Print this page

ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ኮኒኑ

2014-09-19 21:06:47 Written by  ዜና ተለቭጅን ሽወደን ዕለት 19 መስከረም 2014 Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 29992 times
Rate this item
(0 votes)

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኤርትራ ብእትፍጽሞ ዘላ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምኹናን፣ ኣብ መገልጺኡ ንሽወደናዊ  ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ምህላው ዘኪሩ። ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዓሚቝ ስክፍታ ይፈጥረሉ ከምዘሎ ሕብረት ኤውርጳ ገሊጹ። ብፍላይ መሰረት ሕጋውነትን  ናይ ሕልና፡ እምነትን ምግላጽ ርእይቶን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ሰብኣዊ ሓርነታት ዝበኾረሉ ሃለዋት ምህላው ሕብረት ኤውርጳ ኣብ መገለጺኡ ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ሕብረት ኤውሮጳ ኤርትራ ንእሱራት ኣባላት ባይቶን ጋዜጠኛታትን ካልኦት ብምኽንያት ፖለቲካዊ ርእይቶኦም ተኣሲሮም ዘለው እንተላይ ዳዊት ኢሳቕ ክፍትሑ  ጠለቡ ኣቕሪቡ።

Last modified on Saturday, 20 September 2014 06:23