መድረኽ ንሰዓረሉ ዘለና ምኽንያታት ኩልና እንፈልጦ እዩ። እቲ ዘተሓሳስብ ድማ ነቲ እንፈልጦን መድሃኒቱ ኣብ ኢድና ዘሎን ሕማም ክንፍውስ ዘይምኽኣልና እዩ። ናይዚ ጠንቂ ድማ “ናተይ ሓሳብ ጥራይ እዩ ብሉጽ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቂም ምኹዳድ፡ ካብ ጸቢብ ግላዊ ወይ ጉጅላዊ ኣምነት ዘይምልቓቕ፡ ንናይ ዘይትገድፎምን ዘይገድፉኻን መፋርቕትኻ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ርትዓዊ ኣፍልጦ ዘይምሃብ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ብሩህ መጻኢ ምምዕዳው ሕሉፍ ኣሉታዊ ስንብራት ክትቆማምል ምምራጽ፡ ኣብ ገዛእ ጉዳይካ ኣእዳውካ ዓጺፍካ ኣእዳው ካለኦት ምምዕዳው፡ ንጉዳይ ህዝቢ ክንድቲ ትምድረሉ ዋጋ ክትከፍለሉ ቅሩብ ዘይምዃን፡ ንኤርትራዊ ክውንነት እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ኣብ ኩሉ ኩነታትካ ኣብ ግምት ዘይምእታው … ወዘተ” ካብቶም ብዙሓት ሒደት እዮም።

እቲ ዓብይ ፖለቲካዊ ዕላማ ናይ ኩልኻ ስለ ዝኾነ፡ በይንኻ ከተዕውቶ ከምዘይትኽእል ተገንዚብካ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምፍጣር ጻዕርና፡ ማዕረ ፖለቲካዊ ቃልስና ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። ካብቲ ዝተፈተነ ሃቐነታት ኣየንኡ ተዓዊቱ ኣየንኡኸ ኣይተዓወትን ክንጽብጽብ እንከለና እቲ ዘይተዓወትናሉ ሃቐነታት’ዩ ዝበዝሐ። ናይ ርሑቕ ገዲፍና ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመት ተመኩሮታት ንጸብጽብ እንተበልና’ኳ፡ ፈተነታት፡ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል። ኣብዞም ኩሎም ፈተነታት ከነድምዕ ዘይምኽእልና ከኣ ቀንዲ መምዘኒ ድኽመትና እዩ። ኣብ ምፍጣር እዚ ጽላል ምዕዋትናን ዘይምዕዋትና ንኹሉ እቲ እንሓልሞ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማና ዝጸልዎ እዩ። ጽላል ክንፈጥር እንተኽኢልና ነቲ ቀጻሊ ዕላማና ኣብ ምዕዋት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ኣብዚ ዘይምዕዋትና ድማ ንኹሉ ባህግና ንድሕሪት ዝመልስ ውይ ኣብ ዘለዎ ንከኹድድ ዘገድድ እዩ። ሎሚ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ዘነጽሩ ኣብነታት፡ ካብ ዒራቕ ክሳብ ሊቢያ ብዙሓት እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ ድማ ከምቲ “ገ ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝበሃል ነዚ ኣብ ጥቓና ንርእዮ ዘለና ሓደጋታት ናይ ኣቐዲምካ ሓባራዊ ጽላል ክትፈጥር ዘይምኽኣል ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሲ ክንመሃረሉ ዘይምኽኣልና እዩ። ወዮ “መለአበምን ኣይግበርካ፡ መለበምንከ ኣይኽላእካ” ዝበሃል ለባም ኣበሃህላና’ውን ዝተሰወጠና ኣይንመስልን።

ምምስራት እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጽላል፡ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ ከቢድ እውን እዩ። ኣገዳስነቱ ኮነ ክብደቱ ከኣ ካብ ተመኩሮና እንግንዘቦ እምበር ርሑቕ ኬድና ንመራመረሉ ኣይኮነን። ብዘይካዚ ኣብቲ መስርሕ ካብ ሓደ ደረጃ ናብቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ኣንዳተሰጋገርካ ብምጡንን ቀጻልን ስጉምትታን ብናይ ኩሎም ሰብ ዋኒን ኣስተዋጸኦን ዝብጻሕ እምበር፡ ብጻዕሪ ውሱናት ብዝላን ኣቋራጭን ዝብጻሕ ኣይኮነን። እቲ ተበግሶ ካብ ውሱን ኩርናዕ ነቒሉ መስርሑ ሓልዩ ከም ሮማዲ ዘስፋሕፍሕ ኣምበር ሎሚ ተዘሪኡ ጽባሕ ፍረኡ ዝሕፈስ ኣይኮነን። ከምቲ ዝተባህለ ዝሓለፉ ጽላል ናይ ምፍጣር ጻዕርታትና ኣብቲ ንደልዮ ዓወት ኣይበጸሓን። እንተኾነ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ዝጠቅም ዋላ ሓንቲ ቁምነገር ኣይተረኽቦን ኢልካ ዝድምደም ኣይኮነን። ካልእስ ይትረፍ ሕጽረትና እንታይ ከም ዝነበረ ንምግንዛብ። ምኽንያቱ ንናይ ጽባሕ ዓወትና ናይ ትማልን ሎምን ድኽመትና መምህርና ስለ ዝኾነ። ግን ከኣ ክንመሃረሉኸ ቅሩባት ዲና? ዝብል ድማ ኣሎ። እንተ ተማሂርናሉ ግና መጻኢ ርህው ኣብ ምግባር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

እነሆ ሎሚ እውን ካልእ ኣቋራጭ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና ጽላል ሃሰስ ናይ ምባል ጻዕርና ክሳብ ንዕወተሉ ቀጻሊ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ጉዳይና፡ ጉዳይ ኤርትራ ዝዝቲ ርክባት ተገይሩ። ብዛዕባ ቦታ፡ ግዜ፡ ኣዳለውቲ፡ ተሳተፍትን ኣጀንዳን ናይቲ ርክባት ብፍላይ ኣብቶም ዘይተሳተፉ ኣካላት ስኽፍታ ተተራእየ፡ ንቡር እምበር ዘሰንብድ ኣይመኾነን። እቲ ዘሰክፍ ነዚ ተረኽቦ ኣብ ክንዲ ከም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኣብ ምምስራት ኩልኻ እንተጽልለሉ ጽላል ወሲድካ “ኣጆኹም ኣጆና” ምብህሃል፡ ንድሕሪት ምእንቲ ክትመልሶ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብኡ ዝወዓሉን ዝወደቡን ብውልቅን ብጉጅለን፡ ሕሉፍ ቁስሊ እንዳ ጐዳዳእካን ኢንታታት እንዳናደኻን ፋስን ምሳርን ስሒልካ “ቱታ ኣይትሓዙኒ” ምባል ግና፡ ምስ ኩሉ ነቶም ኣብ ከምዚ ዘይሓጋዚ ወፍሪ ተጸሚዶም ዘለዉ ኣካላት ዘለና ኣኽብሮት፡ “ምናልባት ንገለ ብግሎም ዘይፈትውዎም ኣካላት ይኹኑ ጉጅለታት ብምጥቃዕ ይፈኹሶም ይኸውን፡ እንተ ብመንጽር ምድሓን ህዝብን ሃገርን ግና ኣካይዳኦም ሓጋዚ ኣይኮነን’ሞ ናብ ውነኹም ተመሊስኩም ሕሰቡ ንብሎም።” ኮታ “ተገራሪህና ዓዲ ነድሕን፡ እምበር ተጐራሪሕና ዓዲ ኣይነጥፍእ” ዝበሃል ለባም ዘረባ ወለድና ናብዚ ናይ ሎሚ ኩነታትና ኣምጺእና ንመምዮ፡ ምእንቲ ”ኩልና እነጽልለሉ ጽላል” ክንፈጥር ክንበቅዕ ንብሎም።

24 ታሕሳስ 2015

Last modified on Friday, 25 December 2015 11:52