Print this page

ምሁራትናኸ ኣበይ ኣለዉ?

2014-08-30 15:38:33 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 10466 times
Rate this item
(0 votes)

ከም መእተዊ ክኾነና ብኣኡ ንጀምር እንተዘይኢልና፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣሻዅ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ ስለ ዝኾነ ምጥቃሱ’ውን ኣድላይ ኣይምኾነን። ብዛዕባ “ከመይ ጌርና ካብዚ ዘለናዮ ናይ ሻቕሎት ሃለዋት ናብ ራህዋ ንበጽሕ” ዝብል ግና ጌና ክዝረበሉን ክጸሓፈሉን ዝግበኦ እዩ። እዚ እውን ከም ሓድሽ ኣይኮናን ንግደሰሉ። እንታይ ደኣ ካብ ምጽሓፍን ምዝራብን ሓሊፍና እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይረኽብናዮ፡ ክሳብ ንረኽቦ ከነኮማስዖ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ እዩ።

ሎሚ እቲ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ህግደፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ደገ ብዝስማዕ ድምጹ’ኳ ተዘይኣእወየ፡ ብውሽጡስ ዓው ኢሉ ናይ ርድኡኒ ኣውያት የስምዕ ኣሎ። እዚ ድምጺ’ዚ ኣይኮነንዶ ኣብ እዝንና እዝኒ ኤርትራውያን፡ ኣብ እዚ ዓለም እውን ናይ ወርትግ ዘሳቕቕ ድምጺ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ባህልና ሓደ ኣካል ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከስምዕ እንከሎ ካብ ጐረቤት ጀሚርካ ነቲ ኣውያት ዘስምዐ ቀረብ  ይኹን ጓና፡ ኮታ ኩሎም ኣካላት ብህጹጽ መጺኦም ነቲ ሓደጋ  ንምውጋድ ከከም ዓቕሞም ናይ ምብርካት ማሕበራዊ ግድነት ኣለዎም። ሓደ ኣካል ክሳብ ክንደይ ይሓልየልካ ወይ ኣይሓልየልካን ካብ ዝምዘነሎም መለክዕታት ሓደ ኣብ ግዜ ጸገምካ ይረድኣካዶ ኣይረድኣካን እዩ። ኣብ ግዜ ራህዋስ ፈታውን ቀራብን ብዙሕ ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ 4 ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል መንፈሳዊ ኣርእስቲ ሂቦም ዘመሓላለፍዎ ኩለመዳያዊ መልእኽቲ ናይ ብዙሓት ስምዒት ከም ዘበራበረን፡ ንብዙሓት ናይ ጽንዓት፡ ድፍረትን ሓልዮትን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ዝዝከር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ መጸዋዕታ ህዝብኻ ኣበይ ኣሎ?፡ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?፡ ወለድኻ ኣበይ ኣለዉ?፡ ሓብትኻ ኣበይ ኣላ?፡ መንእሰያትካ ኣበይ ኣለዉ?፡ ብዓባያ እታ ሃገር ኣበይ ኣላ?፡ …. ወዘተ ዝብሉ መሰጥቲ ሕቶታት ክለዓሉ እሞ መልሲ ንኽረኽብሎም ንቡዙሓት ወገናትና ሓላፍነት ዘሰከሙ ምንባሮም እንዝክሮ እዩ። እቲ ሕቶ ናይቶም ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ድሃዮም ዝጠፈአ ኤርትራውያን ደሃይ ንምፍላጥ ጥራይ ዘንቀደ ዘይኮነስ፡ ናይቶም ህልዋትን ደሃይ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጡን መጸዋዕትኡ ክሰምዑን ዝግበኦም ኣካላት ድሃይ ንምርካብ’ውን ዝዓለመ እዩ። ካብቶም ቀንዲ ተጸዋዕቲ ምሁራት ምዃኖም ድማ ኣይንዘንግዕ። ኣብ ሕብረተሰብና ከምዚ ሎሚ ኣጓኒፉና ዘሎ፡ ጸገም ክርከብ እንከሎ፡ ከከምቲ ኣቀማምጣና  መፍትሒ ናይ ምርካብ መሪሕ እጃም ኣለዎም እንብሎም ኣካላት ኣለዉ። መነመንዮም ንምፍላዮም ድማ ዝተፈላለየ መምዘኒ ኣለና። ካብ ዕድመ ክንብገስ እንከለና ዝያዳ ናብ ዓበይቲ ነድህብ። ናይ ሕብረተሰብ ምልኣት ከድልየና እንከሎ ድማ ናይ ክልቲኡ ጾታ ተሳትፎ የገድሰና። ተመኩሮ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምትሕልላፍ ከሻቕለና እንከሎ ናብ መንእሰይ ነመዓዱ፡ ሃገር ብናይ ግዳም ሓይሊ ክትውረር እንከላ ድማ ግደ እቲ ዕጡቕ ሃገራዊ ሰራዊት ጐሊሑ ክረአ ናይ ግድን ይኸውን። ሃገር ኣብ ከምዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ፡ ነገራት ተሓዋዊሱ ህዝባ ካብ ምብትታን ሓሊፉ ናብ ምጽናት ክደናደን እንከሎ ድማ መዋጸኦ መንግዲ ምእንቲ ክሕብር ናብ ምሁር ክፍሊ ነመዓዱ። “ሃየ’ባ መንገዲባ ሓብር” ንብሎ። ወይ በዚ  መድረኻዊ ኣጸዋውዓ “ምሁራትናኸ ኣበይ ኣለው?” ኢልና ንሓትት። እዚ ናይ ምሁራት ጉዳይ፡ ምጽዋዕ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ግዜ ጸበባ ናይ ኣድሕኑኒ ምጥራዕ እዩ።

ሕብረተሰብና ነቶም ኣብ ግዜ ጸገሙ እምነት ኣንቢሩ ዝጽውዖም ኣካላት ኣብ ግዜ ራህዋ ፍሉይ ክብሪ’ዩ ዝህቦም። በጃ እውን ይሓልፈሎም። ከምቲ ንዓበይቲ ክብሪ ክህብ እንከሎ “ዓብዪ ነብዪ” ዝብል ኣብ ምሁር ዘለዎ እምነት ንምግላጽ ድማ ፡ “ዘይተወቕረ ኣየጥሕን፡ ዘይተማህረ ነየድሕን” ይብል። እዚ ዳሕረዋይ ምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዝተማህረ ሰብ ክሳብ ክንደይ  ናይ ምቕያርን ምድሓንን ዓቕምን ሓላፍነትን ከም ዘለዎ ዘመላኽት እዩ። ኮታ ህዝብና ንምሁር ዘሰክሞ ሓላፍነት ኣብ ትሕቲ ኣምላኹ፡ ምስ ምድሓንን ዘይምድሓንን ዝተተሓሓዘ እዩ። ናይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ወሳኒ ግደ ኣለዎ ኢሉ ከም ዝኣምን’ውን የመልክተና። ብሓፈሻ ኩሎም ምሁራት ብፍላይ ድማ ኤርትራውያን ምሁራት ነዚ መጸዋዕታ ዝህብዎ ምላሽ ኣብ ከምዚ ሕጂ ኤርትራን ህዝባን ዘለውዎ ግዜ ዘይህብ ጸበባ እዩ ዝውሰን። ርግጽ እዩ ኣብ ግዜ ራህዋ ንህዝቢ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ “ ከይተማህረ ንዘምሃረና ህዝቢ ክንክሕሶ ኢና” ዝብል ናይ ምሁራት ቃልኪዳን ይስማዕ እዩ። ጸገም ኣጋጢሙ ምስተባህለን ናይ ምሁር ብጽሒት ተደላይነቱ መተካእታ ዘየብሉ ምስ ኮነን ክሳብ ክንደይ’ዚ ቃልኪዳን ብግብሪ ይስነ ኣብ ቅድሚ ምሁራት ተገቲሩ ዘሎ ፈተና እዩ።

ግደ ምሁር ከከም ኩነታት ናይቲ ሃገሩ ዘላትሉ ኩነታት ዝተፈላለየ እዩ። ኣድላይነት ሰላም ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝሕዘሉ ብጽሒት ናይቲ ምሁር ዕዙዝ ግደ፡ መንገዲ ሰላም ምርካብ ይኸውን። ጥሜትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ዝሳዕረረሉ ህሞት፡ እቲ ምሁር ቁጠባዊ ሓላፍነቱ ከበርክት ትጽቢት ይግበረሉ። ዓቕሚ ትምህርቲ ኣንቆልቊሉ ድንቁርና ምስ ሳዕረረ’ውን ከምኡ። ኣብ ከምዚ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ዘላትሉ ዓይኒ መፍተሉ ዘጥፈአ ኩነታት ከዓ  ናይ ምሁር ዕማም ብኽንድኡ ደረጃ ዝተደራረበን ኩለመዳያውን እዩ። ነዚ ተደራራቢ ሓላፍነት ብመንጽር ህጹጽነቱ ብቐዳምነት ሰሪዕካ ምውጋኑ ድማ ካልእ እሞ ድማ መሰረታዊ ዜግነታዊ ሓላፍነት ናይቲ ምሁር እዩ። ንናይ ምሁር ኣስተዋጸኦ ሓቀኛ ምሁራዊ ዝገብሮ ካልእ መምዘኒ፡ እቲ ምሁር ካብ ጸቢብን ሸነኻውን ኩርናዕ ወጺኡ ዘካይዶ ጻዕሪ፡ ንምሉእ ሃገርን ህዝብን ማእከል ዝገበረ ክኸውን ምኽኣሉን ዘይምኽኣሉን እዩ። ስለምንታይ ንእግረ መንግዱ ኣንጻር ኩሉ ጸቢብነት መኪቱ ሓድነት ሃገርን ውህደት ህዝባን ምዕቃብ እውን ሓላፍነቱ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ብምሁርነቱ ብዝረኸቦ ብልጫ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ገንዘብ ናይ ምርካብ ዕድል ኣጋጢምዎ፡ ንቤተሰቡ ገንዘብ ከፊሉ ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ከም ዝስደድ ምግባሩ ወይ ገዛን ካልእ ንብረትን ክወንን ምኽኣሉ ኣዝዩ ግላዊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ነዚ ከተሳልጥ ናይ ግድን ምሁር ምዃን ዘድልዮ’ውን ኣይኮነን። ኣብ ገሊኡ ከባብስ እዚ ምስ ንዋይ ዝተጠሓሓዘ ተግባር ካብ ብበዓል ትምህርቲ ዝያዳ ብበዓል ጉልበት ዝፍጸመሉ ኣጋጣሚ እውን ኣሎ። ብዝኾነ ካብቶም ሓደ ሓቀኛ ምሁር ክፍንፍኖም ዝግበኦ ባህርያት ግላውነት እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ነቲ ምሁርነት፡ ሓቦ፡ ኒሕ፡ ትብዓት፡ ተወፋይነትን ሓቀኛ ህዝባዊ ሓልዮትን እንተዘይ ተሓዊስዎ፡ ብፍላይ ብመንጽር ግደ ምሁር በጃ ህዝብን ሃገር ኣብ ምሕላፍ ላዛ ኣይህልዎን እዩ። ስለዚ ምሁር ኮይንካ ፍልጠት ምውናን ሓደ ደረጃ ኮይኑ፡ እቲ ቀንድስ ነቲ ዝረኸብካዮ ፍልጠት ድሕሬኻ ዝዛረብ ታሪኽ ክትሰርሓሉ ብቑዕ ምዃን እዩ። ሓደ ምሁር ከምቲ ዝተጸበይዎ ምስ ዘይከውን እዮም ይመስለኒ ወለድና “ካብ ምህሮ ኣእምሮ” ናብ ምባል ዝመጣጠሩ። ግደ ሓቂ ግና ምህሮ ኮነ ኣእምሮ ኩሎም ኣድለይቲ ብቕዓታት እዮም። ምሁር ናይ ቀለም ፍላጥ ምዃን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሉ ኣውንታ መሪሕ ኣብነት’ዩ ክኸውን ዝግበኦ። ናይ ትብዓት፡ ናይ ጽንዓት፡ ናይ ሓድነት፡ ናይ ምክእኣል፡ ናይ ፍትሓውነትን ርትዓውነትን ኣብነት። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ምሁር’የ ዝብል፡ ናይ ምፍንጫል ናይ ጸቢብነትን ናይ ዲክታተርነት ኣባ ጓይላ እንተኾይኑ፡ ነቲ “ምሁራትናኸ ኣበይ ኣለዉ?”  ዝብል መጸዋዕታና “ኣብዚ ኣለኹ” ኢሉ ክምልስ እንጽበዮ  ምሁር ንሱ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራ ዘላቶ ሃለዋት፡ ናይ ገለ ምሁራት ደሃይ ምጥፋእ ዘይነኣድ ጉዳይ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ጠሊሙ ምስቲ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ ዝተሰለፈ ዝተጠላቐየ ምሁር ከም ዘሎ”ውን ዝዘንጋዕናዮ ኣይኮነን። ሶፍያታትን ጌደዎናትን ናይዚ ኣብነት’ዮም። እዞም ሎሚ ንህግደፍ ኣመላኺዖም ብምቕራብ ንህዝብና ንበላዒ ዝህብዎ ዘለዉ ውሱናት ምሁራት ድሕሪ ሕጂ ንመጸዋዕታ ህዝብና መልሲ ክህብዎ እዮም ዝብል ትጽቢት የብልናን። ህይወት ናይ መን ምድሓን ከም ዘገድሶም ርኢናዮም ስለ ዘለና። ቀንዲ ቆላሕታና እምበኣር ናብቶም ኣብ እንዳኹሉ የለናን ክብሉ ዝደልዩ ምሁራት ወገናትና እዩ። ምስ እንዳ ህዝቢ ንክህልዉ ድማ ደጊምና ነዘኻኽሮም። በዚ ኣጋጣሚ ዝተወሰኑ ምሁራት ኣብ ውድባት ይኹን ኣብ ማሕበራት ተወዲቦም፡ ምሁራዊ  ኣስተዋጸኦኦም የበርክቱ ከም ዘለዉ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ ህግደፋዊ ኣርዑት ሓጺን፡ ካብ ምሁራትና እንጽበዮ ኣበርክቶ ጌና ብዙሕ ዝተርፎ ምዃኑ ምዝኽኻሮም ከዓ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ውዳበ ምህላው ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ነቲ ዘለውሉ ውዳበ ብግቡእ ምሁር ምሁር ከም ዝሽትት ናይ ምግባሩ መሪሕ ሓላፍነት ስለ ዘለዎም።

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ቀንዲ ግደ ምሁር  ብገምጋማዊ  ኣበርክቶ  ዝግለጽ’ዩ። ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ መሰረታዊ ጉዳይ’ውን እዚ እዩ። ታሪኽ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት ከመይ ከም ዝነበረ ብምሁራዊ ዓቕሚ ኣይተገምገመን። ንጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ሓንሳብ ምስ ኣተዎ ምውጻኡ ስኢኑ ዘሎ ዓመጸኛ ሰልሚ ዘእተዎ ተመኩሮ ብምሁራዊ ዓይኒ ኣይተዳህሰሰን። ነቲ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ ቅኑዕ መንገዲ ዘትሕዝ ምሁራዊ ገምጋም ኣይተኻየደን። ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ ምስ ርሑቕን ቀረባን ዝፈጠሮ ምትንዃሕ ካብ ኩሉ ተነጺሉ ኣብ ብሕትውና ዝነብረሉ ዘሎ ምኽንያት ብምሁራዊ ዓይኒ ኣይተገምገመን። ግዱድ ውትህድርና፡ ዘይህላወ ቅዋም፡ ዋሕዚ ናብ ስደት፡ … ወዘተ ከምኡ ንጹር ገምጋም ዘድልዮም ክንሶም ኣይተገምገሙን። ኣብዚ ከይጋገ፡ ዝተወሰኑ ምሁራት ብውልቆም ንዘካይድዎ ፈተነ ኣይዘንጋዕኩዎን። እንተኾነ እዚ ሓደ ይሃንጽ እቲ ሓደ ድማ የፍርስ ዓይነት ኣካይዳ ንምሁራዊ ግደ ብምልኣት ዝገልጾ ስለ ዘይኮነ፡ ኩሎም እቶም ህዝባዊ ሓቦን ኒሕን ዝደረቡ፡ ንህዝቢ ዝኣተውዎ ቃልኪዳን ዘይዓጸፉ ምሁራት ዝዋስእሉ ናይ ሓባር ገምጋሚ መድረኽ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ተፈጢሩ ነቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምግብን ስሩዕ መገዲ ዘትሕዝን፡ ንጉጅለ ህግደፍ ድማ ዘቃልዕ ውጽኢት ከመዝግብ ናይ ግድን እዩ። ናይ ምሁራት ስራሕ መዋጸኦ ዝኸውን ገምጋምን መጽናዕትን ምክያድ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ዝተሓፍሰ ገምጋማዊ ምህርቲ ጉልባብካ ቀሊዕካ ኣብ ኣድባባይ ናብቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ቀሪብካ ምስራጹን፡ ናይ ኣፈጻጽማኡ መንገዲ ስኢልካ ምሕባርን’ውን ኣብ ልዕሊ ፍልጠት ድፍረት’ውን ዝሓትት ምሁራዊ ግደ እዩ። ኣብ ሓደ ገምጋማዊ መደምደምታ ምስ በጻሕካ፡ ነዚ ገምጋምካ፡ ኣብኡ ረብሓ ብዘይብሎም ኣካላት፡ ንኣብነት ብጉጅለ ህግደፍን ኮራኩሩን ዘይመልክዑ ክወሃቦ እንከሎ፡ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ምኽልኻልን ተኸላኺልካ ምርታዕን እንተተወሲኽዎ  እዩ ምሉእ ምሁራዊ ክብደት ዝህልዎ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፡ ምሁርነት ብዛዕባ ሓደ ዓብይ ዓውዲ፡ ቁጠባ ድዩ፡ ሕክምና ወይ ምህንድስና ድዩ ጀኦግራፊ ዓሚቕ ፍልጠት ምውናን ጥራይ ኣይኮነን። ብፍላይ ናብዚ ህዝቢ ናይ ምድሓን መድረኽ ቃልሲ ከነምጸኦ እንከለና፡ ብቑዕ ምሁርነት፡ ናይ ርኢቶ ነጻነት፡ ርትዓውነትን ፍትሓውነትን ምውናን እውን ዝሓትት እዩ። ምሁርነት ፈላጥነት ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ጅግንነት፡ ትብዓትን ዝያዳ ኩሉ ድማ ርእሰ-ተኣማንነት እዩ እንብል’ውን ምእንቲ እዚ እዩ። ብፍላይ ትብዓት እንብሎ ዘለና ሳላቲ ምሁራዊ ጸጋኻ ንዝጨበጥካዮ ሓቂ፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወይ ካብ ምስ ህግደፍ ዝመሓዘዉ ቤተሰብካን ፈተውትኻን ፈሪሕካ ካብቲ ከትበጽሖ ዝግበኣካ ደረጃ ንድሕሪት ዘይምባል ማለትና እዩ። ሳላ ምህሮኻ ብዙሕ ሓቂ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ሃልዩካ፡ ብሰንኪ ከይብሉኒ ሓቢእካዮ ምጽባይ ግና ኣይግድን። ኣብ ገንኢ ከም ዝኣተወ ምብራህቲ ድማ ይምሰል። ስለዚ ሃየ ምሁራትና “ምሁራትካ ኣብዚ ኣለና” ዝብል ናይ ተስፋ ደሃይ  ከተስምዕዎም መድረኽን ህዝብኹምን ይጠልብኹም ኣለዉ!

ባሕቲ መስከረም ንዘለኣለም ትንበር

30 ነሃሰ 2014

 

Last modified on Monday, 08 September 2014 07:02