Print this page

ሃገርና፡  ኣብ ከመይ መንቀራቕሮ ኮን እያ ክትኣቱ?

2020-07-25 09:02:20 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1344 times
Rate this item
(0 votes)

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ በብግዜኡ ሰለይ እናበለ ብዘጥረዮም ኰራኲሩን መገባርያታቱን ኣቢሉ ኤርትራዊ ሃገራዊነት ዘህስስ ሽርሕታት እናፈጸመ እዩ መጺኡ። ሓደ ካብቲ ዝፈጸሞ ከቢድቲ ገበናት ድማ ኤርትራ  እቲ እትውከሎ ዝነበረት  ሰንደቕ ዓላማ (ባንደራ)፡ ህዝባን መሬታን፡ ባሕራን ሰማያን ዘጠቓለለ ምዃኑ ርዱእ ክነሱ ድሕሪ ናጽነት ብኢደ-ወነኑ ምቕያሩ እዩ። ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋዚ ኢሳያስ ንበይኑ ስሙ ይርቋሕ እንተሎ፡ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘውደኽድኹን ሕግብግብ ዝብሉ ዝነበሩን ዘለዉን፡ ዓበይቲ ካድራትን ኣባላት መራሕትን’ውን ኣብ ምፍጻምቲ ገበን ኣካሉ ከምዝነበሩን ዘለዉን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ልክዕ እዩ፡ እቶም ንሱ ዝእዝዞምን ከምዚ ግበሩ ዘዝበሎም ዘተግብሩን ዝነበሩ እንተስ ተኣማንነት ከርእዩ   ይኹን እንተስ ናይ ሓባር ረብሓ ሃልይዎም ቀንዲ ተሓተትቲ እዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ኤርትራ  ባንደራ ክቕይር እንከሎ “ኣይፋል እዚ ሓላፍነትን ስልጣንን ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ክብሉ ኣይከኣሉን። ስለዚ ንሳቶም’ውን ነቲ እከይ ተግባራትን ነቲ ዘገብልዎ ዝነበሩ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ድሌቶም ከምዝነበረ ኢዩ ዘመስክር። እነሆ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብባንደራ ክንከፋፈልን ስምምዕ ክንስእንን ሓደ ካብቲ ምልክታት  ክፍኣት ግብሩ ኢዩ። ኮታ እቲ ኩሉ ኢሰያስ ዝገብሮን ዝሕንጽጾን ኣሜን ኢሎም ከተግብሩ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ናይ ስዉኣት  ሕድሪ   ጠሊሞም ንሃገሮምን ህዝቦምን ይደቚሱ ምህላዎም ኣይጠፍኦምን። ኢሰያስ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ደልሃመት እናእተወ እንከሎ  “ቅኑዕ ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ”  ኢሎም ዝኣምኑ ኣካላት፡ ዕሩብ ሕልና ምውናኖም እዩ ዘርኢ።

እኪት ስርሓት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ካብ ንግህኡ ኣትሒዙ ድግድጊት ከምዝተዓጥቀ ንማንም ስውር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን በቶም ሕልንኦም ዝሸጡ ኣቢሉ፡  ነቲ ሕቡእ ሕልንኡ ብሽርሒታት፡ ጥበራን ምስሉይነትን ዝመልኦ ኣገባብ ተኸቲሉ ውግኣት እናጻሕተረ ንህዝቢ የጽንት ኣሎ። ንሃገርና ኤርትራ’ውን ካብቲ ዝነበራ ምዕባለ ንድሕሪት መሊሱ  ዝደኸየትን ህዝባ ድማ ብሕማምን ስእነት መኣዛዊ መግብን ክሳቐ ከኸውንን ፈሪድዎም። በዘይካ’ዚ እቲ ኩሉ ዝገብሮን ምስ ህዝቡ ተዛትዩን ተመሊሱ ንህዝቢ ቅኑዕ ሓበረታን ዝተበጽሐ ስምማዓትን ኣብ ክንዲ ብግልጺ ዝሕብር ዓፊኑ  ሒዝዎ ይርከብ። እዚ ኹሉ እከይ ተግባራቱ ህዝቢ ኣንጻሩ ከይለዓል እሞ እታ ስልጣኑ ከይትፈርሶ ብማለት ይፍጽሞ ምህላዉ ርዱእ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ መስደምም፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ  እቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጐንጽታት ክፈትሕ ዘይከኣለስ ንናይ ካልኦት ሃገራት ዘይምስምማዕ ከሰማምዕ ሓንሳብ ንሱዳን ሓንሳብ ድማ ናብ ግብጺ ብምኻድ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተዂላ ክኸውን ምፍታኑ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ኹሉ ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘይጉዳዩ ጠብሎቕሎቕ “እምበርዶ ናይ ጥዕና እዩ?” ዘብል  እዩ። ትማሊ ንወያኔ ኣብ ዘይጉዳያ ጣልቃ ንኽትኣቱ ዝገበረ ዘምጸኦ መዘዝ ዘንጊዑ፥ ሎሚ  ንሱ ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ብምእታው ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሕንፍሽፍሽ ከእትወላን ክዘራርጋን እምበር፡ ኣብ ሃገሩ ቁምነገር ዘይገበረዶ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ቁምነገር ክገብር ኮይኑ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ዶብ ምስምስ ዝተኻየደ ውግእ፡ ንኽንደይ መንእሰያት ኣህሊቑ ከብቅዕ፡ “ኪኖ ዶብ ኢና እንሓስብ” ክብል እንከሎን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዝተዛረቦን ክትመዝኖ እንከለኻ ንኤርትራ ሃገርና በብቑሩብ ናብቲ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ይውጥጣ ከምዘሎ እዩ ዘረደኣና። ኣብ ሃገርና ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራዊ መደበራት ክፈቅድ እንከሎ፥ ብግዳማዊ ሓይሊ ኣቢሉ ስልጣኑ ክሕልወሉ ይኹን ወይ እውን ነቲ ክፍጽሞ ወጢንዎ ዘሎ ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ ንምትግባር ካብ ህዝቢ ብሒም ዝብል ንኸይርከብ ዓፊኑ ንምሓዝ ዝገብሮ ዘሎ እዩ። ከምቲ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝቃላሕ ዘሎ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ከሰላን ፖርትሱዳንን ንኽዕስክር ድሮ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ስምምዕ በጺሑ ኣሎ። እዚ ሰራዊቱ ካብ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ናይ ምዕስካሩ ተግባርከ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ክጨውን ክቕንጽልን ድዩ ሓሲቡ ወይ ካልእ ዘይተገልጸ ውዲታት ስለ ዘለዎ እዩ ጽባሕ ግዜ ከቃልዖ እዩ።

Last modified on Saturday, 25 July 2020 11:07