ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ሰዓት 14፡00 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ድሕሪ ብኣቦ መንበር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ናይ ሰላምታ መኽፈቲ፡ ኣብቲ መዛረቢ ኣርእስቲ ተኣትዩ።
ከምቲ ልሙድ ድሕሪ ፈስቲቫላትናን ጉባአታትናን ገምጋም ምግባር ኣገዳሲ ኮይኑ ምጽንሑ፡ ጨንፈርና ድማ ነዚ ናይ ዓመተ 2019 ዝነበረ ፈስቲቫልና ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣኼባና ገምጋሙ ኣቐሚጡሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር‘ዩ። ብግዜ ምሕጻር ኣብ ጉባአና ዘሎና ገምጋም ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚርና ዘይወዳእናዮ ስለ ዝነበረ ቀንዲ መዛረቢና ንሱ ኮይኑ እዩ ውዒሉ።
ድሕሪ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርናን ሃለዋት ህዝብናን ምዝርራብ ድማ፡ እቶም ብጨንፈርና ተወኪሎም ኣብ ጉባአ ዝተሳተፉ ኣባላትና፡ ብዛዕባ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ካብ ምስንዳኡ ኣትሒዙ ክሳብ ምድምዳሙ እናተመላልኡ መግለጺ ኣቕሪቦም። ካብኡ ብምቕጻል‘ውን ብኣኼበኛታት ዝቐረበ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ተኣትዩ። ኣኼበኛታት ድማ ርእይቶታቶም እናኣፍሰሱ ክሳብ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ዝውዳእ ቀጺሎም።
እቲ ቀንዲ ኣኼበኛታት ዘተኮሩሉን ዘሞጐሱዎን ጉዳያት ድማ፡ ኣብ ሰልፍና ተኣታትዩ ዝጸንሐ ንጽፈትን ስሉጥነትን ኣሰራርሓ፡ ንዲሞክራሲ ንምስፋሕን ምዕማቝ፡ ግሉጽነትን ኣሳታፍነትን ኣባላት ሕጂ‘ውን ብዝበለጸ ስለ ዝተሰርሓሉ እዩ።
ንሱ ድማ፡-
እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝትከል ደሞክራይያዊ ስርዓት ውሑስ ዝኸውን፡ ካብ ሕጂ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ውሽጠን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ከዘውትራ ምስ ዝኽእላ ጥራይ ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።
ኣኼበኛታት ነዚ ጉዳይ‘ዚ ብሰፊሑ ተረዳዲኦሙሉን፡ ሰልፍና ድማ ከይሰልከየ ነዚ ኣብ ተግባር ክትርጕም ክጽዕት፡ ኩልና ተቢዕና ከይተሓለልና ክንቃለስ ኢና ብምባል ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።
በዚ ድማ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ተደምዲሙ